ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኮኒና

ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ ግዝኣታዊ መሬተይ፡ ቀጥታዊ ጥሕሰት ልእላውነታ’ውን መሬታ’ውን ሓድነት ሱዳን እያ ክብል ኮኒንዎ።
ኣብዚ ሎሚ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እዚ ሓደሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ መዓስ ግዜን ዕለትን ከምዘጋጠመ እኳ ተዘይገለጸ፥ ነቲ ተግባር ግን ጥሕሰት ኣወንታዊ ክብርታት ጎረቤትናን ናይ ክልቲኤን ሃገርት፡ ውሕስነትን ጸጥታን፡ ዝጥሕስ እዩ ክብል እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ትገብሮ ዘላ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ናይ ሱዳን መሬት ጠጠው ክተብልን፡ ነቲ ዶብ ኣብ ምምልካት ኣብ ባይታ ክትሰማማዕን ክጽውዕ ከሎ፡ ኢትዮጵያ ሳዕቤን ናይዚ ሓዲሽ መጥቃቲ ከኣ ተሓታቲ እያ ክብል ሓቢሩ።

ኣልፋሽቃ ንሱዳናን ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዓመታት ዘሳሓሕብን፡ ክሳብ ኣብ ግጭት ከእቱ ዝጸንሐ ምኻኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ፡ ግን እቲ ጉዳይ ዶባዊ ምስሕሓብ ናብ ግጭት ከምዝዓረገን ሱዳን ወተሃደራዊ ስርሒታት ብምክያድ፡ ብኢትዮጵያ ተታሒዙኒ ዝነበረ መሬት ኣምሊሰዮ ክትብል ከምዝገለጸት ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ