ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፌሪ ፊልትማን ብሰሉስ 22 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ንምዝሓል ኣብ ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ዝርርባት እተወሰነ ምንቅስቓሳት ከም ዘርኣየ ኣብሪሁ። ኩሎም ወገናት ካብ ወተሃደራዊ ግጭት ናብ ናይ ውዕላት መስርሕ ከም ዝግዕዙ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ሓደ ምምሕያሽ ተገይሩ ክብል ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ናይ ተሌፎን ዝርርብ ሓቢሩ።
እንተኾነ ግና እዚ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ ውዕላት ኣብ መንጎ ዞም ወገናት ኣዝዩ ተነቃፊ ከምዝኾነን፡ በቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓደጋ ወተሃደራዊ ምዕባሌታት ክዕብለል ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣስሚሩሉ። እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ ካብቲ መስርሕ ዲፕሎማስያዊ ብዝተዓጻጸፈ ናህሪ ይጎዓዝ ስለዘሎ እቲ ዝዓበየ ሻቕሎት ምዃኑ ገሊጹ።
ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፌሪ ፊልትማን ብሰንበት ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ዶክተር ኣቢ ግንባር ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ናብ ትግራይ ክምለስ ከምዝደሊ ከምዝሓበሮ ምግላጹ ብተወሳኺ ይፍለጥ። እቲ ልኡኽ ብተወሳኺ ኣሜሪካ ምስዚ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቅሪብዎ ዘሎ ጠለብ ትሰማማዕ ምኻና ብምሕባር፡ ምስቲ ምልዓል ዕንቅፋት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ምዃኑ ገሊጹ።
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ናብ ርእሲ ከተማ ክኣትው ኣብ ዝቀርብሉ ዘለው ህሞት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ውግእ ክመርሕ ምኻኑ ዝብል እካ እንተኾነ፡ ልኡኽ ኣሜርካ ሽውሃት ምምይያጥ እንዳ ዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ጀፌሪ ፊልትማን ብተወሳኺ ምንስሓብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ፡ ምፍቃድ ሰብኣዊ ረዲኤትን ናብ ሰሜናዊ ዞባን፡ ፓርላማ ኢትዮጵያ ድማ ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ካብ መዝገብ ግብረ ሽበራዊ ክድምሰስን ዝውሰዱ ስጉምትታት ንመስርሕ ምርግጋእ ጎንጺ ዝሕግዙ ምዃኖም ይጠቅስ።
ኣሜርካ፡ ፈረንሳ፡ ፊንላንድ፡ ቱርኪ ከምኡ’ውን ጆርዳን፡ ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ወርሒ እዚ ክወጹ ከምዝጸውዓ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጀፌሪ ፊልትማን ኣብ’ዚ ምስ ጋዜጠኛታት ዝገበሮ ዝርርርብ ድማ ዜጋታት ኣሜርካ፡ ናይ በረራ ኣገልጉሎት ምስዝህሉ ብዘይውዓል ሕደር ክወጹ ከም እንደገና ተማሕጺኑ።