እስራኤል ንዝሓለፈ ዓመት ኣጽዲቃ ብትሪ ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት መሸፈን ኣፍ (mask) ክጥቀም ዘገድድ ሕጊ፡ ሎሚ 18 ሚያዝያ ከምዝኣለየቶ ተፈሊጡ።
ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ሕማም ኮሮና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ ተግባራዊ ኮይኑ ዝጸንሐ፡ ኣፍ ክሽፈን ዘገድድ ሕጊ፡ እስራኤል ነቲ መከላኸሊ ዘይጠቀመ ክሳብ ገንዘባዊ መቅጻዕቲ ከተካይድ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።
እስራኤም ዳርጋ ንብዙሕ ክፋል ዜጋታት እታ ሃገርን፡ ኣብኡ ዝነበሩ ወጻእተኛታትን ሓተቲ ዑቅባን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ድሕሪ ምሃባ ነዚ ሕጊ ክትኣልዮ ከምዝኸኣለት ይፍለጥ።
ሃብታማት ሃገራት ድሮ ክታበት ኮቪድ 19 ንዜጋታተን ክህባ ጀሚረን ምህላወን ዝሕበር ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዝርከባ ሃገራት፡ በዚ ድሒሩ ክቅልቀል ዝኽእል ራብዓይ ማዕበል ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ኮሮና ከይጥቅዓ ስግኣት ሓዲሩ ይርከብ።