back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ድምጻዊ ታሪኩ ጋንካሲ(ዲሽታ ጊና) ኲናት ከብቅዕን፡ ሞት መንእሰያት ክኣኽሎን ጸዊዑ 

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዓቢ ስምን ኣድናቆትን ረኺቡ ዝርከብ ድምጻዊ ታሪኩ ጋንካሲ(ዲሽታ ጊና) ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንግስቲ ንምድጋፍ ኣብ ዝካየድ ዘነበረ ኣሽሓት ዝተሳተፍዎ ሰልፊ፡ “ክደርፍ ኣይመጻእኩን፡ እንታይ ኢለ ክዝምር፧ ጸሊም ክዳን ምኽዳን ይኣኽለና፡ መን ከይዱ እዩ ዝመውት ዘሎ፧ ኣፈሙዝ ይኣክል፡ ኲናት ይኣኽለና፡ መንእሰያት ኣይኺዱ፡ ሽማግለታት ቆጽልን እምንን ሒዞም ዕርቂ የውርዱ” ብምባል ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደም ምፍሳስ ከብቅዕ ጸዊዑ። 

እዚ ድምጻዊ ናብቲ ኣሽሓት ዝተኣከብዎ ክደርፍ መደብ ተታሒዙሉ ምንባሩ ዘርኢ ጭብጥታት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት ከርኢ ከሎ፡ ድምጻዊ ታሪኩ፡ ነዚ ንሰላምን ምብቃዕ ኲናት ዝጽውዕ መደረ ከስምዕ ከምዝመረጸ ይፍለጥ። 

ድምጻዊ ታሪኩ (ዲሽታ ጊና) በታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዘርግሓ ድሽታ ጊና እትብል ንጽል ደርፉ፡ ብዙሕ ኣድናቆትን ሰዓብትን ዝረኸበ ክኸውን ከሎ፡ ምስ ሓደ ካብ ፍሉጣት ኣሜርካዊ ደረፍቲ አይኮን (AKon) ብሓንሳብ ምስራሕ ጀሚሮም ምህላዎም ይንገር። 

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንዘጋጥም ሽግራት ብትብዓት ወጺኦም ንሰላምን ምርግጋእን ዝጽውዑ ስነጥበባውያን ኣብ ታሪኽ ከምዝዝከሩ ይፈልጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles