ቤት ግምጃ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ብ 12 ሕዳር ኣብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ልዕሊ 4 ትካላትን ክልተ ውልቀ ሰባትን እገዳ ከምዘንበረ ኣፍሊጡ። እዞም ሎሚ ዝተኣገዱ ኣብ ሰሚናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ግጭት፡ ዓቢ ግደ ከምዝነበሮም ከምዝኾኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣድላዪ ዘበለን ኩሉ ኣብ ኢዱ ዘሎ መሰራሒታት ብምጥቃም፡ ነዚ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ከምዝጽዕር ብትወሳኺ ገሊጽኡ።
ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ ቤት ግምጃ ሕ.መ.ኣ እዞም እገዳ ዝተገብረሎም ትካላትን ሰበ-ስልጣንን ኤርትራ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ትካል ሕድሪ፡ ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብራሃ ካሳ፡ ህግደፍን ሓጎስ ገብሪሂወት(ክሻ) ከምዝኾኑን ዝኾነ ንበረትን ገንዘበን ኣብ ኣሜሪካ ዘለዎም ድማ ንከይንቀሳቀስ ከምዝተኣገደ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።
ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ፡ ኣብ ኲናት ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝምታ፡ ዓመጽ ደቂ ኣንስቲዮ፡ ሰለማውያን ሰባት ኣብ ምቕታል፡ ሰባዊ ሓገዛት ንከይበጽሕ ምዕጋት፡ ከሙኡ’ውን እቲ ኣብ ክልል ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ብሰለማዊ መንግስዲ ከይፍፍታሕ ዓንቓፊ ተራ ይጻወት ብምህላዉ፡ እገዳ ከምዝተገብረሉ እቲ ብ ቤት ግምጃ ሕ.መ.ኣ ዝወጸ መገለጺ ይሕብር።
ህግደፍን ኣባላት ህግደፍን ኣብ ምዕጋት ዂናት ወይ ውን ሰላም ን ምምጻእ ዝግበር መስርሕ ዓንቃፊ ኣበርክቶ ይጻወቱ ከምዘለውን፡ ትካል ሕድሪ መንግስቲ ኤርትራን ኣካልን መሳርሕን መንግስቲ ኤርትራን ህግደፍ ብምዃኖም እገዳ ክንበረሎም ከሎ፡ ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓጎስ ገብሪሂወት(ክሻ) ካኣ ኣብዚ ኩናት ብ ፋይናንስ፡ ብ ስንቂ፡ ንዋትን ቲክኖሎጅን ን ህግደፍ ስለዘበርክት ከዝተኣገደ እቲ መግለጺ ይብርህ።
ኣብርሃ ካሳ ድማ፡ ሓልፊ ሃገራዊ ድህነት ኤርትራ ኮይኑ፡ እዚ እገዳ ዝተነብረሉ፡ ዝለዓለ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብምዃኑን፡ ድሕሪ ባሕቲ ሕዳር 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዝተኻየደ ኲናት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ከም በዓል ስልጣን ብምስታፉ ወይ ንምስታፍ ብምህቃኑን ከምዝኾነን እቲ መግለጺ የፍልጥ።
መንግስቲ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ተጻብኦታት ደው ንምባል ጭቡጥ ገስጋስ እንድሕሪ ዘይኣርእዮም ኣብ ልዕሊ መንግቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓሪነት ትግራይ ተወሳኺ ስጉምቲ ንምውሳድ ቅሩብ ከምዘሎ እቱ ብ 12 ሕዳር ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ቤት ግምጃ ናይ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣሜርካ ኣብ ውሽጢ እዚ ኣዋርሕ ንሳልሳይ ግዜኣ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ትካላትን እገዳ ተንብር ከምዘላ ይፍለጥ።