ኢሰያስ ዘይፈትዎ፣ኣይፍትዎን’ዩ። ገድሊ ቡዙሓት፡ ብሓደ ሰብ እንክዕብለል፡ ሱቅታ ተርኢኻ፡በብሓደ ታሪኽ ኩሉ መቃብር ምእታዉ’ዩ።
ሰናይ ንባብ !
“When I got involved in Politics I never thought I would become a politician. Yes,if Politics means love of country, love of your people,love of liberty, love of education, love of freedom and love of spiritual growth then that means I’m a politician” Woldeab Woldemariam
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ክህሉ፣ካብ ዝግባእ ዝተረሰዐ፣
ኣቦይ ወልደኣብ፡ካብታ ቀለም ዓለም ዝቀመሱላ ጀሚሮም ተቃላሳይ፡ መምህርን፡መራሕ ቃልስን እዮም ኔሮም።
ብተግባሮም ይኹን ብጽሑፋቶም፡ ቡዙሕ ሰብ ጎስጊሶም። ኣብ 40ታት ኤርትራዊ ምሕደራ ክህሉ ጎስጊሶም። ፈደረሽን ከይትግበር ሞጊቶም። ሓደ ካብቶም ዋዕላ ቤትጌርግስ ብቀዳምነት ዝወደቡ ፣ደቂ ሃገር ክዛተዩ ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝጠቅም ክውስኑ ጎስጊሶም። ተጸሪፎም፡ተጓንዮም ንስለ ኤርትራ።
ኤርትራ ብጎበጣ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ምስተቆርነት ፣ካብቲ ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ፣ንነዊሕ ዝሰርሕሉ ምንቃሕ ህዝቢ ወጺኦም፡ ማሕበር ሸውዓተ ወዲቦም ። ክሳብ ብረት ዝለዓል ንቃልሲ ምብግጋሳት መሪሖም፡ወዲቦምን ተቃሊሶምን።
ቅድሚ ጠቅሊሎም ካብ ኤርትራ ምውጽኦም፡ ምስ መቃልስቶም ኮይኖም ብማሕበር ተጠርኒፎም፡ ብውዱብ መልክዕ ተቃሊሲምን ንስለ ኤርትራ ናጽነተን ሓርነትን ብጽኑዕ እምነት ተቃሊሶም። እዚ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተዘርበሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ገለ ካብተን ብዙሓት ጽኑዕ እምንቶዖም ፡ “ካብ ኣምላኽ ዝተወሃብናየን ፡ ክልተ ህያባት ሰላምን ሓርነት’የን” ትብል እያ። እዚ ጽኑዕ እምንቶ ሒዞም ካኣ ፣ንሞት እናተሳገሩ፡ ንመዋእል ዝተቃለሱ ኣቦ እዮም ኔሮም።
ሎሚ ዘለና ወለዶ፡ ንሓርነት ዋጋ ከምዝኽፈሎ፡ ታሪኽ እቶም ንሓርነት ፡ ዋጋ ዝኸፈሉ ስለዘይንፈልጥ ፡ ተኾይጥና ኣእዳውና ከነዋጣውጥ ንውዕል ኣለና። ንሓርነት ምቅላስ ፡ ናይቶም ዝነቅሑ ኣካላት ሕብረተሰብ ኮይኑ ፡ ስለዝየርደኣና ኸኣ፡ እቶም ዝተመሃሩ፡ ነተን ዝሰርሑለን ትካላት ጥራይ ተዘይኮይኑ ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ኣበርክቶ ከይገበሩ ዕድሚኦም ይጽብጽቡ ኣለዉ። ጽቡቅ ደሞዝ ምርካብ፡ ኣብ ጽቡቅ ቪላ ምንባር፡ጽብቅቲ መኪና ምዝዋር፡ ምቾት ብውልቅኻ ምሕላፍ ይከኣል’ዩ። እቲ ዓቢ ጉዳይግን ፡ እቲ ማሕበራዊ ምትእስሳሩ ክቅጽል እትደልዮ ሕብረተሰብ እናበረሰ፡ ክንድዝመችአ ይመችእካ፡ ትርጉም የብሉን። ከምዚ ኣብ ሑጻ ዝስተ መልሓስ ውሕጅ፣ስደት ከኣ ከምኡ’ዩ። በብቀስ ትስተ፡ ታሪኽ የለ ቀጻልነት የለ። ዝተረፈ ኣብ ነብስና ንፈትሾ፡ ባዶሽነት ናይ ስደት፡ መጽሓፍቲ ደሪስና ንውደኦ ኣይኮነን።
ኣቦይ ወልደኣብ ፡ ነቲ ኣብ ሃገር ክነብሩን፣ሃገሮም ካብ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያን ከድሕኑ ዝገበርዎ ቃልሲ፡ ክቅጽልዋ ስለዘይከኣሉ፡ ካብቶም ዝመሃርዎም ተመሃርኦምን ፡ ካብታ ብእምነት ተኾስኵሶም ዝዓበዩላ ቤተክርስትያኖም፡ ብዓቢኡ ከኣ ካብ ዘፍቅርዋ ሃገሮም ናብ ሂወት ናይ ስደት ክስደዱ ተገዲዶም’ዮም። ጠንቂ ስደት ኣቦይ ወልደኣብን ፡ ምፍላይ ካብታ ‘ታ ኣብ መወዳእታ ሰላሳታት ዕድሚኦም ዝመስረትዋ ስድራቤቶም እውን ኣስዒቡ። በዓልቲ ቤቶም ምስ ኣርባዕተ ህጻውንቲ ደቆም( 2 ኣዋልድ፣2 ኣወዳት) ስድራቤታዊ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሐን።
ኣቦይ ወልደኣብ፡ ብመጀመርያ ናብ ሱዳን እዮም ኣምሪሖም። ብዙሕ ከይጸንሑ ግን ናብ ካይሮ፣ግብጺ ግዒዞም።ካብቲ ድነ ሞት ተገላጊሎም እኳ ስደት እንተሰፈሩ፡ መንፈሶም ግን ኣይተረጋግአን፡ ዝገደፍዎ ስድራን ሃገርን ኣብ ኣእምርኦም ይመላለስ ኔሩ።
ንግብጺ መግዓዚኦም ከኣ ቃልሶም ክቅጽሉ እዩ ዝነበረ። ኣብ ግብጺ በቲ ናይ ሽዕኡ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ስርዓት ጽቡቅ ተቀባልነት ብምርካብ ክሳብ ፈነወ ሬድዮ ጀሚሮም። ነቲ ብኣካል ዝተፈለይዎ ኣንባቢኦም ብድምጺ ጽሑፋቶም ከምዝበጽሖ ገበሩ። ነዚ ዝተዓዘቡ መራሕቲ ኣንድነት፡ ኣብ ስም ምኽፋእን ጸለመን ተጸምዱ። ይኹንደኣእምበር ነቲ ሓያል ሰረተ እምነት ፣ፍትሒ ኣብ ሰራውር ደም ኣቦይ ወልደኣብ ዝሰረቱ ቃልስስ ከተዓናቅፍዎ ተፈትኑ እካ ኣይተዓወትሉን።ኣቦይ ወልደኣብ ዝነኦምን ስሞምን በራኽኡ ጥርዚ በጽሐ።
ካብዛ ኣብዛ መጽሓፍ ፡ናይ ዳዊት ዝሰሓበትኒ፡ ጓል ኣቦይ ወልደኣብ ኣብ ኢትዮጵያ ድሮ ጎቢዛ፡ስራሕ ተቆጺራ፡መዓልታዊ ድምጺ ኣቦኣ ብረድዮ እናሰመዐት፡ ሓጎሳን ናፍቆታን ተውጽእ ምንባራ’ዩ ።
ማያ እንጀሎ (Maya Angelo) ” I know why the caged bird sings ” ድያ ዝበለት ፡ እዛ ናይ ጓል ኣቦይ ወልደኣብን፡ ካልኦት ደለይቲን ባሃግን ሓርነት ዝብህግዎ ድምጺ ኣቦይ ወልድኣብ ክሰምዑ ብሕቡእ ውሽጣዊ ልባዊ መዝሙራቶም ነበረ። እቲ ብብርዕን ምጉትን በዓል ኣቦይ ወልደኣብን መሰልቶምን ዝጀመረ ቃልሲ ካብ 1941 ክሳብ 1961 እዩ ዝነበረ። ኣብዚ ኣንባባይ ክርዳኣለይ ዝደሊ፡ መጽሓፍ ዳዊት መስፍን ብዙሕን ዓሚቁን ፡ ታሪኽ ኣቦይ ወልደኣብ ሒዛ ተዘርጊሓ ስለዘላ፡ ኩሉ ከምዘለዎ ክጽሕፎ ዘይኮነስ ሰብ ከንብባ እሞ ናቱ ርድኢት ክወስድ ካብ ዝብል ሃቀና’ዩ።
ናብ ግብጺ ዝኸዱ ብቲ ናይ ሽዑ እዋን ናይ ግብጺ ሚንስተር ዜና ዝነበረ ብዝተገብረሎም ዕድመ መሰረት’ዩ። ኣብ ግብጺ ይሰግኡ ስለዝነበሩ እውን “ብዛኪ ፋህሚ” ዝብል መጸውዒ ስም ተጠቂሞም ከውሊ ሰሪሖም ይነብሩ ነበሩ። ሓቂ’ዩ እቲ ንስርዓት ሃይለስላሴን ፡ ናይ ኣንድነት ሰባትን፡ብብርዑን ብሓሳቡን ዝተቃለሰ ሰብኣይ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፡ ክደልይዎ ስለዝኽእሉ ከምኡ ዓይነት ሜላታት ክጥቀም ኔርዎ።
ብዛዕባ ደቆም፡ በዓልቲ ቤቶም ምስ ስድርኣ ዝሕልፍዎ ዝነበሩ ሽቁረራ ኣንባቢ ክርደኦ ዝኽእል ይመስለኒ። ድሕሪ ምጅማር ረድዮ፡ ካብቶም ኣብ ቀጽሪ ንናጽነት መቃልስቶም ዝኮኑ፡ ኣቦይ ኢብራሂም ሱልጣንን እድሪስ መሓመድ ኣድምን ድሒሮም ግብጺ ካብ ዝተቀበለቶም’ዮም። ኣብቲ እዋን ከይረሳዕና መራሕ ግብጺ ዝነበረ ፕረሲደንት ናስር እዩ። ንምንታይ ግብጺ ንናይ ኤርትራውያን ምንቅስቃስ ትድግፍ ኔራ፡ ምስ’ዚ ናይ ሕጂ ታሪኻዊ ምትእስሳር ፡ ናይ ከባቢና ፖለቲካ ናይልን ቁጠባን ኣራኺብካ ነናትካ ንባብ ክውሰድ ይግባእ። እቲ ጉዳይ ሰፊሕ እዩ።
ኣቦይ ወልደኣብ ብድሕሪ ብረታዊ ቃልሲ ምጀማሩን ተጋድሎ ሓርነት ምመስራታን ፡ ምስቶም ኣብ ጀብሃ ዝነበሩ ትኩእ ይሕደጎን ወልዳይ ግደይን ዝነበሮም ምጽሕሓፍ ናይ ደብዳቤ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ኣሎ ። ድሒሪ ምፍንጫል ናይዞም ሕጂ ሃገር ዘባድሙ ዘለዉ ስዒቡ ፡ ምስቲ ምንጪ ዕጥቅን ስንቅን ዝኾነ ፡ ኣቦና ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብምኻን ከኣ ህዝባዊ ሓይልታት መስሪቶም። ኣብ ቀጠር ቤት ጽሕፈት ከፊቶም። ክሳብ ኣብቲ ንህዝባዊ ሓይልታት ምስ ጀብሃ ክዓርቅዋ ዝፈተንሉ እሞ መራሕቲ ህዝባዊ ሓይልታት ዝጠለምሉ ናይ ካርቱም ርክብ ሰሪሖም። ኣብዚኣ እዮም ምስቲ ኣብ በረኻታት ኤርትራ ዝነበረ ብሰልፊ ናጽነት ዝስመ ክሳብ ደሓር ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ስሙር ዘይነበረ፡ ብደቂ ከበሳን ሰምሃርን ዝምራሕ ውድብ ፍልልይ ጌሮም። ካብዛ እዋን መራሕቲ ህዝባዊ ሓይልታት ፡ብቀንዱ ኸኣ ኢሰያስ ንኣቦይ ወልደኣብ ይኹን ንኣቦይ ዑስማን ስልሕ ሳበ ናይ ስልጣን መወዳድርቱ ጌሩ ስለዝረአዮም ፡ ህላውኦም ኣስጊእዎ ካብኦም ክፍለ’ዩ ሰሪሕ። ብዕድመ ይዓብዩ ስለዝነበሩ ብፍላይ ኣቦይ ወልደኣብ ብጀካ ህዝባዊ ሓይልታት ክትደልዮም ከላ ካልእ ግዜ ስሞም ሃሲሱ፡ ጽልወኦም ከምዝይረአ ኮይኑ።
ኣብ ግብጺ ፡ ተሰዲዶም እናተቃለሱ፡ በቶም መቃልስቶም ከይተረፉ ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ኣለዎም፡ ንኤርትራውያን የሕሊፎም ክህቡ ብሕቡእ ይሰርሑ ኣለዉ ዝብል ፡ ናይ ሓሶት ወረታት ኔሩ ንዕኡ’ውን፡ ብትዕግስቲ ስዒሮሞ። “ካብ 1971 ክሳብ 1976 ዘሎ ግዜያት፡ ካልኣይ ፓትርያሪክ ናይ ኢትዮጵያ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላም ክትነብር ክትምለስ ፣ትኽእል ከምዝበልዎ ” ግን ከምዘይተቀበልዎም ይግለጽ’ዩ።ንዝያዳ ሓበሪታን ዝርዝርን እታ መጽሓፍ ምውካስ ይከኣል’ዩ።
ኣቦይ ወልደኣብ ኣዝዮም ፍሉጥን ጸላውን ብምንባሮም፡ ብዙሓት ካብቶም ናይ ሽዕኡ ህ.ግ ካድራት’ውን፡ ብኣብነት ስለ ዝግለጽዎም ፡ ከጓንይዎም ኣይከኣሉን። እዚ እቲ ብድሆ ንመራሕቲ ህ.ግ ዝገጠሞም እዩ። ብድሕሪ ኩሉ ገልጠምጠም ኣብ 1982 ብዕድመ ዓብዮም፡ጥዕና’ውን ይውሕዶም ስለ ዝነበረ፡ ካብ ካይሮ ንዓዲ ጥልያን 1982 ብህግ ግዒዞም።
ብዙሕ ዝርዝራት ሰጊረ ኣለኹ፡ሰብ ባዕሉ ፈቲሹ ክረኽቦ ምእታን። ኣቦይ ወልደኣብ ፡ ከምቲ ዝተባህለ ኣብ ሮማ ፡ ዘይኮነስ ኣብ ሽወደን ምስ ውዲ ሓብቶም’ዮም ተቀሚጦም። ጳውሎስ ተስፋገርግስ ካብ ካይሮ ክወጹ ዝሓገዞም ዳግም ንምሳሕ ዓዲሙ፡ድልየቶም ምስቲ ዝበዝሕ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝነብር ህዝቢ ክቅመጡ ምንባሩ ዝርዳእ። ኣብዚ ከይርሳዕ ፡ኣደይ ኣበባ ተስፋገርግስ ካብቶም ብሞራል ዘይተፈልይኦም ኣደ’የን።
ብስድራ እንዳቦይ ተስፋገርግስ በዓታይ ዝምስገኑላ ጉዳይ ከኣ’ያ። ኣብ 1983-84 ኢሰያስ ፡ ንዓዲ ጥልያን መጺኡ ነቦይ ወልደኣብ ገጽ ከልኦም ።ዋላ ክሳብ ንምንታይ እቲ ዝተዋህቦም ገዛ ከምዘይግብኦምእ ተዛሪቡ ። ከምኡ ከምዝበለ ንኣቦይ ወልደኣብ በጺሕዎም እዩ። ብድሕሪ እዚ ኣቦይ ወልደኣብ ክሳብ ካልኣይ ጉባኤ ናይ ህ.ግ ዝግበር ኣገዳሲ ኣይነበሩን ንበዓል ኢሰያስ። ኣብ 1987 ኣብ ጉባኤ፡ ዓዲሞም መደረ ከምዙስምዑን ጌሮም’ዮም ። ይኹንደኣ እምበር ፡ ነቲ ኣብ ተጋደልቲ ዝነበረ ፍርሕን፡ ብውሑዳት ዝዕብለል ውድብ ፡ ብመራሕቲ ዝረአ ብልሽውና ን ስልጣንን ርእዮምን፡ ንገለ ተጋደልቲ’ውን ክቃልስዎ መኺሮምም’ዮም። እዛ ናይ 1987 ጉባኤ፡ ምስቲ ብህጻኑ ዝገደፍዎ ወዶም ተኣምራት ፡ ወዲ 36 ዓመት ሰብኣይን ተጋዳላይን ኮይኑ ዝተራኸቡላ ካልእ ፍልይቲ እዋን ካብ ዝባሃላ እያ። ስምዒታት ኣቦይ ወልደኣብ ፡ደቆም ፡ህዝብን ተጋዳላይን ብዙሕ ዝበሃሎ’ዩ፡ ግን ሕጅ’ውን ኣንባባይ መጽናዕቲ ከካይድ፣ታሪኽ ክፍሕትር ክገድፎ’የ። ኣቦይ ወልደኣብ ግን ብመራሕቲ ህ.ግ እንትርፎ ንፕሮፓጋንዳን ሃልክን ክድለዩ ኸለዉ ተዘይኮይኑ፡ ኣብ ካልእ እዋን ስሞም ብዙሕ ኣይዝከርን እዩ።
አብ መወዳእታ 80ታት፡ ኣብ መጀመርያ 1900 ዝተወልዱ ሓርበኛ ተቃላሳይ ኣቦ፡ ዕድሚኦም ናብ ሰማንያ ተገማጊሙ፡ ነብሶም በቲ ብተኸታታሊ ዝወረዶም መውጋእትን ሃልክን ደኺሞም ፡ ኣሪጎም ነቅነቅ ኢሎም፡ ግን ናይ መወዳእታ ስንብታ እናሉ፡ ክሳብ ናጽነት ምስ ኣብ ኣሜርካ ዝነበሩ ደቆምን ቤተሰቦምን እናተራኸቡን እናተቀመጡን ዳግማይ ምስ በዓልቲ ቤቶም ተራኺቦም ናይ እርጋን ዕድሚኦም እናደፍኡ ናጽነት ኣርኪቦም።
ምምላስ ሓርባኛ ተቃላሳይ ኣቦይ ወልደኣብን ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ዕለተ ሞቶምን ናይ ዝኽሪ ጽሑፋቶምን ዕጫ እታ ተቃላሲት ስድራን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ መወዳእታ ክፍል ተኸታተሉ ።
ይቅጽል!