ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ወጥሪ ኣብ ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን ይዛይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ

ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ዶባዊ ምትፍናን፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድገፉ ምልሻ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሱዳን ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ብውሑድ 5 ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ ክምዝተቀተላ ተሓቢሩ። ነዚ ኩነታት ስዒቡ ሱዳን ኩሉ ክውሰድ ዝከኣል ኣገባብ ሰጉምቲ ከምትወስድ ኣጠንቂቃ።

ብሰንኪ ኣል-ፈሽካ ትብሃል ኣብ ዞባ ገዳርፍ ሱዳን፡ ኣብ ዶብ ትርክብ ተከራኽር ዞባ፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ወጥሪ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት እንዳ ባኣሰ ክኽይድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሮቡዕ 13 ጥሪ 2021 ሱዳን ወተሃደራዊ ጀት ኢትዮጵያ ንክሊ ኣየር ሱዳን ድሕሪ ምጥሓሳ እቲ ወጥሪ ዝያዳ ዓሪጉ ይርከብ። ከም ግብረ መልሲ፡ ባዓል መዚ ሲቪላዊ ኣቨየሽን ሱዳን ነቲ ኣብ ምብርቃዊ ዞባ ገዳርፍ ዝርከብ ክሊ ኣየር ሃገሩ ከምዝዓጸዎ ሓቢሩ።

ብሮቡዕ 13 ጥሪ ናብታ ኣብ ምብራቃዊ ገዳርፍ ትርከብ ኣል-ፈሽካ ፕረሲደንት ልዑላዊ መሰጋገሪ ባይቶን ጠቅላሊ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ሱዳንን፡ ለተናል ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ኣብ ዶብ ንዝርከቡ ሰራዊት ሱዳን መደረ ሂቡ። ኣብ መደርኡ፡ “ንመሬትና ንምክልኻል ሕጋዊ መሰል ኣለና” ድሕሪ ምባል መሰልና ብሓይሊ ይኹን፡ ብጽቡቅ ድልየትን ካልእ ኣገባብን፡ ስጋብ ዝውሓስ ኣብ ጎንኹም ኣለና ኢሉ።
ሚንስተር ወጻኢ ጉዳይት ሱዳን፡ ዑመር ቃማራዲን ዝኾነ ዘሰሓሕብ ናይ ዶብ ቦታ ከምዘየለን፡ እቲ መሬት ናይ ሱዳን ከምዝኾነን ብምሕባር፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቀረበ ጻውዒት ዘተ ነጺግዎ።

ኢትዮጵያ ነቲ ብምሕደራ እንግሊዝን ሃጸይ ኢትዮጵያን ኣብ 1902 ዝተበጸሐ ስምምዕ፡ ብእንግሊዝ ዝተኻየደ ክለላ ኢዩ ብምባል ክትነጽጎ ከላ፡ ሱዳን ድማ ኣብ 1903 ዝተጻሕፈ ደብዳቤ ሃጸይ ነቲ ስምምዕ ክምዝቅበሎ ዝገልጽ ምስክር ከምዘለዎም ይሕብሩ። ብወገን ኢትዮጵያ፡ ብሰሉስ 12 ጥሪ 2021 ኣፈኛ ወጻኢ ጉዳይት ኢትዮጵያ፡ ዲና ሙፍቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ሱዳን ሓዊ ከተሳውር ትፍትን ኣላ ክብል ገሊጹ። ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ብዲፕሎማሳዊ መንገዲ ንምፍታሕ ክትፍትን ወላ’ኳ ‘ንተጸንኦሐት፡ ንኹሉ ገደብ ኣለዎ ብምባል፡ ምጽንቃቅ ዲፕሎማሳዊ መንገዲ ከምዘሎ ኣሚቱ።
መንግሲ ኢትዮጵያ ካብ ሕዳር ኣትሒዙ ምስ ሱዳን ዝዳወብ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ወተሃደራዊ ዘመተ የካይድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት ልዕሊ 50,000 ሰደተኛታት ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ተዓቂቦም ከምዝርከቡ ሰነዳት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ምንጪ

Sudan Tribune and CNN

SETIT
SETIThttps://www.setit.org
Setit is an independent news organization based outside Eritrea established in August 2020, with a steadfast commitment to the people and issues of Eritrea. Our team of seasoned Professionals are dedicated to providing in-depth, insightful, and impactful coverage of Eritrea and its related issues, illuminating the complex and dynamic world of Eritrea for our readers.

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ