back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ኤርትራ ለበዳ ኮሮና ብዘሰክፍ ናህሪ ይቅጽል ኣሎ

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኤርትራ ብዘስክፍ ናህሪ ይቅጽል ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻባት መንግስቲ ኤርትራ፡ እዚ ለበዳ ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ እኳ እንተነበረ፡ ካብ ዝሓለፈ ሕዳር 2020 ንደሓር ግን ብናህሪ ይላባዕ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። በዚ መሰረት፡ ዛጊት 1,556 ዜጋታት በዚ ለበዳ ክልከፉ ከለዉ፡ 6 ድማ ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ። ብ 8 ጥሪ ዕለታዊ በዚ ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት 111 ክኾኑ ከለው፡ ክሳብ ሕጂ 8 ጥሪ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ዓመተ 2021 ዝለዓለ መዓልታዊ መልኸፍቲ ዝተራእየላ ኮይና’ላ። ብ29 ታሕሳስ ጥራይ ዕለታዊ ብኮሮና ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ቁጽሪ 181 ምንባሩ ይዝከር። ናህሪ ለበዳ ኮሮና ኣብ ኤርትራ፡ እታ ሃገር ኣብ ጽኑዕ ውሸባ ኣብዘላቶ ግዜ ኢዩ ዝንህር ዘሎ። እዚ ድማ፡ ንብዙሓት ዘሻቐለ ክስተት ኮይኑ ኣሎ።

ምስዚ ዝተሓሓዝ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምእላሽ ናብ ሕክምና ዝኸዱ ዜጋታት፡ ሓካይም የለውን ከምዝበሃሉ ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ዝኸዱ ዜጋጋት ሓካይም የለውን ተባህሎም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከይረኸቡ ከምዝተረፉ ሰቲት ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ። ብመሰረት ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ዋሕዲ ሓካይም፡ ኣብዝተፈላለየ ሆስፒታላት ዝሰርሑ ሓካይም በቲ ብናህሪ ዝላባዕ ዘሎ ኮቪድ 19 ይልከፉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ። እዚ ድማ ኣብቲ ቀዲሙ ዝነበረ ዋሕዲ ሓካይም ሆስፕታላት፡ ተወሳኺ ሮቛሒ ስእነት ሓካይም ኮይኑ ኣሎ።

ገለገለ ወገናት፡ ንናህሪ ለበዳ ኮቪድ 19፡ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተወግኦም ኣብ ሆስፕታላት ኤርትራ ዝሕከሙ ወተሃደራት የጋዲድዎ ከምዘለዉ ይጠቕሱ። ስርዓት ኣስመራ ብምኽንያት ለበዳ ኣብ መላእ ሃገር ፍጹም ውሸባ ደንጊጉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ ህግደፍ ጠንቂ ናይዚ ዝንህር ዘሎ ለበዳ ኣለልዩ ንምፍትሑ ዝጭበጥ ስራሕ ካብ ምግባር ቦዂሩ ኣሎ ይብሉ ተዓዘብቲ። እዚ ብኩራት ድማ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል የጠንቕቑ።

ብመሰረት ናይ ሎሚ ሶኒ 11 ጥሪ 2021 ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ 1,556፡ ሱዳን 23,316, ኢትዮጵያ 128,316 ሓፈሻዊ መልኸፍቲ ኮቪድ 19 ክህሉ ከሎ፡ ኣብ ሱዳን ናይዝሞቱ 1,468 ኣብ ኢትዮጵያ ድማ 1,994 ኢዩ። ብዓለም ደረጃ ድማ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብመልኸፍቲ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ ከላ፡ 22,385,975 በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው። ህንዲ ድማ ኣስታት ዓሰርተ ሚልዮንን ፈረቃን ሕዛ ብካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles