ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ኣስታት 40 ኣምበሰዳራትን፡ ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ከተማ መቐለ በጺሖም

ትማሊ 10 መጋቢት 2021 ኣስታት 40 ኣምበሳድራትን ዲፕሎማሰኛታትን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መቐለ ምብጻሕ ከምዝፈጸሙ ተሓቢሩ። እቶም ኣምበሳድራትን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብቲ ክልል ኣብ ዝበጽሑሉ፡ መራሒ ፈጻሚ ኣካል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ክልል ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ከምዘብርሃሎም ብምሕባር፡ ህዝቢ ንምርግጋእ ዝስራሕ ዘሎን፡ ዘለዉ ብድሆታትን ብሰፊሑ ከምዝተዛረቡ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብተወሳኺ 09 መጋቢት ኣምበሳድር ኣሜርካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ምብጻሕ ከምዝፈጸመት፡ ኣብ ናይ ትዊተር ገጻታ ሓቢራ ምንባራ ይዝከር። ኣሜርካ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዝርከብ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ከምዘሰከፋ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜርካ ኣንተንዮ ብሌንኬን፡ ሰራዊት ኤርትራን ናይ ክልል ኣምሓራ ምልሻ፡ ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኸስተ ኲናት፡ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣውሪዱ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ