back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኤርትራ፡ ኣሜርካ ንዘውጽኣቶ መግለጺ ነጺጋቶ 

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክተውጽእ ዝጠልብ መግለጺ ኣመሪካ፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ዜና፡ የማነ ገብረመስቀል ኣቢሉ፡ ዘይምኽንያታዊ፡ ዘይቁኑዑን ግምታውን መግለጺ ክብል ነጽጊዎ። 

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ን መንግስቲ ኤርትራ ብቅጽበት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ብቐጥታ ከምዝሓበሮ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ትማሊ ኣሾሸይትድ ፕረስ ንዝዘርግሖ ዜና ብምልጣፍ ከብርህ ከሎ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራን ካልኦት ተዋሳእትን ኣብቲ ዝተኻየደ  ኲናት፡ ዝተፈጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፥  እኹል ናይ ሓበሬታ ጭብጢ ከምዘለዎ ኣፍልጡ። 

ዝተፈጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጸታዊ ዓመጽ፡ ዝምታ ንብረተን፡ መጥቅዕቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ብ ነጻ ኣካል ተጸኒዑ፡ ንገበርቱ ካኣ ተሓተቲ ክኾኑ ንጽውዕ ክብል ብተወሳኺ እቲ መግለጺ የፍልጥ።

ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዝርከብ ኲናት ብዙሓት ሃገራትን፡ ኣህጉራውያን ውድባትን፡ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ኣዝዩ ከምዘሻቀልን ክሕብራ ምጽንሐን ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles