ግብረ መልሲ ናይ’ቲ ብሶኒ 25 ጥቅምቲ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ነታ ሃገር ዝህቦ ዝነበረ 700 ሚልዮን ዶላር ደው ከምዘበሎ ተፈሊጡ። ብዘይካ’ዚ ኣሜሪካ ኩሎም ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ሲቪላውያን መራሕቲ ክፍትሑ ብምጥላብ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ክምለስ ጠሊባ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ድሕሪ ወድቀት ዑመር ኣልባሺር መስርሕ ምስግጋር ናብ ምሉእ ስቪላዊ መንግስቲ፡ ንዝፈጠሮ ምጭቅጫቅ መራሕቲ ሱዳን ንዜጋታት ብምግንዛብ፡ ይኹን እምበር መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ነቲ ጉዕዞ ሱዳን ናብ ደሞክራሲ ንዝዕንቅፉ ተሓታትነት ከምተሰክሞም ሓቢሩ።
እቲ ወሃቢ ቃል ቀጺሉ፡ ወተሃደራት ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝኾነ ዓመጽ ከይፍጽሙን ተፈንጃሪ ነገራት ከይጥቐሙን ኣጠንቂቑ። ወሃቢ ቃል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ሱዳን ናብ መስርሕ ምስግጋር እንድሕሪ ዘይተመሊሳ፡ ድሕሪ እቲ ብሶኒ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት፡ ምስቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኣካል ዝህሉ ምሉእ ዝምድና ክግምገም ተኽእሎ ከምዘሎ ንጋዜጣኛታት ኣፍሊጡ ብተውሳኺ ሓቢሩ።
ኣብ ሱዳን ንዝዓበያ ዘይመንግስታውያን ትካላት ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕጽል ከምዝኾነ ድሕሪ ምሕባር እቲ ኣፈኛ፡ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ 700 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ትህቦ ዝነበረት ከምዝኾነ ኣብሪሁ። ነዚ ኣሜሪካ ደው ኣቢላቶ ዘላ ገንዘባዊ ሓገዝ ምሉእ ብምሉእ ክትለቆ፡ እቶም ስልጣን ሒዞም ዘለው ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ሓዊሱ ሲቪላውያን መራሕቲ ናብ ስልጣን ክመልስዎም ኣለዎም ብምባል፡ ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ክፍትሑ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጎነጽ ካብ ምፍጻም ክቕጠቡ ከምዘድልዮም ወሲኹ።
እዚ ኩሉ ንመጻኢ ንዝህልወና ዝምድና ሕሉፍ ኣገዳስነት ኣለዎ ክብል ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል ክፍሊ ወጻኢ፡ ከም ግብረ መልሲ ናይ’ዚ ዕልዋ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ሓዲሽ እገዳ ክትገብር ተኽእሎ ኣሎ’ዶ ንዝብል ግን ንጹር ኣይገብሮን።
ድሕሪ እቲ ብሶኒ 25 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣብ ሱዳን ሰፊሕ ናዕቢ ከምዝተላዕለን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ 3 ሰባት ክቕተሉ ከለው ሎዕሊ 80 ከምዝቆሶሉ ማዕከናት ዜና ዓለም ጸብጽበን።
ኣብ ሱዳን ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዊ ጉጅለን፡ ሲቪላዊ መንግስትን ክርአ ዝጸንሐ ምውጣጥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ድሕሪ ምዕባዩ፡ ወተሃደራዊ ጉጅለ ንስቪላውያን መራሕቲ ግዝያዊ መንግስቲ ሱዳን ትማሊ ከምዝኣሰሮም ይፍለጥ።