back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ራሀቨን፡ ኤርትራዊት ደራፊት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

 

ራሀቨን ፦ “ኣብ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሙዚቃ ፡ ውሑድ ናይ ኤርትራ ውክልና እዩ ዘሎ – ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ክኸውን ምደለኹ”

ራሀቨን  ሓቀኛ ስም ራሄል ዮሃንስ በቲ ህይወት ብዝመልኦ ቃላት ኤርትራውያን ደረፍቲ ኤልሳ ኪዳነን ሄለን መለስን ተደሪኻ ፡ ከም ስዚኤን ሳመር ዎከርን ዝኣመሰሉ ንቐይዲ ልምድታት በናጢሳ ክትወጽእ ዝተበገሰት ውልዶ ኤርትራዊት ደራፊት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ።

ኣብዚ ሕጂ ግዜ ብ ‘7 AM’ እትፍለጥ ንጽል ደርፊ ኣፍርያ እትርከብ። እዛ ደርፊ ብዙሕ ኣካታዒ ትሕዝቶ ግጥሚ ዘለዋ ኮይና ዝተፈላለዩ ሰባት ንትሕዝቶኣ ብዝተፈላለየ ኩርናዕ ከምዝትርጉሙዋ ትዛረብ።

ራሀቨን ንኽእለታን ንባህሪኣን ክትኣምኖ ዘኽኣለት ኣብ ቤት ትምህርቲ ፡ ጾር ድራማ እጻወት ኣብዝ ነበረትሉ ግዜ|ዩ። ኣባል መዘምራን እውን ኔራ|ያ።  ብ1980 ወለዳ ካብ ኤርትራ ናብ ለንደን ምስ ገዓዙ፣ ምስ ኣዕሩኾም ብሓባር ኮይኖም ነቲ ኤርትራ ንናጽነታ ንምርካብ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ቃልሲ ጉጅለ ባህሊ ብምምስራት ገንዘብ ከኻዕብቱ ጀመሩ። ወላ እኳ ስድረኣ ደረፍቲ እንተዘይነበሩ፣  ኣቦኣ ጊታር ክጻወት ከሎ ወትሩ ትሰምዖ ነይራ፡ ኣዲኣ ድማ ኣብ ገዛ ብዙሕ ኤርትራዊ ሙዚቃ ትጻወት ነይራ|ያ።

ኣብ 2006 ናይ ቢዮንሰ ደርፊ ኣብ ራድዮ ድሕሪ ምስማዓ፣ ንሳ እውን ክትገብሮ ከምትኽእል ንነብሳ ኣእመነታ። ካብዚ ንደሓር ድማ እያ ንደርፊ ክትተሓሓዞ ዝጀመረት። እዚ ግን ምስቲ ቦኽሪ ምዃናን ናይ ስድራ ሓላፍነት ከቢድ ምዃኑ ኣይዘንግዓቶን።

ራሀቨን ትብል ” ናይ ስድራ ሓላፍነት ኔሩኒ|ዩ። ንኣብነት ኣብ ስድራና ዩኒቨርስቲ ዝኸደ ኣይነበረን፣ ስለዚ ኣነ ድማ ከም ቦኽሪ መጠን ክኸይድ ኔሩኒ።” ሶስዮሎጂ ድማ ኣጽኒዓ።

 

ራሀቨን ነቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብምዕራብ ኣፍሪቃውያን ተባሒቱ ዘሎ ተወካልነት ኢንዳስትሪ ሙዚቃ  ኣፍሪቃውያን ክትሰብር ኣንቂዳ ትርከብ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንኤርትራ ኣብዚ ዓውዲ ብዙሕ ዘይምህላዋ ከምዘየሐጉሳን ንሃገራ ከተፍልጣ ከምእትደልን ትዛረብ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles