back to top
ቀዳም 22 ለካቲት, 2025

ብሱሩ’ኸ፡ ክብርታት ህዝቢ ዝዓጦ ስርዓት ኣሎና ድዩ?

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሓፈሻኡ ከኣ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ኣዛራራብን ኣካታዕን ኰይኑ ዝቐነየ ዛዕባ ምኽሳቱ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ጉዳይ፡ ብተሳትፎ ፍሉጣት ኤርትራውያን ተዋሳእትን ደረስትን ኣብ ኤርትራ ተሰሪሓ ኣብ ዩትዩብ ዝተዘርገሐት “ቨርሶ” ዘርእስታ ፊልም ዝምልከት እዩ። ብዙሓት ነታ ፊልም ካብ ዝተዓዘብዋ ሰባት ትሕዝቶኣ ካብ ስነ- ምግባር ዝረሓቐ፡ ጽዩፍን ነውራምን ኰይኑ ስለዝረኸብዎ ብቑጣዔ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዕለታዊ ማሕበራዊ ርክባቶምን ከውግዝዋ ተሰሚዖም። ንመርገጺኦም ዘቕርብዎ መጐት ከኣ፡ ኣብታ ፊልም ዝርኣዩ ባህርያትን ዝስምዑ ዘረባታትን ንመሰረታውያን እምነታት ክርስትናን ምስልማናን ሃገርና ዝጻረሩን ዘራኽሱን ምዃኖም እዩ። ብተወሳኺ’ውን፡ ንባህሊ ስነ- ምግባርን ጭዋ ማሕበራዊ ልምድታትን ህዝቢ ኤርትራ በኪሉ ክብሕጉግን ከፍርስን ዝኽእል ተርእዮ ምዃኑ ይገልጹ። ብጥልቀትን ስፍሓትን ክርኤ ከሎ፣ ሓያላን ምዕራባውያን ሃገራትን ተላኣኣኽቶምን፡ ብልሹውን ነውራምን ባህልታት
ኣብ ሳልሳይ ዓለም (ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣፍሪቃ) ብምትእትታው ህዝብታትን ሃገራቶምን ኣዳኺሞም ንኽዕብልሉዎምን ጸጋታቶም ንኽግብቱን ዝጥቀሙሉ መሳርሒ ምዃኑ ግሁድ ይኸውን። ስለ ዝዀነ ከኣ፡ እቲ ብመልክዕ ፊልም ክዝርጋሕ ዝተደልየ መልእኽቲ ክሳብ ከንደይ ሓደገኛን መርዛምን ተርእዮ ከምዝዀነ ክንግንዘብ ይግባእ። ብፍላይ ንኤርትራ ሃገርና ብዝምልከት፡
ከምዚኣቶም ዓይነት ጽዩፍ ልምድታትን ባህልታትን ብሓደ ክልተ ግሩሃት ወይ ዕሱባት ዜጋታት ናብ ሃገር ተኣታትዩ ቀስ እናበለ ናብ ምሉእ ሕብረተ-ሰብ ከምዝላባዕ ንምግባር፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ጸላእቲ ዝደኽሙሉን ዘተባብዕዎን ሽርሒ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ቀንዲ ዕላማ’ቲ ሸርሒ፡ ነቲ ብስነ-ምግባሩን ሃገራውነቱን ዘይጸዓድ ኰይኑ ዝረኸብዎ ህዝቢ ኤርትራ ክብርታቱ ዓንዩ ኣብ ማሕበራዊ ልሙስነት ከም ዝወድቕ ንምግባር እዩ። ስዒቡ ከኣ፡ ርእሰ-ምርኮሳ ዝመለለይኡ ናይታ ሃገር ልኡላውነት ብምፍራስ ህዝባን መሬታን ንምቁጽጻር እዩ።

ግብረ-መልስታት ካብ ክፋላት ማሕበረ-ሰብ ኤርትራ

እታ ፊልም ኣብ ዩትዩብ ምስ ተጻዕነት፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረ-ሰብ ኤርትራ ዝሃብዎም ግብረ-መልስታት ክውንነት ዘስገደዱዎምን ትጽቢት ዝግበረሎምን እዮም ነሮም።

1) ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ሓፋሽ ህዝቢ:- መብዛሕትኡ ሓፋሽ ህዝብና ዝወረዶ ናይ ናብራ ሕሰም ንምቅላል ለይቲን መዓልትን ካብ ምንክርታት ሓሊፉ፡ ፊልምታት ብምርኣይ ክዛነ ዘፍቅደሉ ግዜ ይኹን ርሓት የብሉን። ብቐንዱ’ውን ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ብመቑነን ኣብ ዝወሃበሉ፡ ድሩትን ዘይስሩዕን ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ኣብ ዝረኣየሉ ኤርትራ፡ ነታ “ቨርሶ” ዘርእስታ ፊልም ክዕዘብዋ ዕድል ዝረኸቡ ዜጋታት ብዙሓት ክዀኑ ከምዘይክእሉ ርዱእ እዩ። እቶም ርእዮማ ክዀኑ ዝኽእሉ ውሑዳት ከኣ፡ ናይቲ ዓፋኒ ስርዓት ባህርያት ስለዝፈልጡ ብውልቂ (ወይ ብንእሽቶ ጉጅለ ደረጃ) ተቓውሞኦም ክገልጹ
ብምፍታን ርእሶም ንሓደጋ ከቃልዑ ከምዘይደልዩ ዝግመት እዩ።
2) ሃገራውያን ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ:- ብኣንጻሩ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዘለዎም ናይ ምዝራብን ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት፡ ብዙሓት ነታ ፊልም ርእዮማስ ብዛዕባ ዘሕደረትሎም ስምዒት ክገልጹን ክከራኸሩን ተሰሚዖም እዮም። ኣቐዲሙ ከምዝተጠቕሰ፡ ብመንነቶም ዝሕበኑን ሃገራዊ ወኒ ዝሓደሮምን ኤርትራውያን፣ ንትሕዝቶ ናይታ ፊልም ብነድሪ እዮም
ኣውጊዞሞ። ግብረ-መልሶም፡ ስነ-ምግባርን ሃገራውነትን ዝደረኾ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኰነን። ብዙሓት ካብኣቶም፡ ኣብ ዘዝነብሩሉ ሃገራት ብዘካየድውዎም ናይ ተቓውሞ ጐስጓሳት ከይተወሰኑ፣ ናብ ሓይሊ ፖሊስ ኤርትራ ብምድዋል እታ
ፊልም ክትስራሕ ዘፍቀዱ ኩነታት ክምርመሩን ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ ስነ-ጥበባውያን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድን ምሕጸንታኦም ኣቕሪቦም። ነዚ ስዒቡ ከኣ፡ እቶም ዝምልከቶም ስነ-ጥበባውያን ንምርመራ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ፡ ፖሊስ ኤርትራ ድሒሮም ንዝደወሉ ዜጋታት ከምዝሓበርዎም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተነጊሩ ነሩ። ክሳብ ሕጂ ግን፡ እቲ ዝተባህለ ናይ ፖሊስ ምርመራ ኣብ ምንታይ ከምዝበጽሐ ብመንግስቲ ዝተዋህበ መግለጺ የልቦን።
3) መጋበርያ ጸላእቲ ዝዀኑ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ:- እዚ ኩሉ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ኣብ ወጻኢ ኰይኖም ብዕሱብነትን ቅልውላው መንነትን ተደሪኾም ኤርትራን ኤርትራውነትን ንምጥቃዕ ዝተሰለፉ ወገናት ግን፡ ኣብቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተኻየዱ ክርክራትን ጐስጓሳትን ዘርኣይዎ ግሁድ ተሳትፎ ኣይነበረን። ብውሽጦም ግን፡ እታ ፊልም ዝዘርጋሓቶ ንባህላዊ፡ ሃይማኖታዊን ሃገራዊን ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ዘራኽስ ግዕዙይን ነውራምን መልእኽቲ ጸባ ከምዘስተዮም ምግማት ኣየጸግምን።

ኣተሓሕዛ’ቲ ጉዳይ ብመንግስቲ ኤርትራ

ምዝርጋሕ ናይታ ፊልም ዝቐስቀሶ ህዝባዊ ግብረ-መልስታት ከምዚ ዝልተገልጸ ኰይኑ፡ ብወገን መንግስቲ’ኸ እንታይ ተባህለ/ተገብረ ኢልካ ምሕታት ንቡር እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ በቶም ዝተራቐቑ ዘቤታዊ ናይ ስለላ መናውራቱን መሓውራቱን ኣቢሉ፡ ነፍስወከፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ዜጋ ኣንታይ በሊዑን ሰትዩን ከምዝሓደረ ዝጸናጸንን ዝስልልን ስርዓት ምዃኑ ንኹሉ ኤርትራዊ ግሁድ እዩ። ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ፡ ኣፉ ከፊቱ ንዝወቐሰን ኣብ ውሻጠ ተሓቢኡ ንዝተቓወመን ዜጋ ከይተረፈ ከመ-ቅጽበት መንጢሉ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝዳጉን፡ ዘሳቒ፡ ዝርሽንን ዘሕቅቕን ስርዓት እዩ። ስለዝዀነ ከኣ፡ መስርሕ ምድላው ፊልም “ቨርሳ” ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንድፊ ውጥና'ውን ከይተረፈ ንክፍልታት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ናይቲ ስርዓት ተሓቢእዎም ክኸውን ከምዘይክእል ንማንም ብሩህ እዩ። ከምዚ ኰይኑ ከብቅዕ፣ ትሕዝቶኣ ኣብ ልዕሊ ማሕበራውን ሃገራውን ክብርታት ዝህልዎ ኣዕናዊ ሳዕቤናት’ውን ርዱእ እናዀነ፣ ምድላው ናይታ ኤርትራውያን ደረስትን ተዋሳእትን ዘሳተፈት ፊልም ኣብ ውሽጢ ሃገር ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ መንግስቲ ደው ከብሎ ኣይደለየን። ተሰሪሓ ኣብ ዩትዩብ ምስ ተጻዕነት እውን እንተዀነ፡ ዝርጋሔኣ ንምግታእ ከምትወርድ ክገብር ዝወሰዶ ዝዀነ ስጉምቲ ኣይነበረን። እተን ብመንግስቲ ዝውነና ናይ ሃገር
መራኸቢ-ብዙሓን (ጋዜጣታት፡ ረድዮ፡ ተለቪዥን፡ ወዘተ…) ብወገነን፡ ከውግዛኣን ብዛዕባ ጐዳኢ ጽልዋኣ ንህዝቢ ከንቅሓን ይትረፍ ከም ኣርእስቲ ከልዕላኣ’ውን ኣይተሰምዓን።

ነዞም ዝተጠቕሱ መንግስታዊ ሸለልትነታት ዝተኻታተለ ሰብ ኣብ ሓንጎሉ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ክቕጀሎ ግድን እዩ። ንሱ ከኣ፡ ብትሕዝቶን ምዝርጋሕን እታ ፊልም ዝተቘጥዑ ግዱሳት ዜጋታት ኣብ ዲያስፖራ ብነድሪ ክቃወሙ ከለዉ ከይተረፈ፡
ስለምንታይ’ዩ መንግስቲ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝዀነ ሓልዮትን ተገዳስነትን ዘየርኣየ? ዝብል እዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ዕላማን ቀዳምነታትን እቲ ስርዓት ምፍታሽን ምርዳእን የድሊ። ናይ 30-ዓመት ታሪኹ ከምዝምስክሮ፡ ቀንዲ ዕላማን ተልእኮን ናይቲ ስርዓት፡ ንሕልፈቱ ስልጣን ምብሓትን እብቲ ዞባ ሓያልነቱ ምርግጋጽን እዩ። ነዚ ተልእኮ’ዚ ዝሕንኩሉን ዘተዓናቕፉን ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት ምድኻሞምን ምንብርካኾምን’ውን ኣካል ናይ ዕላማኡ እዮም። ዕላማኡ ንኽወቅዕን ተልእኮኡ ንኸዐውትን፡ ካብ ህዝቢ ገንዘባዊ፡ ጉልበታዊን ፖለቲካዊን ድጋፍ ክረክብ ከምዘድልዮ ይፈልጥ እዩ። ነዚ ድጋፍ’ዚ እንተተኻኢሉ ብፍቶት፡ እንተዘይኰነ ከኣ ብኣስገዳድ ካብ ህዝቢ ከምዝረኽቦ ንምግባር ድሕር ዘይብለሉ ጉዳይ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብግብሪ ኣመስኪሩ እዩ።

እቲ ስርዓት በብግዜኡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምዕባሌ፡ ሃገራዊ ልምዓትን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብን መደረታት ክህብ ይስማዕ እዩ። እንተዀነ ግን፡ መደረታቱ ብግብሪ ስለዘይስንዩን ናብ ባይታ ወሪዶም ክትግበሩ ስለዘይረኣዩን፡ ቅንዕና ዘይብሎም ምዃኖም ፍሉጥ እዩ። እናሻዕ ነዞም ጉዳያት’ዚኦም እናልዓለ ዝምድረሉ ሓቀኛ ምኽንያት ከኣ ኣሚኑሎም ዘይኰነስ፡ ንህዝቢ ማእከል ዘይገብሩ ኣጀንዳታቱ ንኸተግብር ዘኽእሎ ናይ ህዝቢ ድጋፍ ንምርካብ ጥራይ እዩ። ግዱሳት ዲያስፖራ ኤርትራውያን ናብ ፖሊስ ኤርትራ ደዊሎም እቲ ጉዳይ ስጉምቲ ክወሰዶ ምሕጽንታኦም ምስ ኣቕረቡ ዝተዋህቦም መልሲ’ውን እንተዀነ፡
ቅንዕና ዘለዎ ኣይነበረን። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ዝህብዎ ፊናንሲያውን ፖለቲካውን ድጋፍ ከይተርፎ ዝሃቦ ደኣምበር በቲ ጉዳይ ሓልዮትን ተገዳስነትን ሃልይዎ ኣይኰነን። ስለዚ’ውን፡ ንገለ ካብ ተዋሳእቲ’ታ ፊልም ከምኣመሉ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ካብ ምድጓን ሓሊፉ ክሳብ ሕጂ ዝወሰዶ ኣራሚ ስጉምቲ ወይ ዘውጸኦ መግለጺ ምህላው ዝተሰምዔ ነገር የለን።

መደምደምታ
ኣብ ዝርዝር ከይኣቶናን ኣከራኸርቲ ጉዳያት ከየልዓልናን፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦን ዝሰማማዓሉን መለለዪ ባህርያት ናይቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ምጥቃስ ጥራይ እኹል እዩ። እዚ ስርዓት’ዚ፡ ጨቋኒ ምሕደራኡ ዝፈጠሮ ዋሕዚ ስደት መንእሰያትና ክገትእ ዝዀነ ይኹን ስጉምቲ ዘይወሰደ፣ ንልዕሊ 30 ዓመት ንግድን ቁጠባን ሃገር ረሚሱ ገስጋስ ምዕባሌ ሃገር ዘዳኸመ፣ ንድሕነትን መሰልን ኣብ ወጻኢ (ብሕልፊ ኣብ ኢትዮጵያ) ዝርከቡ ዜጋታትና ክጣበቕ ዘይረኤ ስርዓት እዩ። ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ፡ ነዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኸስተ ንኽብርታትና ዝፈታተን ተርእዮ ቆላሕታ ዘይምሃቡን ስጉምቲ ዘይምውሳዱን ክገርመና ኣይግባእን። እኳ ደኣ፡ እቲ ስርዓት ባዕሉ ዝፍጽሞም ንኽብርታትና ዝብሕጉጉን ዘዳኽሙን ተግባራት ዝያዳ ከተሓሳስቡና ይግባእ (ኣብ መንፈሳዊ ጉዳያት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኢዱ ብምእታው ዝፈጸሞ በደላትን ዝፈጠሮ
ምክፍፋልን ሓደ ኣብነት ናይዞም ዝተባህሉ ተግባራቱ እዩ)። ነዚ ሓቂ’ዚ ረሲዕካ፡ እቲ ስርዓት ባህላዊን ሃገራዊን ክብርታትና ክሕልወልናን ክዕቀበልናን ምጽባይ ካብ የዋህነት ሓሊፉ ዕሽነት እዩ ዝኸውን። ብመሰረቱ’ውን፡ ከምዚ ዝበለ ረዚን
ማሕበራዊ ዕማም ንናይ እዋኑ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝግደፍ ዘይኰነስ፣ እቲ ጭዋ ህዝብናን ሕቡናት ሃገራውያን ደቁን ዝስከምዎ ሓላፍነት ክኸውን’ዩ ዝግባእ። ከምኡ ምዃኑ ከኣ፡ ሃገራውያን ኤርትራውያን ደጋጊሞም ብግብሮም የመስክርዎ ከምዘለዉ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።

ሃገራውያን ኤርትራውያን ንምዝርጋሕ “ቨርሶ” ኣብ ዩትዩብ ብምቅዋም ዘርኣይዎ ነድሪ ዝተሓወሶ ግብረ-መልሲ ዕላማኡን ኣድማዕነቱን ጥልቕ ዝበሉ እዮም። ከምቲ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገር ክጥቅዑ ከለው ብቑጣዔ ክትንስእ
ዝተራእየ፣ እዚ ሃገራዊ ሓይሊ'ዚ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብርታታ ንዝደፍር ዝዀነ ኣካል'ውን ብልዑል ፍናን ክምክት ድሕር ከምዘይብል ብድጋሚ ዘመስከረሉ ኣጋጣሚ እዩ ነሩ። ሓደ-ክልተ ቁጣዔኦም ክቆጻጸሩ ዘይከኣሉ ዜጋታት ገዲፍካ፡ መብዛሕትኦም ሃገራውያን ዝተቓወሙ ናይቶም ስነ-ጥበባውያን ሞራል ዝሰብር ወይ ሞያኦም ዘሰናኽል ስጉምቲ ንኽውሰዶም ብምጥላብ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ፡ ዕላማ ተቓውሞኦም እታ ፊልም ካብ ዩትዩብ ንኽትወርድ፡ ተሳተፍቲ ስነ-ጥበባውያን ከኣ ጌጋኦም ኣሚኖም ንህዝቦም ይቕረታ ክሓቱን ንመጻኢ ተመሳሳሊ ጌጋ ካብ ምፍጻም ክቑጠቡን ንምግባር እዩ ነሩ።

በዚ መንፈስ ዘካይድዎ ብርቱዕ ተቓውሞ ከኣ ብኹሉ መዳያቱ ዕላማኡ ወቒዑ እዩ:- ሀ/ ብጸቕጢ ናይቲ ሕቡናት ሃገራውያን ኤርትራውያን ዘካየድዎ ብርቱዕ ተቓውሞ፡ እታ ፊልም ነዊሕ ከይጸንሐት ካብ ዩትዩብ ተኣልያ። ለ/ ከምቲ ዝተደልየ፡ ገለ ካብቶም ኣብታ ፊልም ዝተሳተፉ ስነ-ጥበባውያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቀሪቦም፡ ብቕንዕና ዝተጻወትዎ ዘይጓዳእ ተራ ብኣዳለውቲ ናብ ክፉእ መዓላ ከምዝወዓለ ገሊጾም። ከምኡ ይኹን’ምበር፡ በታ ፊልም ንዝተቖጠዔ ህዝቦም ይቕረታ ሓቲቶም እዮም። ሐ/ ሃገራውያን ኤርትራውያን ናብ ፖሊስ ኤርትራ ብምድዋል ስጉምቲ ንኽወስድ ዝገብረዎ ድፍኢት’ውን ኣድማዒ ውጽኢት ተረኺቡሉ እዩ። ድሌትን ጠለብን እቶም ሃገራውያን ብሙሉኡን ብቕኑዕ መንገዲን ደኣ ኣይተግበር’ምበር፡ እቲ ስርዓት በቲ ዝገበሩሉ ድፍኢት ስጉምቲ ክወስድ ተገዲዱ እዩ። ኣብ መጨርሽታ ከኣ፡ ካብዞም ዝተጠቕሱ ዓወታት ክንቀስሞ

ዝግበኣና ዓቢ ትምህርቲ ምህላው ክንዝንግዕ የብልናን — ሃገራውያን ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ሰሚሮም ረብሓን ባህጊን ህዝቦም ኣቐዲሞም እንተተቓሊሶም፣ ብግዜ ዓበይቲ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ኤኮኖሚያዊን ለውጥታት ከምጽኡ ከምዝኽእሉ
ዘጠራጥር ኣይኰነን።

Disclaimer

The views and opinions titled "ብሱሩ’ኸ፡ ክብርታት ህዝቢ ዝዓጦ ስርዓት ኣሎና ድዩ?", are those of ዮሓንስ ዘርኣይ and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media. ኣብዚ "ብሱሩ’ኸ፡ ክብርታት ህዝቢ ዝዓጦ ስርዓት ኣሎና ድዩ?", ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይ ዮሓንስ ዘርኣይ እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሚዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,384ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles