back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ብዝተደርበየ ቦምባ ኢድ ሓንቲ ስደተኛ ብከቢድ ተሃሪማ

ብሶኒ 25 ጥሪ፡ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ምሸት፡ ሓንቲ ጓል ማእከላይ ዕድመ  ዝኾነት ኤርትራዊት ስደተኛ ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፡ ብዝተደርበየ ቦምባ ኢድ ብኸቢድ ከምዝተሃርመት ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እታ ብዘተይተፈልጡ ዑጡቓት ብዝተደርበየ ቦምባ ኢድ ብኸቢድ ዝቖሰለት ኤርትራዊት ስደተኛ ኣብዚ እዋን ኣብ ጎንደር ሕክምናዊ ረዲኤት ትረክብ ከምዘላ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብተደጋጋሚ፡ ብዘይተፈልጡ ዑጡቓት ዘረፋን መጥቃዕቲ የጋጥሞም ከምዘሎ ክሕበር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሶኒ ዕለት 25 ጥሪ ዝተደርበየት ቦምባ ኢድ ፡ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ዘርፋን መጥቃዕትን ንምክልኻል ሓለዋ ወጺኦም ንዝነበሩ ስደተኛታት፡ ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል ኢዩ” ኢሎም ከምዝግምቱ ምንጭታት ሰቲት ሓብሮም።

እታ ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾነት ኤርትራዊት ስደተኛ ንንጽህና ካብ ገዛ ከምዝወጸትን፡ ሃንደበት በታ ዝተደርበየት ቦምባ ኢድ ከምዝተሃርመትን እቶም ምንጭታት ገሊጾም። ቅድሚ ሕጂ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ብዘይተፈልጡ ሰባት፡ ብኸቢድ ተሃሪሙ፡ ክሕከም ንጎንደር ከምዝተላእኸን፡ ካብ ጎንደር ድማ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወስደን ካብ ሰብኣዊ ትካል ሱርባና ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ኣሸሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳያት ኮይኖም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብተን ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራ ስደተኛታት፡ ማይዓይንን ሓዲ ሓሩሽን፡ ግዳያት ዘረፋን መጥቃዕትን ኮይነን ከምዘለዋ ብተደጋጋሚ ምሕባሩ ይዝከር፡፡ ብተወሳኺ ማዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን  ኣብ ፍጹም ከውሊ ዝርከባ ኮይነን፡ ኣብዘን ክልተ ማዓስከራት ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛት ገሊኦም ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ከምዝተወዱን፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ፋሕ ኢሎም ንዝተፈላለዩ ጸገማት ተቓሊዖም ከምዘለውን ዝተፈላለዩ ኣካላት ይሕብሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,374ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles