back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

UNICEF ብሞት ህጻናት ኣብ ክልል ዓፋር ይሻቐል

ዳይረክተር ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ሄንሬታ ፎር ምቕታል ናይ ዝበዝሑ ህጻናት ዝርከብዎም 200 ዜጋታት ኣብ ክልል ዓፋር ኣዝዩ ከምዘሻቐሎም ገሊጻ።

እታ ዳይረክተር፥ ኣብ ናይ ሰኑይ 9 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) እቲ ብዕለት 5 ነሓሰ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ 200 ዜጋታት ቅትለት ተፈጺሙ ዝብል ጸብጻብ ኣዝዩ ከም ዘሻቅል ንምሕባር፡ እቲ መግለጺ ልዕሊ 100 ካብዚኦም ህጻናት ምኻኖምን፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብሰንኪ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ኣብ ትካላት ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ተዓቂቦም ዝነበሩ ዝተዘናበሉን ስድራቤታት ምኻኑን ይሕብር።
እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣድላይ ዝኾነ ናይ መግቢ ቐረብ፡ ህጹጽ ናይ ረዲኤት ዘድልዮን ውሑስ መግብን ዘይብሉ ቦታ ከምዝባኽን ከምዝተገብረ ይገልጽ። ቀረብ ንህጻናትን ማሕበረኮማትን ዘገልግሉ ከም መግብን ካልእ ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ዝቕርብ ትካላት ብመደብ ምዕናው ይካየድ ከምዘሎ ብተወሳኺ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ህጹጽ ሓገዝ ንምውሓስ ማዕከን ህጻናት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት (ዮኒሲኤፍ) ምስ ዞባዊ ትካላት ብምትሕብባር ተንቀሳቃሲ ናይ ጥዕናን መግብን ህጹጽ ረዲኤት የካይድ ኣሎ።
እቲ ኣብ ክልል ዓፋርን ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ዘሎ ግርጭት ንህጻናት ሓደገኛ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ብሰንኪቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት 400,000 ሰባት ካብኦም 160,000 ዝርከብዎም ህጻናት ኣብ ናይ ጥምየት ዝመሳስል ሓደጋ ከምዝርከቡ ጌርዎም ኣሎ። ኣርዕተ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋር፡ ኣምሓራ ዝርከቡ ኣብ ህጹጽ ናይ መግቢ ቀረብ ዘድልየሉ ኩነታት ከምዝርከቡን፡ 100,000 ድማ ሓደሽቲ ዝተዘናበሉ ዜጋታት ኣለዉ ክብል እቲ መግለጺ ዳይርክተር ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ ይሕብር።

እዚ ኣብ ልዕሊቲ 2 ሚልዮን ካብ መነባብርኡ ተዘናቢሉ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ።

ኩሎም ኣብዚ ኩናት ተጸሚዶም ዘልው ኣካላት ጥራይ እዮም ነዚ ብሰንኪ ብረታዊ ጎንጺ ተኸሲቱን፡ ዘስፋሕፍሕን ዘሎ ሰብኣዊ ዕንወት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክፈትሕዎ ዝኽእሉ ብምባል፡ ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኹሎም ወገናት ቶኽሲ ዶው ከብሉ ድማ ብምጽዋዕ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ህጻናት ካብ ሓደጋ ንምድሓን ዝከኣሎም ክገብሩ ብተወሳኺ እታ ዳይርክተር ጸዊዓ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ግጭት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየትን ምዝንባልን ኣብቂዕዎ ከምዘሎ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ረዲኤት ትካላት ይገልጹ ምህላዎም ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,374ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles