ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ኣብ ኣኽሱም ጃምላዊ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ

ዘይመንግስታዊ ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሎሚ፡ ኣስታት 25 ገጻት ዝሓዘ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ንኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት፡ ምስ ገበን ኣንጻር ሰብ ከምዝዳረግ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኣብ መጽናዕቱ፡ ንብዙሓት ነበረቲ እቲ ከተማን፡ ብህይወት ናይ ዝድሓኑ ግዳያት ቃለ መሕትትን ብምእካብ፡ ዕለት 28ን 29ን ሕዳር ዘጋጠመ ጃምላዊ ቅትለት፡ ብወተሃደራት ኤርትራ ከምዝተፈጸመን፡ ብዙሓት መንእስያትን፡ ደቂ ተባዕትዮን ከምዝተቀትሉን፡ ከረጋግጽ ከምዝኽኣለ ሓቢሩ።

ናይቶም ዝተቀይሉ ሬሳታት ንመዓልታት ከይተቀብረ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ እቲ ትካል፡ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብዙሓት ሰባት ክቅተሉ ብዓይኖም ከምዝረኣዩ ሓቢሮም። ዕለት 28 ኣብቲ ከባቢ ዓሪዱ ዝነበረ ናይ ኤርትራ ሰራዊት፡ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝተኣኻኸቡ መንእሰያትን ምልሻን መጥቃዕቲ ምስ ከፈቱ  ንሰዓታት ድሕሪ ዝተኻየደ ግጭት ወተሃደራት ኤርትራ ኣብታ ከተማ ኣትዮም ብዙሓት ሰባት ከምዝቀተሉ ነቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ይሳተፍ ምህላዉ ብሰፊሑ ክግለጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዙሓት ሃገራት መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብቲ ክልል ከውጽእ ክሓታ ምጽንሐን ይፍለጥ። ብዘይካዚ ናብቲ ክልል ዝኣተወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መዓስከራት ንዝነበሩ ስደተኛታት፡ ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ወሲድዎም ተባሂሉ ይኽሰስ ከምዘሎ ይፍለጥ

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ