back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ከባቢታት ሰንዓፈ ጽዑቕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ይቅጽል ኣሎ

ኣብ ከባቢታትን ዓድታትን ሰንዓፈ ኣዝዩ ጽዑቅ ደብዳብ ይካየድ ከምዘሎ ሎሚ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዚ ብወገን ትግራይ ናብዘን ዓድታት ዝመጽእ ዘሎ ደብዳብ ኣብ መላእ ዓድታት ስመጃና፡ ዝግፈት፡ ምእሳር ኣርሓን ሕጓእናን ይዓልብ ከምዘሎ ተፈሊጡ። 

 

ሎሚ 15 ሕዳር ኣብ ሰዓት 11:00 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሩ፡ ብዙሕ ከቢድ ብረት ክዓልብ ከምዝኽኣለን፡ ህዝቢ ነብሱ ንምድሓን ኣብ በዓትታትን፡ ጎቦታትን፡ ተሓቢኡ ከምዝወዓለ ምንጭታትና ኣረዲኦም። 

ቶኽሲ ደቅቅቲ ብረት ካብ ርሑቅ ዝስማዕ ምኻኑን፡ ካብ ከባቢ ዓድታት ሰንዓፈ ኣዝዩ ርሒቁ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ደብዳብ ከቢድ ብረት ግን ክሳብ ሒጂ ኣብዚ ከባቢታት ይሃርም ከምዘሎ ወሲኾም ሓቢሮም። 

 

ዛጊት ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘየለ፡ እንተኾነ እቲ ከቢድ ብረት ዝዓልቦ ዘሎ ግራት ሓረስቶት ኣብ ገለ ቦታታት ይቃጸል ከምዘሎ ምንጭታትና ወሲኾም ኣፍሊጦም።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles