back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣመሪካ፡ ንፖሊሲ ኢሚግረሸን እስራኤል ነቂፋ

ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ኣብ ዘውጽኣሉ፡ እስራኤል ንእትክተሎ ናይ ኢሚግረሽን ፖሊሲ ከምዝነቀፈት፡ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ዘይመንግስታዊ ትካል ሆትላይን ሎሚ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፌስቡኩ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ሓቢሩ።

ኣሜርካ ኣብቲ ሰፊሕ ዝኾነ ጸብጻብ፡ ንጉዳያት ኢምግረሽን እስራኤል ዝነቐፈትሉ ቀንዲ፡ እስራኤል ንዝፈረመቶ ውዕል ምቅባል ሓተቲ ዑቅባ ሸለል ብምባል ኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቅባ፡ ናይ ዑቅባ ሕተቶም ጥራሕ ክትምልስ ምኽኣላን፡ ብተወሳኺ መንግስቲ እስራኤል፡ ዝኾነ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝግበር ናይ ዑቅባ ሕቶ ዘይቅበል ምዃኑን፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR) ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ማሕቡስ ከይኣቱ ምኽልካላን ካልኦትን ዝብሉ ነጥብታት ምህላዎም እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

እስራኤል ኣብ ሃገራ ኣትዮም ዝርከቡ ሓተቲ ዑቅባ ዘለዋ ኣተሓሕዛ ክትንቀፈሉ ዝጸንሐት ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሓተቲ ዑቅባ ክሳብ ሒጂ ከቢድ ሽግር የሕልፉ ምህላዎም ይፍለጥ። ኣስታት 23 ሽሕ ኤርትራውያን ካብዚ’ቶም ግዳይ ዝተፈላለየ ጸገማት ይኾኑ ከምዘለዉ ብዝተፈላለየ መገዲ  ክሕብሩ ምጽንሖ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles