back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሱዳን ናብ ሕንፍሽፍሽን ውግእ ሕድሕድን ከይተምርሕ ተሰጊኡ

ብመሰረት ማዕከን ዜና ሮይቶርስ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ሱዳን፡ ሓደጋ ዕግርግርን ውግእ ሓድሕድን ገጢምዋ ኣሎ ክብል ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ናይ’ታ ሃገር መጠንቀቅታ ከምዝሃበ ተሓቢሩ። ቀዳማይ ሚንስተር ሱዳን ዓበደላ ሓምዶክ፡ ብ ሰሉስ 15 ሰነ ብተሌቭዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሱዳን ብሰዓብቲ ናይቲ ዘነበረ ስርዓት ዝለዓሉ ሕንፍሽፍሻትን ውግእ ሓድሕድን ከጋጥማ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ሱዳን ንቀረብ ነዳዲ ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ምቁራጹ፡ ኣባትር ዝሓዙ መንእሰያት ኣብ ካርቱም መንገድታት ምዕጻዎም ተኸቲሉ ድሕሪ መዓልታት  ቀዳማይ ሚንስተር ነዚ መጠንቀቕታ ይህብ ምህላዉ እቲ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ጸብጻቡ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚንስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣስዒቡ፡ “እቲ እንዳ ወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ሱዳን፡ ምስ ምፍንጫል ኣካላት ሰውራ ዝተኣሳሰር ኢዩ፡ እዚ ድማ ብጸላእትን በኣታታትን ናይቲ ዝሓለፈ መግስትን ዝምዝመዝ ህጓፍ ገዲፉ” ድሕሪ ምባል፡ “እቲ እንዳ ሰፈሐ ዝኣከይድ ዘሎ ጽላት ጸጥታ እንተዘይተጸጊኑ፡ ሱዳን ውሽጣውን ደጋውን ስግኣታት ቀጻሊ ክገጥምዋ ኢዮም”፡ ክብል ገሊጹ።

እቲ ኣብ ሞንጎ ኣካላት ሰውራ ኣሎ ዝበሎ ምፍንጫላት፡ ናብ ሕንፍሽፍሽ ኣምሪሑ ነታ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጉጁለታትን ገበነኛታትን ብምእታው፡ ነቲ ግጭታት ናብ ኩሎም ስቪላውያን ጉጁለታት ብምስፍሕፋሕ፡ ነታ ሃገር ናብ ውግእ ሓድሕድ ከምርሓ ከምዝኽእል፡ ዓብደላ ሓምዶክ ኣብቲ መግለጺ ብትሪ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ሱዳን ን ስርዓት ኣልባሽር ካብ ስልጣን ዝኣለየ ህዝባዊ ናዕቢ ነታ ሃገር ሓድሽ ፖሎቲካዊ ምዕራፍ ከምዝኸፈተ ዝዝከር ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ናዕቢ፡ ካብ ሰበ-ስልጣን ሰራዊት ናይታ ሃገርን በርገሳውያንን ማሕበራትን ዝተዋጸአ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሳብ 2023 ምርጫ ክሳብ ዝግበር ከገልግል ተመዚዙ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝቕባበ ናይ ሱዳን፡ 379% ከምዝበጽሐ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሕጽረት ማይን ቀረብ ኤለክትሪክን ድማ መዓልታዊ ተርእዮ ኮይኖም ምህላዎም ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles