ንኣስታት 14 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዝርከብ ግጭት ሓድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ፡ ህወሓትን ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ብዘይቀጥታዊ መገዲ፡ ሳልሳይ ኣካል ብምግባር ይዘራረቡ ምህላዎም፡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጼን ገብረሚካኤል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለመሕትት ሓቢሩ።
ዶክተር ደብረጼን ኣብ ቃለመሕትቱ ንሰላም ዝኸኣን፡ ወይ ፎርማል ኲናት ጠጠው ዝብለሉን ናብ ቀጺሎም ዝስዕቡ መፍትሒታትን ዝእተወሉ ስምምዕ ንምክያድ ይዘራረቡ ምህላዎም ኣብሪሁ። እንተኾነ ኣብ ሰሙን እዚ ጥራሕ ብወገን ክልል ዓፋር ኣዝዩ ከቢድ ውግእ ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንምውዳእ ኣሜርካ ትርከበን ብዙሓት ሃገራት ሰለማዊ ፍታሕ ንምርካብ ይሰርሓ ከምዘለዋ ክገልጻ ምጽንሐን ይዝከር። እንተኾነ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ብዙሓት ሰብ ብርክን ኣሰሓሓብቲ ጉዳያት ተሓዊሶሞ ንሰላም ዝኸውን ተስፋ ክርአ ከምዘይጸንሐ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ግራንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰለማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዘኽእል ተስፋታት ተረኺቡ ከምዘሎ ምግላጹ ይሕበር።
Yes it is the real one