ኣብ መጀመርያ ቴስዓታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘመናት ዝተሓረሞ ተስፋን ብሩህ መጻእን ኣካል ናይቲ መዓልታዊ ዝነበረ ዜናታት ነበረ፡፡ ዝድነቑን ዝዉደሱን መራሕቲ ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ ሓሊፍዎም ክሳብ ጻዕዳ ገዛ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምዕዳም ተሞጊሶም ተወዲሶም፡፡ እንተኾነ እዚ ኩነታት ዓሰርተ ዓመት ክመልእ ኣይከኣለን፡ ኣብ ዓለምና ዝኸፋአ ክበሃል ዝከኣል ደማዊ ኩናት ብምክያድ ካብ ክልቲኡ ሃገራት ልዕሊ ሚኢቲ ሽሕ ህይወት ከምዝወሰደ ይንገር፡፡ ዞባና ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ሕሱም ጽዋእ ናይቲ ኩናት ክቐስም ተገዲዱ፡፡ ብጎደና ምዕባለን ልምዓትን ክጉዓዝ ይትረፍ ንዓመታት ንድሕሪት ተሪፉ ኣደዳ ስደትን ጥሜትን ክኸዉን ግዜ ኣይወሰደሉን፡፡ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግዜ ድማ ኣሕለፉ፡፡ ምሕደራ ኢህወደግ ዝመረሮም ኢትዮጵያዉን መንእሰያት ሆ ኢሎም ንጎደናታት ብምዉጻእ ህይወት ብምኽፋል ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ለዉጢ ተጎናጸፉ፡፡ህዝቢ ምሕረተኛ’ዩሞ ንዝመርሕ ዝነበረ መንግስቲ ምሕረት ብምግባር ኣብታ ሃገር ለዉጢ ንኽመጽእ ነቲ ሓዱሽ መሪሕነት ተስፋ ኣንበረሉ፡፡ እዚ ተስፋ ንኢትዮጵያ ኣኺሉስ ናብታ ብመሪሕነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ እትምራሕ ኤርትራ በጺሑስ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ሰላምን ቅሳነትን ከስተማቕር ግዚኡ ኣኺሉ ብምባል ንመራሒ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ንመራሕቲ ሃይማኖትን ስነ ጥበባዉያን ኢትዮጵያዉን መግለጺ ፍቕሩ ብምሕቕፍ ብምስዓም ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ብምሕንጋር ገልጾ፡፡ መግለጺ ሓጎስ ንብዓት ኣብ ብዘላ ዓለም ዝነብሩ ዉሉዳት እዘን ሃገራት ዛረየ፡፡ ተደርፈ ፡ ተዘመረ ፡ ተሳዕስዐ፡፡ ንዓመታት ዝተፈላለያ ስድራታት ተራኸባ ፡ ተጠርነፋ ኮታ ምልኣት ሂወት ከስተማቕሩ ተዓደሉ፡፡ ንሓድሕዶም ዝተቓተሉ ወታደራት ተሰዓዓሙ መራሕቲ ሰላም ተበሃሃሉ ዘገርም ትርኢት፡፡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዉሽጢ ሃገሩ ዝገበሮ ምትዕርራይ ነህዛብ ሃገሩ ጥራይ ዘይኮነ ንዓለም ኣዛረበን ኣደነቐን ኣተክሮ ማዕከናት ዜና ዓለም ክወስድዉን ግዜ ኣይወሰደሉን፡፡ እንተኾነ ንዘካይዶም ዕዮታትን ንጥፈታትን ተቓዉሞ ከጋጥሞ ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሉን ብፍላይ ብመሪሕነት ኢህወደግ፡፡ ዶክተር ኣብይ ‘’የቀን ጅቦች’’ ኢሉ ዝሰመዮም ምስ ምምጻእ ለዉጢ መቐለ ከይዶም ዝሰፈሩ ኣባል’ቲ ገዛኢ ሰልፊ ዝነበሩ ተጋሩ ንስልጣን ኣብይ ኣሕመድ ሕማም ርእሲ ክኾንዎ ጀመሩ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ምስቲ “ገይም ኦቨር’’ ብምባል ንጻዊዒት ሰላም ዶ/ር ኣብይ ዝተቐበለ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ዝገበሮ ዝምድና ንመሪሕነት ወያነ ፍጹም ዝኾነ ሻቕሎት ፈጠረሎም፡፡ መሪሕነት ኢሂወደግ ዝተቐበሎን ዝፈረመሉን ዉዑል ሰላም ንትግባረ ከይዉዕል ድማ መሪሕነት ወያነ ኣብ ከተማታት ትግራይ ሰልፊ ብምዉዳብ ተቓዉምኦም ገለጹ፡፡ ብዛዕባ ምምልካት ዶባት ካብዞም ክልተ መራሕቲ ዝሰማዕናዮ እንተሎ ብቐዳምነት ዝስራዕ ከምዘይኮነ’ዩ፡፡ ገለ መራሕቲ ኤርትራ ግና ወያነ “ሓንጊዳ’’ ዶብና ንኸይሕንጸጽ ዝብል ዘረባታት ሰሚዕና፡፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ዝተዓዘብናዮ ነገር እንተልዩ ምድልዳል ዝምድና ናይዞም ክልተ መራሕትን ስድራቤቶምን እንተዘይኮይኑ እዚ ዝበሃል ፖለቲካዊ ኮነ ቁጠባዊ ፖሊስታት ኣይነበረን፡፡ በንጻሩ’ኳ ዝተኸፍተ ዶባት ዳግማይ ተዓጽዩ ተስፋ ህዝብታት ቅሂሙ ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ብዙሕ ትጽቢታት ክትግበር ዝነበሮ ተስፋ ክኸዉን ስለ ዘይከኣለ ቅድሚኡ ዓመታት ካብ ዝነበረ ብዝተዓጻጸፈ መንእሰይ ንስደት ወሓዘ፡፡ [ዝሓለፈ ዓመት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበጻሕክሉ ዘወርቲ ታክሲ ኮነ ካልኦት ራይድ ሸር ዘዕለሉኒ እንተልዩ ብሰንኪ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ክራይ ገዛ ከም ዝኸብሮም’ዩ እዚ ድማ ክንደይ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ከም ዘለዉ ከገምተና ይከኣል]
ኣብ ምሞዕባል ዝርከባ ሃገራት ብኣዝዩም ዝተወሳሰበ ሽግራት ዝተኸበባ እየን፡ ድኽነትን ድሕረትን ንዓለማዊ ሞራላዊ ዉድቀት ተወሳኺ ሓይሊ ኮይንዎ ይርከብ፡፡ ዓለም ንድኻ እትምችእ ኣይኮነትን: ንድኻ ድኻ ዝገበሮ ኣብታ ንዕኡ ዘይምችእቲ ዝኾነት ዓለም ዘይምቹእ ሂወት ክነብር ዝግደድ ብምኻኑ’ዩ፡፡ ብኻልእ ኣገላልጻ ዝደኸየ ሰብ፡ ህዝቢ ወይ ሃገር ኣብዛ ምችእቲ ዓለም ካልእ ዘይምችቲ ካልእ ዓለም ኣላቶ፡፡ ድኽነት ምርጫ የስእን ፡ ናጽነት ይኸልእ፡ ድኻ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ዝሃብካዮ ዝቕበል እንበር ዝደልዮን ዝምችኦን ናይ ምምራጽ ዕድል የብሉን፡፡ ናይ ከስምዕን ክስማዕን ዕድሉ ኣዝዩ ትሑት’ዩ፡፡ ወሰንቲ ዝኾኑ ጉዳያት ክዉስንን ንዝወሰኖም ክትርጉምን ዕድልን ዓቕምን የብሉን፡፡ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ናይዚ ሕልኽላኽ ሂወት ዓባይ ኣብነት’ያ፡፡መራሕቲ ኣፍሪቃ ንህዝብታቶም ካብ ዘለዎ ሕልኽላኽ ማሕበራዊ ቅልዉላዉ ከዉጽእዎ ዘይክኣሉ ሓደ ምኽንያት ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ሱር ዝሰደደ ድኽነት’ዩ፡ ንህዝቦም ክሰምዑን ሰሚዖም ክርድእዎን ባህጊ የብሎምን፡፡ ዝሓዝዎ በትረ ስልጣን ነፍሲ ወከፍ ለይቲ ዝሓሰብዎ ኣብቲ ህዝቢ ይጽዕንዎ ብስም ምድሓን ሃገር፡፡
ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ካብዚኦም መራሕቲ ዝተፈለየ፡ ካሪዝማቲክ፡ ኢትዮጵያ ንምድሓን ካብ ኣምላኽ ዝተላእከ ተባህለሉ፡ ስሊኡን ስለ ኢትዮጵያን ዝተወሃበ ትንቢትን ዝተገልጸ መግለጽን ዓጀብ ዘብሉ ነበሩ፡፡ እንሆ ድማ ደ/ር ኣብይ ኣብዚ እዋን ነቲ ንክለተ ዓመትን መንፈቕን ፈኸም እናበለ ክመጽእ ዝጸንሐ ሓያል ህልኽ ምስ ሕዉሓት መኸተምታ ክገብረሉ ኣብ ኩናት ተጸሚዱ ይርከብ፡ ድኻ ህዝቢ ሰማዒ የብሉንሞ ድምጺ ህዝቢ ምስማዕ ኣድላዩ ኣይኮነን ፡፡ ስለዝኾነ’ዩ ኣብቲ ብወራር ወያነ ዝፍለጥ ኩናት ኢሰያስ ኮነ መለስ ንዝመርሕዎ ህዝቢ ፋዕራ ስለ ዘይነበሮም ኣብ ዘይተደለየ ዉግእ ናይ ኣሽሓት መንእሰያት ሂወት ኣጥፊኦምን ኣሰንኪሎምን፡፡ ሕጂ ድማ ኣብቲ ዘስካሕክሕ ኲናት ዉዒለ ፡ ምረቱ ጥዒመ፡ ብጾተይ ኣብ ጎነይ ወዲቖም ስለዚ’ዩ ሰላም ምስ ኤርትራ መሪጸ ብምባል ሽልማት ኖበል ዝወሰደ: ኣብይ ኣሕመድ ህዉሓት ንሰራዊት ፈደራል ኣጥቂዖም ብምባል ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኩናት ሕድሕድ ኣዉጁ ይርከብ፡፡
ኣብ ታሪኽ ዓለምና ብዙሓት ዝጀመርዎ ኲናት እንተልዩ ርግጸኛ ኣይኮንኩን፡ እቶም ሒደት ነቶም ብዙሓት የለዓዕልዎም በዘራርባ ተዋጋእቲ ገሊኦም ይዕወቱ ገሊኦም ኣይዕወቱን [ኣብ ዉግእ ዓወት ዝበሃል የልቦን] ኣብ መወዳእታ ንዝፈጸምዎ ዉግኣት ምስ ህዝቢ ከምዝገበርዎ የጋዉሑ፡፡ ሃገርና ኣብነት ምስ እንወስድ ኣብ እዋናት ቃልስን ናጽነትን “ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዳላይ እዩ’’ ዝብል ኣዘራርባ ልሙድ ነበረ እንተኾነ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት “ነዛ ሃገር ልዕሊ ህዝባዊ ግንባር ዝብጽሖ ማንም የልቦን’’ ክበሃለና ግዜ ኣይወሰደን እዚ ድማ ቀያሕቲ ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ባዕዲ ተቖጺሩ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ጋሻ ኮይኑ ክነብር ተፈሪዱ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሓደ ዘመን ምሉእ ዝተመሃሮ ነገር እንተልዩ ምረት ኲናት’ዩ ! በሰላ ኲናት’ዩ! ዉርደት ኲናት’ዩ ! ዉጽኢት ኲናት’ዩ ! ኲናት ጥሜት የምጽእ፡ ኲናት ስደት የምጽእ፡ ኲናት ወለዲ የስእን፡ ንመርዓት ሰብኣያ የስእና፡ ደቂ ስድርኦም ስድራ ደቆም፡ ፈታዊ ፈተዉቱ፡ ኣፍቀርቲ ኣፍቀርቶም፡ ኲናት ቁጠባ የዕኑ፡ ዝተሃንጸ የፍርስ፡ ህይወት ሰብ ይወስድ፡ የሰንክል እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ፡፡ ኲናት ንእንስሳታት ህይወቶም የኽፍሎም፡ የሰድዶም የከላብቶም ፡፡ “ዘርአ ሃይለ ሽዑ’ዩ ካብ ናቕፋ ተመሊሱ፡፡ ነቲ ምስ ኢብራሂም ዝተዘራረብናሉ መጥቃዕቲ ተኻፊልዎን ስኢሉዎን ነይሩ፡፡ ንፍጻሜታት ናይቲ መጥቃዕቲ ኮፍ ኢለ ተዓዘብክዎ ፡፡ በቲ ዘለዎ ብቕዓት ብንጹር’ዩ ስኢልዎ ፡፡ ኣብ ሓደ ካብቲ ስእልታት ሓንቲ ጻዕዳ ርግቢት ኣብ ዉሽጢ’ቲ እሳተ ጎሞራዊ ኲናት ኣብ ሓንቲ ሓምላይ ኣቑጽልታ ዝረገፈ ገረብ ኮፍ ኢላ፡ የማናይ ክንፋ ደም እናነዘዐ ከሎ ረኣኽዋ’ሞ ንኣተክሮይ ኣዝያ ሰሓበቶ፡፡ ነዛ ተደንቕ ስእሊ’ዚኣ ኸመይ ኢሉ ከም ዘልዓላ ሓተትክዎ፡፡ “ብሃንደበት ኣብ መረጸን ካሜራይ ምስ ረኣኽዋ ፡ ናብኣ ኣቕኒዐ፡ ከምቲ ዝርኣኻዮ የማናይ ክንፋ ደም ይነዝዕ ነይሩ ፡፡ ኣብቲ ዝስእለሉ ዝነበርኩ ቦታ እቲ ከም ዝናብ ኣብ ኣእዋምን ኣኻዉሕን ዝኩዖ ዝነበረ ናይ ቦንባ ፍንጫል’ዩ ሃሪምዋ፡፡ ካብቲ ዝነበረቶ ጨንፈር ፍጹም ኣይተነቓነቐትን፡፡ ኣዝያ ከኣ ኣደኒቓትኒ” ኢሉኒ፡፡ ኣብ ልዕሊ’ዛ ዝቖሰለት ርግቢት ዘለካ ስምዒት ብኸመይ ተግልጾ ……. “ክንፋ ደም እናነዝዐ ኣብቲ ዝነበረቶ ጭንፈር ብምጽንዓ ፡ ንዛንታ ናይዚ እናደመየ ቦትኡን መትከሉን እምነቱ ኣብ ዓወትን ከገደፈ ዝዋጋእ ዘሎ ተጋዳላይ ህዝቢ ኤርትራ ትገልጽ ኮይና ረኺበያ፡ ብስራት ናጽነት ኮይና ኸኣ ተራእያትኒ፡ ኩነታት ጽንኩርን ኣሸጋርን ስለ ዝነበረ ግና፡ ክሕግዛ ብዘይ ምኽኣለይ ብዙሕ ሓዚነ’’ ክብል እናስተንተነ ገሊጹለይ፡፡… ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ “ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ተዝክሮታተይ’’
ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ናይ ኤርትራዉያን ዘይፍለ ተመክሮ ኲናት ኣለዎ፡ በሰላ ኲናት ኣለዎ ሕጂ ድማ እንሆ ኣብ ሓድሽ ኲናት፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብሩ ዓበይቲ ኩነታት ኣብዚ ምድረ ትግራይን ኤርትራን’ዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ብወገን ኤርትራ ነዚ ኲናት ትጽንበሮ’ዶ ትኸዉን? ዝብል ኣብ ኤርትራዉያን ዓቢ ሻቕሎት ተፈጢሩ ይርከብ፡፡ መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጼን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኤርትራ ድሮ ከም ዝተጸንበረቶ ገሊጹልና ኣሎ፡፡ ብዘለኒ ሓበሬታ ክፍለጦራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኤርትራ ኣትዮም ይርከቡ ዘገርም ድማ ኣይኮነን ናይ ክልተ ዓመት ዕርክነት እሰያስን ኣብን ካብዚ ሓሊፉ ንመዓስ ከገልግል ይኽእል፡፡ ኣብዚ ክልዓል ዘለዎ ግና ሰራዊት ኤርትራ ብኣካል ክካፈል ይኽእልዶ ዝብልዩ እዚዉን ባህሪ ፕረዚደንት እሰያስ ተረዲእካ ብርግጽ ዘብል’ዩ፡፡ ኣብ ዝሓልፈ ዕስራ ዓመታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዕስራ ኪሎሜተር ኣብ መሬት ኤርትራ ከምዝሰፈረ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ’ዩ፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ከም ዕድል ተጠቒሙ መሬቱ ዘይመልሰሉ ኣብነት መቸም ኣይክህሉን’ዩ፡፡ እቲ ሕቶ ዕምሪ ናይታ “ገይም ኦቨር’’ ዝበላ ወያነ ንምሕጻር ከምኡዉን ዕርክነት ኣብይ ኣሕመድ ንምድልዳል ኣብ መሬት ትግራይ ክዋጋእ ይኽእል’ዶ ዝብል’ዩ፡፡ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ’ቲ ዝገብሮ ወራር ክዛረብ እንከሎ ኣብ ሓጺር ግዜ ንህዉሓት ኣልዩ ናብ ዓጺዱ ክምለስ ምኻኑዩ ገሊጹ፡ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ክህብ ዝገበሮ እንታይ ኣሚኑ ይኸዉን ንሱ ጥራይ’ዩ ዝፈልጦ፡ ታሪኽ ከምዘረድኣና እንተኾይኑ ግና ኩናት ሕድሕድ ኣብ ሳልስቲ ክዉዳእ ዘይክእል ኣዝዩ ደማዉን ሕልኽላኽን ብግዜ ገደብ ዘይልካዕ’ዩ፡፡ እንተኾነ ግዜ ንኹሉ ምላሽ ስለዘለዎ ንግዜ ንገድፎ፡ዓቕሚ ህዉሓት’ከ ከምቲ ንሶምን ማዕከናት ዜና ዓለምን ዝብልዎ ዘለዉ ሓይሊ ኣለዎ’ዶ? ንገጢምዎም ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዉግእ ብኸመይ ይምክትዎ ይኾኑ? እንተመከትዎ’ኸ ክሳብ መዓስ?፡፡ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓልፈ ክልተ ዓመታት ኣብ መድረኻት ስለ ሰላምን ፍቕርን እናመደረ ዝተፈላለዩ ኣብ ደቡብ ዘለዉ ክልላት ብሓይሊ ብረት ሕትኦም ከምዝዓበሰ ክዝንጋዕ የብሉን፡ እዚ ድማ ኣብ ህወሓት ክሰርሓሉ ዝሓሰበ ይመስል፡፡ ስለዝኾነ እዞም ልዒለ ዝጠቐስክዎም ሓይልታት ህግደፍ፡ ህዉሓት ከምኡ’ዉን ናይዞም ክልተ ሓይልታት ተማሃራይ ዝኾነ ዶክተር ኣብይ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብሓይሊ ብረት እንተዘይኮይኑ ብዘተ ዝኣምኑ ኣይኮኑን፡፡ንሶም ጥራይ ዘይኮኑ ግና ካብዚ ከባቢ ዝተሰደዱ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለማት ዘለዉ ዜጋታት ናይ “በሎ ደክሮ’’ “እናሸንፋለን’’ ፕሮፖጋንዳ ሰበኽቲ ምኻኖም ዝያዳ ሻቕሎት ይፈጥረልካ፡፡
እዞም ሓይልታት “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ’’ ዝብሃል ናይ ጭዋታት ኣበሃህላ ክርድእዎ ኣይደልዩን፡ ንዕኦም ሓንትን ሓንትን ስልጣኖም እያ፡፡ኣብይ ኣሕመድ ወላዲቱ ንጉስ ከምዝኸዉን ነጊራቶ’ያሞ ንግስነቱ ዛጻባእ ወይልኡ፡ ንገሊኦም “ካብ ባድመ ወጻና ማለት ጸሓይ ኣይትበርቅንያ’’ ዝተኸፈለ ዋጋ ክኽፈል ኣለዎ፡ ብስልጣኖም ዝመጾም ክእሰር ኣለዎ፡፡ ንገሊኣቶም ድማ ንፈደራላዊት ኢትዮጵያ ልዕሊ ማንም ዝተቓለሱ ንሶም እዮም’ሞ ንሶም ክገዝኡ ኣለዎም፡ ባዕሎም ገበርትን ሓደግትን እንተዘኮይኖም ዝተኸፈለ ክኽፈል’ዩ፡፡ እዚኦም እዮም ነዘን ሃገራት ዝመርሕወን ዘለዉ ፡፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዝዘኽተመ ህጻን ኣይርኣዮምን፡ እታ መበለት ሰብኣያ ዝሰኣነት ኣይትዝከሮምን፡ ደቆም ዝሰኣኑ ወለዲ ኣብ ልቦም ቦታ የብሎምን፡ ግዳያት እንበኣር እዞም ነጻ ዝኾኑ ዜጋታት ብዘይወዓልዎ ገበን ይቕጥቀጡ፡፡ እንተ ንዓኣቶም ኣይቀርቦምን ሰብ ስልጣንን ሰብ ሓይልን ስለ ዝኾኑ ደቆምን መቕርቦምን ከድሕኑ ዓቕሚ ኣለዎም፡፡ ኣብ ዓለምና ንጹሃት ዜጋታት ግዳይ ዝገበረ ዓመጻት ቁጽሪ የብሉን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ጃፖን ከተማታት ሂሮሽማን ናጋሳኪን ብ1945 ብለይቲ ደቂሶም እንከለዉ ሃይድሮጅን ቡንባ ኣዕነዉዎም፡ ኣብ ዩጎዝላቭያ፡ ብሩንዲ፡ ሩዋንዳ፡ ኣብ ኮንጎ፡ ሰራልዮን፡ ላይበርያ ልዕሊ ቀሊል ኣብነት ድማ ብግዜ ደርጊ ኣብ ሃገርና ዝተጨፍጨፉ ዜጋታት እቲ ኣብነታት ይቕጽል፡፡