ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ምስ ፍሉያት ልኡኻት ተራኺቡ 

ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ተመዚዙ ንቅልውላው ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ክሽምግል ዝተሓርየ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሳንጎ ኣባሳንጆን ላዕለዋይ ኣዋሃሃዲ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝ (OCHA) ማርቲን ግሪፍስ ኣብ መቀለ ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ። 

እቲ ርክብ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝርከብ ቅልውላው ብሰለማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእልን፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ብዙሓት ሃገራትን ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ከቢድ ዓዘቅቲ ሰለማዊ ምዝራርብ ብምክያድ ክፍታሕ ክጽውዓ ምጽንሐን ይዝከር። 

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፊልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ምብጻሕ ፍረ ከምዘይተረኽቦ ይሕበር። እቲ ልኡኽ ማእከላይ መንግስትን ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዝርከቡ ናይ ትግራይ ተዋጋእትን ተኹሲ ጠጠው ኣቢሎም ኣብ ዘተ ክመጹ ምጽንሖም ክጽውዕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ክረኽቦ ከምዘይክኣለ ይጥቀስ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ