ኣብ ዝሓላፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዝወደቀ ዝተነግረሉ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ሽመልባን ሕጻጽን፡ መንግስቲ ክዓጽዎ ከምዝወሰነ ዳይርክተር መንግስታዊ ትካል ስደተኛታትን ተመለስቲ ካብ ስደትን (ARRA) ኣቶ ተስፍሁነይ ጎበዛይ፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ኣፍሊጡ።
ኣቶ ተስፍሁነይ ጎበዛይ ኣብ መግለጺኡ፡ መዓስከር ሽመልባ፡ ንመትከላትን ሕግን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR)፡ ከምቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ካብ ዶብ ሃገራት ኣስታት 50 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ክድኲን ዝግብኦ፡ ናብ ዶብ ኣዝዩ ዝቀረበ ኮይኑ ብምዱኳኑን፡ ከምኡ’ውን፡ መዓስከር ሕጻጽ ንህይወት ስድተኛታት ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኣብ ዝኾነ ቦታ ተድኲኑ ብምህላዉን ክዕጾ ከምዝወሰነ ኣብሪሁ።
ኣብ መዓስከር ሕጻጽ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ክሊማ ግዳያት ብዙሕ ሕማማ ይኾኑ ምንባሮም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብኦም ኣብ ከተማታት ናይ ትግራይ ፋሕ ኢሎም ክነብሩ ፍቃድ ወሲዶም ክነብሩ ከምዝጸንሑ ይሕበር።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ኲናት ዝኽሰት፡ እዘን ክልተ መዓስከራትን ኣብአን ዝነበሩ ስደተኛታትን፡ ግዳያት ከምዝኾኑ ክሕበር ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣስታት 15 ሽሕ ስደተኛታት ካበተን መዓስከራት ተበቲኖም ምህላዎም፡ ትካል ስደተኛታትን ተመለስቲ ካብ ስደተን (ARRA) ከምዝሓበረ ሰቲት ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።