back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ድርብ ወጽዓ መንእሰያት ኤርትራ (1991-2021) 

መንእሰይ ዝበሃል ብርዱእ ምኽንያታት ካብ ዓሰርተ ሸሞንተ ዕድመ ክሳብ ኣርባዓ ክሊ ዕድመ ኮይኑ ምናልባት ካብ ሃገር ንሃገር ይፈላለ’ዩ ። መንእሰይ ኤርትራ ካብ ድሕሪ ናጽነት ወይ መጀመርያ ናጽነት ደቂ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ዝነበሩ ሎሚ ምስ ናይ ናጽነት 30 ዓመታት ደሚርካ ናብ 48 ዓመት ዕድመ በጺሖም ኣለዉ ማለት እዩ።

እዚ ወለዶ እዚ ኣብ ዕብየቱን መጻኢኡን ተሃስዩ’ዩ ::እዚ ክብል ከለኹ ኣብቲ ንህይወቱ ከማእዝነሉ ዝግበኦ ዕድመ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ማእቶትን ኣውፊርካ ነተን ወርቃውያን ዕድሚኡ ከምዝባኽን ተገይሩ’ዩ። ስለዝኾነ ከኣ’ዩ ካብታ ትጥሕል ዝነበረት መርከብ ዘዘሊሉ ብምውራድ፡ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍአ።ኣብዚ ምናልባት ነቶም ናይ ገድሊ ወለዶ ብቀሊል ዝረኣዮም ኣብ መጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ዕንወት ከምዘስዓቡ ዝስወጦም’ውን ኣይመስለንን ምኽንያቱ ነቲ መንእሰይ ምስተሰደ’ውን ከይተረፈ እግር እግሩ እናሰዓቡ ግዳይ ናይ ፖለቲካ ሃልክታቶም ጌሮሞ’ዮም።

እሞ ሓንቲ ሃገር መጻኢኣ ብመንእሰያት ዝቅለስ እንተኾይኑ ነዞም ንብሎም ዘሎና መንእሰያት ዝተነግፎም ብኸመይ ንርእዮ?  ኩሉ ሰብ ክሓስበሉ ዝግባእ’ዩ። ብዓይነይ ግን ገበን ወይ ናይ ጽንተት ዘመተ ዝተኻየዶ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ።

ንኣብነት ኣብ ሓደ ጫካ ባርዕ እንተጋጢሙ ኩላ ፍጡር ነናብ ዝጥዕማ እያ ዝሃድም።ኣህባይ በይነን፡ ገባብል ንበይናም፡ ጠባብቅ ንበይኖም፡ ኣናብርን ኣናብስን ንበይኖም ከምኡውን ኣናጹ ወዘተ በበይኖም እዮም ዝኾኑ ብኸምዚ ከኣ ክሳብ እቲ ሓዊ ዝጠፍእ ጎጉጅለኦም ሒዞም ይጸንሑ።ኣብዚ ናይ ኤርትራ ጉዳይ’ውን እንተሪኢና እቲ ከም ሓዊ ቃጸሎ ኣብ ጫካ ዝረአ ዕብለላን ኣደራዕን ኣብቲ መንእሰይ ዝያዳ ስለዝበርተዓ፡ እቲ መንእሰይ ናብ ስደት ኣምሪሑ ብትንትን ምስ በለ፡ ኣብ ስደት ዝተፈላለየ ናይ ምንባር ብደሆታት ገጢመሞ።ናይ ቋንቋ ናይ ባህሊ ናይ ስራሕን ሞያን ወዘተ ።

ስለዚ ከም መፍትሒ ከኩርንዑ ክሕዝ ተገዲዱ ።እቲ ኣብ ሃይማኖት ኣብ ናይ እምነት ቦታታትን ዝዕቆብ፡ ኣብ ወልፍን ኣመላትን ዝዕቆብ:ኣብ ጽበብቲ ትሕተ ሃገራዊ ምትእኽኻባት  ወዘትን፡ ምናልባት ዝተነጸለን ሓድሽ ክእለታት ንኽገብርን ክማሃርን ዝጽዕር ወዘት ሓዊስካ ኣንፈቱ ዝሰሓት፡ ፋሕ ኢሉ   መላግቦ ይስእን ከምዘሎ ርእይ’ዩ።

ኣብዚ እዩ ዘሎ እቲ ጸገም።እዚ ዝተበታተነ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ሓይሊ ርኢኻ ክትጥርንፎ ኣዝዩ ከቢድ ይኸው እቲ ምኽንያት።

ቀዳማይ ምኽንያት፡ ኣብቲ ንኡስ ዕድሚኡ ኣብ ፓለቲካን ማሕበራዊ ሱታፈን ስለዘይነበሮ ኣፍልጥኡ ይኹን ብመልክዕ ግቡኣቱ ድሩት ስለዝነበረ ዋንነት ኣይስመዖን። እቲ ካልኣይ ምኽንያት ካኣ፡  ብኹሉ መለኪዒታት ዓቅምታቱ ወይ ቅስሙ ስለዝተሰብረ ኣብ ሃገራዊ ምንቅስቃሳት ዝገብሮ ሱታፈ ናይ ተስፋ ምቁራጽን ብሓጺር ወይ ኣቋራጭ ስለዝደልዮ ንሱ’ውን ስለዘይከውን ማለት ለውጢ ናቱ ዝኾነ መስርሕ ስለዘለዎ።

ካልእ ዋላ እቶም ኣብ ሃገር ስልጣን ገቢቶም ብተዛማዲ ደሓን ኣለና ኢሎም ዝሓስቡ ደቆም ምናልባት ብግዝያዊ ናይ ናብራ ኩነታት ረጊኦም ኣብ ዓዲ ይህልዉ ይኾኑ ።በቲ ናይ መዛንኦም ምስኣንን ካብ መዛንኦም ክረኽብዎ ዝግብእም ፍቅርን  ጸወታን ናይ ምጽልላውን ውድድርን  ግን ዘኽታማት’ዮም ክትብሎም ይከኣል’ዩ።

እዚ ጽሑፍ ምስፍሑ ይከኣል’ዩ ምናልባት እቲ ኣፈናዊ ድርብ ወጽዓ መንእሰያት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ንምትንባህን ነቶም መጽናዕቲ ዝገብሩ ንምብርባር ዝዓለመ’ዩ።ብፍሉይ ከኣ ነቶም ኣብ ዕብየትን መጻእን መንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ህላወ ሃገር ዝተጣልዑ ወለዶ ንምባሎም።

እቲ ምርኣይና እንተተቃንዩ  ቀዳማይ ወለዶ ዝገብረ ዕንወት ዝርደኦ እንተኾነ ማለት ብግዜ ክንዛረብ ክንፍትን ይግባእ።እቲ ምንታይ ድሩት ግዜ ንእስነት ምስ ባኸነ ኣንፈትካ ምጥፋእን ውድቀትን ስለዘስዕብ። ስለዚ ኢና ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ዝነበረ ወለዶ እንተኣተኲርና፡ እቲ መንእሰይ ክረኽቦ ዝግበኦ ዝነበረ ዕድላት ስለዘይረኸበ፡ ኣብ ፓለቲካውን ማሕበራውን ሱታፊኡ ድሩት ኮይኑን ክጸሉ ከም ዘይክእልን ከምዘይስማዕን ኮይኑ’ዩ ንብል ። ምናልባት ኣብቲ ፓለቲካዊ ከይድታት መንእሰይ ቦኺሩ እናልካ ዝዝረብ ነዚታት ኣብ ግምት ዘእተወ  ኣይመስለንን። ንምዝርዛሩ ግን ገበን ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዝነበርና መንእሰያት በቶም ናይ ገድሊ ወለዶ ተፈጺሙ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

እዚ ብመንጽር ወለዶታት ዕድመ ክልተ ወለዶ ኣባኺንካ ማለት ነቶም ክሳብ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ እንተወሲድና ከምቲ እዞም ናይ ገድሊ ወለዶ ዝብልዎ “ሓያል ጉዕዞ ንደርማስ ምዕባለ” ዘይኮነ ሓያል ጉዕዞ ንጽንተት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ምበልክዎ።

ብ ኣረዳድኣይ ብቀመር ቀደም ዝተሰርሐ ወለዶ ነዚ ናይ ድጅታል ወለዶ ክርእዮን ክርደኦን ዝኽእል ኣይመስለንን። ብኸምኡ’ዩ ከኣ ወለዶታት ዝበታተኑ።ኣቶ ኢሰያስ ንዓይ ካብ መስፍንነትን መስፍናዊ ኣተሓሳስባን ዘይተገላገለ ወዲ ቀደም’ዩ።እዚ ዘብለኒ እቲ ናይ ድጅታል ቀመር 0ን1 ስለዘይርደኦ ሓደ ክኸውን እዩ ኢሉ ካብ ምሕሳብ ንውዱ ናብ ስልጣን የቀራርቦ ኣሎ ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ቀመር በንጻሩ እዩ። እቶም ደቂ ግዜ ንገርዎ ።

 

**ብዛዕባ ዘተላዕለ ሓሳባትን ብህሎን ንምብህሃል ክፉት’ዩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles