back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ 600 ዶላር ንነፍሲ ወከፍ ኣሜሪካዊ ክትከፍል እያ

መንግስቲ ኣሜሪካ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዝሰዓበ ቁጠባዊ ቅልውላምን ንሱ ዘኸተሎ ተጽዕኖ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ንምፉዃስ 600 ዶላር ኣሜሪካ ክዕድል ምኻኑ ኣፍሊጡ። እዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሰለስተ ዝተዓደለ ሓገዝ ኮይኑ፤ እዚ ሒጂ ክዕደል ተወጢኖ ዘሎ ካብቲ ዝሓለፈ ዝተዋህበ ሓገዝ፡ ብፍርቂ ዝጎድል ምኻኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ዓመታዊ ኣታዊኦም ክሳብ 75,000 ዶላር ዘእትዉ ዜጋታት 600 ክወሃቦም ከሎ ክሳብ 150,000 ዶላር፡ ዓመታዊ ኣታዊ ንዘለዎም መጻመዲ ድማ 1200 ዶላር ክወሃቦም እዩ። ኣብ ሕጊ ቀረጽ ኣሜሪካ ከም ርእሰ-ገዛ (Head of house hold) ተመዝጊቦም ዘለዉ፡ ክሳብ 112,500 ዶላር ኣሜርካ ዓመታዊ ኣታዊ ዘለዎም፡ 600 ዶላር ክወሃቦም ከም ዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ። ስድራቤታት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ካብ ዝተዋህቦኦም ክብ ብዝበለ 600 ዶላር፡ ንነፍሲ ወከፍ ትሕቲ 18 ዝዕድሚኡ ኣባል ስድራ ቤቶም ክወሃብ ምኻኑ ተሓቢሩ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንቁጠባዊ ሓገዝ ተባሂሉ ዝተዓደለ ገንዘብ፡ ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ባይቶ ዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ተቋሪጹ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ። ብተወሳኺ መንግስቲ ካናዳ፡ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሎም ንዘለዉ ዜጋታቱ፡ ነዚ ዝሓለፈ ሾመንተ ኣዋርሕ ንመሕወዪ ቁጠባዊ ዕንወትን፡ ቀረብን ውሕስነት ዝውዕል ወርሓዊ ይኸፍሎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles