back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ን ሱዳን ካብ ኩሉ ንጥፈታት ናይቲ ሕብረት ኣደስኪልዋ

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሱዳን ክሳብ ናብ ስቪላዊ መንግስቲ ምምሕዳር ትምለስ ከምዝኣገዳን ነቲ ብ ዕለት 25 ዝተወሰደ ወተሃደራዊ መፈንቅለ መንግስቲ ብ ትሪ ከምዝኾኖን ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ባንክ ዓለም ን ሱዳን ክህቦ ዝጸነሐ ሓገዝ ጠጠው ከምዘበሎ ሎሚ ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር።  

ዝተፈላለያ ምዕራባውያን ሃገራት ድሕሪ እቲ ዕልዋ፡ ናይ ኩነኔ መግለጺታት ከውጽኣ ከለዋ፡ ነቲ ስቪላዊ መንግስቲ ተፈላጥነት ከምዝህባን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክ ብ ህጹጽ ክራኸባ ይጽውዓ ምህላወን ይፍለጥ። 

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ዓብደላ ሓምዶክ ብ ስልኪ ከምእተራኸበ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ይገልጽ። 

ሱዳን፡ ኣብ 2019 ኣብ ልዕሊ ን ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ንክወረድ ዝጠልቡ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ሓይሊ ብምጥቃማ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝኾነ ንጥፈታት ምስታፍ ኣብቲ ሕብረት ኣጊድዋ ምንባሩ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles