ትሽዓተ ምስ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ክለባት ቅድድም ብሽክለታ ተጠርኒፎ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ውድድር ናይዚ ዓመት ምስ ክለባቶም ኮይኖም ክወዳደሩ ምዃኖም ራድዮ ኤረና ኣብ ናይ ሎሚ ዜናኣ ኣስፊራ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰረት ዓመት ንቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዝበሓቱ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝካየድ ዓበይቲ ዙራት ምስ ጋንታታቶም ኮይኖም ክሳተፉ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።
በዚ መሰረት ድማ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናትናኤል ብርሃነ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ ቢንያም ግርማይ፡ ያቆብ ደበሳይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ መኽሰብ ደበሳይ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ መትከል ኢዮብን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ቅድድም ብሽክለታ ዓለምና ክንርእዮ ምዃና ራድዮ ኤረና ብተወሳኺ ኣስፊራ።
ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኣንጸባራቒ ዓወት ዝሓፍሱ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት’ውን ጽቡቅ ጸወታ ከምዘርእዩ ይፍለጥ።