back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ስርዓት ኣስመራ ስቕታኡ ሰይሩ

ድሕሪ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ ሮኬት መጥቃዕትን ኣብ ከባቢታት ሰንዓፈ ዝኽይድ ዘሎ ድብዳብን: ስርዓት ኣስመራ ምብርሂ ከይሃበ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብመገዲ የማነ ገብረመስቀል ኣቢሉ ሓጺር መልእኽቲ ሰዲድ። 

ሚኒስተር ሚኒስትሪ ሓበሬታ ኣቶ የማን ገብረመስቀል ሎሚ ብመንገዲ ትዊተር ” ንኽልተ ዘመናት ኤሪ-ቲቪ እዋናውን ብዕምቆትን ዝተዳለወ ዶኮመንታሪ ሰነዳትን ትንተናታትን ብዛዕባ ጃንዳ ወያነ ሓበሬታ ንህዝቢ ክህብ ጸኒሑ እዩ።  ስለዝኾነ ነዚ ናይ መወዳእታ ናይ ሰዓት 11፣00 ዕርበቱ ኣድህቦ ምሃብ ትርጉም ኣልቦ እዩ።” ክብል ተዛረቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንኮሎ፡ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ኤርትራ ኣቶ የማና ገብርኣብን ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ግብጺ ከምዛተወ ተሓቢሩ።

 

Related Articles

1 COMMENT

  1. መደብኩም ንጹርን ጽፉፉ ብምዃኑ ክሕብረኩም ኣናፈተኹ ከምኡ ድማ እዛ ሜድያኹም ብዓጸፌታ ንኽትዓቢ እናተመነኹ ኣብ ስራሕኩም ዓወት ይምነየልኩም ቀጽሉ ድማ በርትዑ።

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles