back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ምውሓስ ህላዌ ቅስንቲ ኤርትራ፡ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዝተሓረሞ ዞባ

ሃገረ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ናይ ምስፍሕፋሕ ሕማማ ደጊሱዋ፣ መራሒኣ ዋንነት ወደብ ዘማእከለ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ኣጀንዳኡ ብጋህዲ ካብዘፍልጥ እንሆ ሓሙሻይ ወርሑ ሒዙ።  ኣብዚ ዝተባህለ ግዜ፡ ናይታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተርን ስርዓቱን ኣብ ኣጀንዳኦም ንዘስፈርዎም መደባትን ትግባረኦምን ናይ ህዝቦም ድጋፍን ናይ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተቐባልነትን ንምርካብ፡ ሰፊሕ ዘቤታዊ ጐስጓስን ግዳማዊ ወፍሪን ከካይዱ ጸኒሖም።  እቲ መራሒ፡ ከም ኣካል ናይቲ ጐስጓስ ከስምዖ ኣብ ዝጸንሐ መደረታትን መግለጺታትን፡ ሃገሩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወደብ ናይ ምውናን መሰል ከምዘለዋ፣ ክውን ንምግባሩ ከኣ ከምኣድላይነቱ ክሳብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ቅሩብ ምዃኑ ደጋጊሙ ኣፍሊጡ እዩ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክውነን ዝኽእል ዋና ዘይብሉ ወደብ ስለዘየልቦ፡ እቲ ኢትዮጵያ ተቋምቶ ዘላ ወደብ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ክትምንጥሎ እትሕልኖ ምዃኑ ንኹሉ ርዱእ እዩ። ስለዝዀነ ከኣ፡ ኣቢይ ኣሕመድን ስርዓቱን ዘካይድዎ ዘለው ናይ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ጐስጓሳትን ዘስምዕዎ ፈኸራታትን፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ሻቕሎትን ቁጣዔን ኣብ ልዕሊ ምፍጣሩ፡ ንገሊአን’ውን ናይ ርእሰ-ምክልኻል ወተሃደራዊ ምቅርራባት ክገብራ ኣገዲዱወን ይርከብ።

እዞም ምዕባሌታት’ዚኦም ኣብቲ ዞባ ዝፈጠርዎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከይኣክል ከኣ፡ ኣብ ባሕቲ 2024 መንግስቲ ኢትዮጵያ ንግዳዊ ወደብ ዝሃንጸሉን ሓይሊ ባሕሪ ዘስፍረሉን መሬት ብኽራይ ክረክብ ዘኽእሎ ስምምዕ ምስ ሶማሊላንድ ከምዝተፈራረመ ኣፍሊጡ። እዚ ክስተት’ዚ፡ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ዝደፍር ብምዃኑ፡ ሳዕቤናቱ ብዙሕ እዩ። ኣብ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣብ ርእሲ ምግዳዱ፡ ንመትከላውነትን ኣድማዕነትን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝፈታተን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ወድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሓያላን ሃገራትን ንግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ብምድጋፍ ተቓውሞ ከስምዑ ዝገበረ ተርእዮ እዩ።

ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ተጻብኦ

ኣቐዲሙ ከምዝተጠቕሰ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ሃገሩ ወደብ ንኽትውንን ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ድሕር ከምዘይትብል ምግላጹ ንኹለን ጐረባብቲ ሃገራት ዘሻቐለ ጉዳይ እዩ። ናይ መጀመርያ መግለጺኡ ሓፈሻዊን ሃገር ዘይጠቅስን ብምንባሩ፡ ብፍላይ ንኤርትራ ዝጻባእ ከምዘይኰነ ዝደምደሙ ገለ ናይ ፖለቲካ ተዓዘብቲ ነሮም። ኣብ ዝሰዓቡ መግለጺታቶም ግን፡ መራሒ’ታ ሃገርን ሰበ-ስልጣናቱን፡ “ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ ከላ ብጌጋን ብኽድዓትን ናይቲ ሽዑ ዝነበረ መንግስቲ፡ ናይ ኢትዮጵያ ንብረት ዝዀነት ዓሰብ ሒዛ ከምእትኸይድ ተገሩ” እናበሉ ክሳብ ሕጂ ክሕንሕኑ ይስምዑ ኣለው። ክንዮኡ ብምኻድ’ውን፡ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን ወደባቱን ኣካል ታሪኻዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምዃኑ፣ ስለዚ ከኣ ወደባት ምጽዋዕ፡ ዓሰብን ኣዱሊስን ናብ ዋንነት ኢትዮጵያ ክምለሱ ኣለዎም ብምባል ብዓውታን ብምድግጋምን ክምጉቱን ክፍክሩን ከስምዑ ጸኒሖም።

ስለዚ፡ ምንም’ኳ ልሂቃን ኢትዮጵያ በብግዜኡ ብጐረቤት ሃገራት ዝውነና ዝተፈላለያ ወደባት ምቁማቶም ዘይገድፉ እንተዀኑ፡ ብቐንዱ ግን እቲ ብይብጸሓኒ ክግብትዎ ብቐጻሊ ዝሕልንዎ ወደብ ዓሰብ (ወይ ኤርትራ ብምልእታ) ምዃኑ ምስጢር ኣይኰነን። ንኤርትራ ወሪርካ ዳግም ናብ ኢትዮጵያ ምጽምባራ፣ ንሱ እንተዘይተኻእለ ከኣ ዓሰብ ዝሓዘ ደቡባዊ-ምብራቕ ክፋላ ብኲናት ተቖጻጺርካ ናብ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ዝብሉ ሓሳባት፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ጀሚሮም ኣኽረርቲ ሃገራውያን ልሂቃን’ታ ሃገር ከአንግድዎ ዝጸንሑ ናይ ምግባት ሕልሚ እዩ። እዚ ሕልሚ’ዚ ካብ ስነ-ልቦና ልሂቃን እታ ሃገር ክሳብ ዘይጠፍኤ፡ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘዝጠዓሞም እዋን ሕቶ ባሕሪ እናልዓሉ፡ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ተጻብኦ ምጽሕታሮም ከምዘይገድፉ ዝእምቱ ታሪኻዊ፡ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ምልክታት ኣለው።

እዚ ሕጂ ኣቢይ ኣሕመድ ብመትከል “እንካን-ሃባን” ከምዝኣምኑ፣ ዕላማኦም’ውን ምስ ጐረባብቶም ተዛትዮም ብሰላማዊ መንገዲ መውጽኢ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምርካብ ምዃኑ ዝዝርግሖ ዘሎ ፕሮፓጋንዳ፡ ግዜ ንምግዛእን ኣቓልቦ ግዳያቶም ንምጥምዛዝን ዝጥቀሙሉ ሜላ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ “ብመትከሎም” መሰረት ኣብ ሶማሊላንድ ወደብ ከምረኸቡ ዝእውጅዎ ዘለው መናውራን’ውን እንተዀነ፡ ዕላማኡ ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ውዒሎም ሓዲሮም ግን፡ ክንዕወት ንኽእል ኢና ኣብ ዝበሉሉ ግዜ፡ ”ዓሰብ ናትና እያ” ብምባል ንኤርትራ ከምዘጥቅዑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ስለዝዀነ ከኣ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ምስ ምክልኻል ሰራዊቶም፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ በብግዜኡ ብዘርእይዎ ምስሉይነትን ዘተሓላልፍዎ ናይ ምድንጋር መልእኽትታትን ክህመሉን ክዛነዩን ኣይግባእን። ብኣንጻሩ፡ ንርሑቕ ዝጠመተን ድሕነት ሃገር ዘውሕስን ናይ ምክልኻል ስትራተጂ ብምቕያስን ብምትግባርን፡ ቀጻሊ ድልዉነቶም ከረጋግጹ የድሊ።

መደብን ትግባረን ምክልኻል ሃገር

ሕማቕ ዕድል ኰይኑ፡ ኤርትራ ንዓብላሊ ክፋል’ቲ 30-ዓመት ናይ ናጽነት ዕድሜኣ ኣብ ግርጭት፡ ተጻብኦን ወጥሪን እያ ኣሕሊፋቶ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ብቐንዱ ግዳማውያን ሓይልታት ስሱዕ ረብሓታቶም ንኸሳስዩን ህዝቢ ኤርትራ ንከምበርክኹን ብምሕላን፡ ባዕላቶም ወይ ብመንገዲ ተላኣኣኽቶም ኣንጻር ኤርትራ ብዝጻሕተርዎም ተጻብኦታት እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘለዎ ቂመኛን ህልኸኛን ጠባይ፡ ንካልኦት ናይ ምውንጃል ህንጡዩነት፡ ዘተን ምርድዳእን ጐሲኻ ኣብ ምትፍናን ናይ ምእታው ዝንባሌ ዝኣመሰሉ ባህርያቱ’ውን ንተወሰኽቲ ረጽምታትን ውጥረታትን ምኽንያት ኰይኖም እዮም። መንቀሊኦም ብዘየገድስ ግን፡ ኤርትራ ንኹሎም እቶም በብግዜኡ ዘጋጠምዋ ግርጭታትን ዘሰንይዎም ወጥርታትን፡ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጉድኣት ብምጽዋርን መስዋእትነት ብምኽፋልን እያ ሓሊፋቶም። ሳላ ጅግንነትን ተወፋይነትን ሰራዊት ምክልኻላን ጽንዓት ህዝባን ግን፡ ልዑላውነታን ድሕነት ህዝባን ክትዕቅብ ክኢላ። ካብ ሕጂ ንንየው ግን፡ ህዝብና ተጻባእቲ ሓይልታት በብግዜኡ ብዝገብርዎ ፈኸራን ቱኽቶኻን ቅሳነት ስኢኑ ምዩቕ እናበለ ኣብ ሻቕሎት ዝነብረሉ፣ ደፊኡ ካብ ዝመጸ ወራር ንምክልኽል ከኣ እናሻዕ ብሉጻት ደቁ ዝኸፍለሉ ኩነታት ክህሉ የብሉን። እዚ ከብቅዕ እንተዀይኑ፡ ኤርትራ ወተሃደራዊ ብቕዓታን ቅሩብነታን ከተረጋግጽ ጥራይ ዘይኰነ፣ ጸላእቲ ዝውጥንዎም ጐነጻዊ መደባትን ሽርሕታትን ብኣጋኡ ዘፍሽል ገታኢ ቁመና ክትውንን ዘኽእሉዋ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ለውጥታትን ምዕባሌታትን ከተተኣታቱ ይግባኣ።

ሀ/ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ሃገራዊ ምክልኻል

ዘይከምኣቶም ሃገር ብሒቱ ምቁጽጻሩ እንተዘይኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብኣተሓሳስባኡ፡ ብስራሑን ኣካይዳኡን ካብ ምስሌነታት ውግእ (warlords) ዝተፈልየ ኣይኰነን። ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባሌ፡ ህንጸት ዲሞክራሲያዊ መዋቕራት፡ ምርግጋጽ መሰላት ዜጋታት ዘጠቓለለ ልምዓት ሃገር ንይምሰል ደኣ ይመድረሉ’ምበር፡ ፈጺሙ ከምዘይኣምነሉ ውጽኢት ናይ 30-ዓመት “መሪሕነቱ” ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ብኣንጻሩ፡ ኢሳይያስ ብቐዳምነት ዝሰርዖም ጉዳያት፣ ዕምረ-ስልጣኑ ምንዋሕ፡ ይቃወሙኒ ዝበሎም ዜጋታት ምቕያድ፡ ከም ተወዳደርቲን ጸላእቲን ዝርእዮም ግዳማዊ ሓይልታት ምድኻምን ምንብርካኽን እዮም። ነዚኦም ብምፍጻም ከኣ፡ ናይቲ ዞባ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ጐብለል ናይ ምዃን ባህጉ ክዉን ንምግባር ይጽዕት። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክሳብ ሕጂ ንሰራዊት ምክልኻልን ናይ ስለያ መሓውራቱን ከም ቀንዲ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ መሳርሒኡ ገሩ’ዩ ክጥቀመሎም ጸኒሑ። ብስእነት ውርዙይ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ኣልያ ተጻብኦታት ናብ ጐነጽ በብዝዓረጉሉ ቁጽሪ፡ ኢሳይያስ ሰራዊቱ ብምኽታት ክፈትሖም ምፍታን ዝውቱር ኣሰራርሕኡ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ክንዮ’ዚ ግን ኲናት ዘወግደሉ፡ ተጻባእቲ ሓይልታት ኣንጻር ኤርትራ ዝውጥንዎ ናይ ወራርን ግጭትን መደባት’ውን ዘበርዕነሉ ፖለቲካዊ ውሕልነት ይኹን ውሽጣዊን ግዳማዊን ፖሊሲታት ኣይነበሮን።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሰራዊት ምክልኻሉ ዝሃነጾ፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ መኣዲ ትምህርቶም ኣልዩ፡ ናይ ግዜ ገደብ ኣብዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ብዝዳጐኖም መንእስያት እዩ። ነዚ ኣስገዳድ’ዚ ነጺጎም ምስታፍ ዝኣብዩ መንእሰያት ከኣ፡ እቲ ስርዓት በብግዜኡ ብዘካይዶ ግፋ ካብ መንገድታትን ኣባይቶምን እናተመንጠሉ ከም ዝዕስከሩ ይግበር። እዞም ኣብዛሓ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዘቑሙ መንእሰያት፡ ዝጠቅም ደሞዝ ዘይክፈሎምን ኣብ መዓስከራትን ድፋዓትን ከኣ ሕሱም ናብራ ከሕልፉ ዝተገደዱን እዮም። በቲ ተገዲዶም ዝኣተውዎ ኩነታት ምኽንያት፣ ናይ ትምህርቲ፡ ስራሕን መርዓን ዕድሎም እናማህመነ ብምኻዱን፡ ግዱድ ዕስክርናኦም መወዳእታ ምስ ሰኣኑሉን፣ ብብዝሒ ካብኣቶም ነቲ ሰራዊት ራሕሪሖም ናብ ስደት ከምርሑ ጸኒሖም። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ እታ ሃገር ንልምዓታን ቁጠባዊ ዕብየታን ወሳኒ ዝዀነ ናይ መንእሰያታ ኣፍራዪ ዓቕሚ ተነፊጉዋ ይርከብ።

ለ/ ራእይን ስትራተጂን ርእሰ-ምክልኻል ሃገር

ህላዌኣን ልዑላውነታን ንምውሓስን ድሕነት ህዝባ ንምርግጋጽን፣ ኤርትራ እኹል ግዝፊ ዘለዎ፡ ብወተሃደራዊ ስነ-ፍልጠትን ዘመናዊ ስልቲ ኲናትን ዝሰልጠነ፡ ዝተራቓቐ ኣጽዋራት ዝዓጠቐ፡ ስምረትን ፍናንን ዲሲፕሊንን ዘለዎ ሰራዊት ምክልኻል ክትውንን የድልያ። ኣባላቱ ሞያ ውትህድርና ብድሌቶም ዝመረጹ፡ ምጣኔ-ሃብቲ ሃገር ዝፈቕዶ እኹል ደሞዝ ዝኽፈሉን ምቹእ ናብራ ዘለዎምን ክዀኑ ይግባእ። ኤርትራ ክትሃንጾ ዘድልያ ናይ ምክልኻል ሓይሊ፡ ብቁመናኡን ብቕዓቱን ዲሲፕሊኑን ተፈራሕነትን ኣኽብሮትን ዘጥረየ፡ ጽኑዕ ዘይድፈር ዋልታ ሃገርን ህዝባን ክኸውን ዝበቕዐ ሰራዊት እዩ። ብኸምዚ ዕላማ ዝተሃንጸ ሰራዊት ምክልኻል፡ ቀንዲ ተልእኮኡ ኣብ ኲናት ምእታው ዘይኰነስ፡ ተጻብኦታትን ወጥርታትን ናብ ግጭት ከየምርሑ ምግታእ ይኸውን። ኣብ ኲናት ኣትዩ ዋጋ ክኸፍል ዝግደደሉ እንኮ ኩነት፣ ኣህጉራዊ ሕግታትን ዲፕሎማሲያዊ ፕሮቶኮላት ረጊጹ፡ ሰላማዊ ኣማራጺታት’ውን ነጺጉ ዝመጽኤ ጸላኢ ዝፍንዎ መጥቃዕቲ ንምምካንን ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።

ብዕምቈት ክርኤ ከሎ ርእሰ-ምክልኻል ዝብል ኣምር፡ ናይ ጸላኢ መጥቃዕቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ከምዝብርዕን ምግባር ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ዝያዳ ተመራጺን ዋጋ ዘየኽፍልን ናይ ምክልኻል ስትራተጂ፡ ተጻባኢ ወገን መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻሙ ንመደቡ ክልተ ሻዕ ክሓስበሉን ከምዘየዋጽኦ ፈሊጡ ክቑጠብን ዝገብር ናይ ምግታእ (deterrence) ስትራተጂ እዩ። ክንዮው ወተሃደራዊ ብቕዓትን ቅሩብነትን፡ ኤርትራ ከምእትፍራሕን ትኽበርን ገሮም ንናይ ምግታእ ስትራተጂ መሰረት ዘንጽፉ ፖለቲካዊ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊን ዲፕሎማሲያዊን ረቛሒታት’ውን ኣለዉ። ኩለንትናዊ ልምዓት ዝሰረቱ፡ ሓያል ሃገራዊ ቁጠባ ሓደ ካብዞም ረቛሒታት እዩ። ብመጀመርያ ከምዚ ዝኣመሰለ ቁጠባ፣ ብቑዕ ሰራዊት ንምህናጽን ንምንባይን ዘድሊ ርእሰ-ማል ዘቕርብ ይኸውን። ካብኡ ንላዕሊ ግን፡ ድልዱል ቁጠባ ንሃገር ብንግዲ ኣደንፊዑ ምስ ካልኦት ሃገራት ንናይ ሓባር ረብሓ ብጥቡቕ ክትተኣሳሰር ዘኽእላ ረቛሒ እዩ። ምስዚ ሓቢሩ ዝኸይድ’ውን፡ ጥቕሚ ሃገር ኣሕሊፍካ ከይሃብካ ብምክብባር ምስ ጐረባብቲ ይኹን ምስ ሓያላትን ጸለውቲን ሃገራት ናይ ምትሕግጋዝ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት ምምስራት እዩ። ብኸምዚ ኣገባባት ዝተጠርያ መሻርኽቲ ሃገራት፡ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ረብሓአን ንኽሕልዋ ብምሕሳብ፡ ኣብ ምጽባእ ኣይኣትዋን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኤርትራ ንዝጻብኡ ሓይልታት ክቃወማ’ውን ይድረኻ እየን። ካብዚ ኩሉ ብዘይንእስ ከኣ፣ መሰላቱ ዝተኸብረ፡ ኣብ ምሕደራ ሃገሩ ውሑስ ተሳታፍነት ዘለዎ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝተረጋገጸሉ ህዝቢ፣ መሰረት ሓድነትን ጽንዓትን ሃገር ብምዃኑ ንባዕሉ ካልእ ገታኢ ሓይሊ እዩ።

ኢትዮጵያ ዘለዋ ሕዱር ናይ ምስፍሕፋሕን ምግባትን ህርፋን፡ ጸጸኒሑ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ውግእን ወራርን ምቕስቃሱ ከምዘየቋርጽ ናይ ዝሓለፈ 70 ዓመታት ታሪኽ’ታ ሃገር ዘረጋግጾ ተኽእሎ እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡ ገሊኦም ብናይ ርእሶም መደብ ገሊኦም ከኣ ብመደብ ናይ ደገ ለኣኽቶም፡ ተጻብኦታት ዝጽሕትሩ ብዙሓት ዓበይቲን ናእሽቱን ሓይልታት ከምዘለዉ ክርኤ ጸኒሑ እዩ። ገለ ካብዞም ሓይልታት፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ንኤርትራ ክትናዀሉ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። ስለዝዀነ ከኣ፡ ኤርትራ ነዞም ኩሎም ክመጹ ዝኽእሉ ተጻብኦታት ናብ ጐነጽ ደረጃ ከይበጽሑ ከለዉ ብኣጋ ክትገትኦም እትኽእለሉ መንገዲ እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ናይ ርእሰ-ምክልኻል ስትራተጂ ጥራይ እዩ። እንተዀነ ግን፣ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ

  • ቅዋም፡ ህዝባዊ ባይቶን ሃገራዊ ምርጫን ነጺጉ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝገዝኤ፤
  • ኣብ ፖለቲካ ሃገሮም ዝተፈልየ ሓሳብ ንዘቕረቡ ዜጋታት ዝኣሰረን ዘሕቀቐን፤
  • ብጨካን ኣገዛዝእኡ ብኣማእት ኣሻሓት ዝቑጸሩ መንእሰያቱ ናብ ስደት ዘባረረ፤
  • ብጥሕሰት መሰላት ዜጋታቱ በብዓመቱ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ክኸሰስ ዝጸንሐ፤
  • ባዕሉ ዝሳተፎ ናይ ኮንትሮባንድ ንግዲ ኣተኣታትዩ ቁጠባ ሃገር ዝረመሰ፤
  • ምስ ኩሉ እናተናኸሰ፡ ንሃገሩ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክትንጸል ዝገበረ፣
  • ኣብ ስትራተጂካዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ክልተ ኣገደስቲ ወደባቱ ንልዕሊ 20 ዓመት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ገሩ ዘባዘነን ዘማሰነን፤

ሕጋውነትን ተሓታትነትን ዘይብሉ ስርዓት ዝመርሓ ሃገር ኰይና ብምጽናሓ፡ እቶም ኤርትራ ክህልዋ ዝድለዩ ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ፖለቲኮ-ቁጠባዊ ጽልዋታት፡ ክብርን ተፈራሕነትን ክትውንን ገና ኣይበቕዐትን።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles