back to top
ቀዳም 22 ለካቲት, 2025

ኣመርካ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብዘይቅድመ ኩነት ክወጽእ ኣለዎ ኢላ

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜርካ (State Department) ንኣሾሾይትድ ፕረስ ብመገዲ ኢመይል፡ ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ክወጽእ ከምዘለዎ ሓቢሩ ክትብል ጠቂሳ። እቲ ወሃቢ ቃል ኣብ ኢመይሉ ካብ እሙናት ምንጭታት ዝምታ፡ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ምክልባትን፡ ምግሃስ ሰብኣዊ ክብረትን በጺሑ ከምዘሎ ክንፈልጥ ክኢልና ኣሎና ክብል ሓቢሩ። ብተወሳኺ ሰራዊት ኤርትራ፡ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ስደተኛታት ከምዝመለሱ ዘረጋግጽ ጭብጢ ረኺቦም ከምዘለዉ ኣብሪሁ። ሓያሎ ሃገራትን፡ ኣህጉራውያን ውድባትን ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ሽግራት ንምግታእ፡ መፍትሒ ክናደን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኣትወሉ ኣገባብ ክትኣታቶን ክጠልቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,384ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles