ቀዳማይ ዲግሪ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ፡ ድሕረ መረቓ ትምህርቱ(PHD) ኣብ ኦሃዮ ዩኒቨርስቲ ዘጽንዐ፡ ዶክተር ዮናታን ጽገ፡ ናይ 2021 ብሉጽ “ሃርድውድ ዲሰርተሽን ኣዋርድ” (Hardwood Outstanding Dissertation Award) ተዓዋቲ ብ ምዃን ተሸሊሙ። እዚ ዓመታዊ ብ “ብሮድካስት ኢዲኬሽን ኣሶሴሽን( Broadcast Education Association, BEA) ዝዋሃብ ሽልማት፡ ን ዮነታን ጽገ ኣብ ድሕረ ምረቓ መጽናዕቱ ዝቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ኣብ ዓውዲ ፈነወ ኤለትሮኒካዊ ሜድያ ብሉጽ ኮይኑ ስለዝተረኽበ ነዚ ሽልማት ክበቅዕ ከምዝኽኣለ ይፍለጥ።
“ብሮድካስት ኢዲኬሽን ኣሶሴሽን( Broadcast Education Association, BEA)” ልዕሊ 60 ዓመት ዕድመ ዘለዎ፡ ኣብ ዓውዲ ፈነወን ምስትምሃርን ዝነጥፉ ናይ ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰራትን ናይቲ ዓውዲ ሰብ ሞያን ዝሓቁፍ ማሕበር ኮይኑ “ሃርድውድ ዲሰርተሽን ኣዋርድ” (Hardwood outstanding Dissertation Award) ን መበል 31 ግዜ ዝዋሃብ ዘሎ ሽልማት እዩ። እዚ ሽልማት ብ ኼነት ሃርድውድ፡ ኣብ ሂስተን ዩኒቨርስቲ ብ ፕሮፌሰር ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ ድሕረ ምረቓ መጽናዕቲ ዝቅርቡን፡ ኣብ ዓውዲ ፈነወን ኤለትሮኒካዊ ሜድያ ብሉጻት ንዝኾኑ ዝዋሃብ ሽልማት እዩ።
ዶክተር ዮናታን ጽገ ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዓዲቀይሕ፡ ኮለጅ ማይ ነፍሕን፡ ዩንቨርስቲ ኣስመራን፡ መምህር ናይ ጋዜጠኘንነትን ህዝባዊ ርክባትን (Journalism and Mass Communication) ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ናይ ደርፊ ክሊፓት ናይ ኤርትራ፡ ከም ሰኣላይን ኤዲተርን ዝሰርሐን ስሙ ብዓቢ ዝተሰነደን ዜጋ እዩ።