ኤምባሲ ኣሜርካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ 23 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ ዝለዓለ ናይ መጠንቀቅታ መግለጺ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክህሉ ስለዝኽእል ዜጋታት ኣሜርካ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣፍሊጡ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ መግለጺኡ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዲፕሎማት ዕላማ ዝግበረ፡ ናይ በጻሕቲ ሃገር ቦታታት፡ ቤት መግቢ፡ መዕረፊ ኣጋይሽ፡ መንግስታዊ ትካላት፡ ካልኦት ህዝባውያን ቦታታን ክጥቃዕ ስለዝኽእል፡ ዜጋታት ኣሜርካ ኣብ ምንቅስቃሶም ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ እቲ ኤምባሲ ዜጋታት ኣሜርካ፡ ካብ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ ክርሕቁ፡ ናይ ውሽጢ ሃገር ማዕከናት ዜና ክከታተሉ፡ ካብ ዝኾነ ዓይነት መንግስታዊ ቦታታት ክርሕቁን ናይ መንግስዪ ህንጻታት ይኹን ፖሊስ ስእልታት ካብ ምስኣል ክቑጠቡን ከምዝግባእ ብምሕባር እቲ ኤምባሲ ንድሕነት ዜጋታቱ ልዕሉ ውሕስነት ንምሃብ ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተበገሰ ኲናት ናብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ይጽውዓ ምህላወን ይፍለጥ።