back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ቢንያም ግርማይ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ፡ ኤርትራ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተቀሚጣ

ዩሲኣይ ኣብ ዝሓለፈ 11 ጥቅምቲ ንደረጃ ተቀዳደምቲ፡ ጋንታትን ሃገራትን ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብ 746 ነጥቢ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃውያን ጊቦን ርያንስን ማይን ከንትን ብምብላጽ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ደይቡ። ቢንያም ግርማይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቻምፕዮን ዓለም፡ ዓወት ድሕሪ ምጉንጻፉ ናብ ቀዳማይ ደረጃ ክሓኲር ክኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኤርትራ ንደቡብ ኣፍሪቃ ስዒባ ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ክትስራዕ ከላ፡ ኣልጀርያ መበል ሳልሳይ ደርጃ ሒዛ።

ብተወሳኺ ሸውዓተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ብሉጻት ዕስራ ክኣትዉ ከለዉ፡ መርሃዊ ቁዱስ ኣብ መበል ራብዓይ ደረጃ ክስራዕ ከሎ፡ መትከል እዮብ 7 ደርጃ ሒዙ ይርከብ።

ኣብ ዝተፈላለያ ጋንታት ዝጻወቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ድሙቅ ዓወት የመዝግቡ ምህላዎ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles