back to top
ቀዳም 22 ለካቲት, 2025

ንኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ኣሻቓሊ ጐደቦኣዊ ምዕባሌ

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ኣፍ-ደገ ቀይሕ ባሕሪ ከካይዶ ብዝጸንሐ ሰፊሕን ቀጻሊን ጐስጓስ ምኽንያት፡ ንሃገሩ ጥራይ ዘይኮነ ንጐረባብቲ ሃገራት – ብዓቢኡ ከኣ ንዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃን ክንዮኡን – ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ዝሸመመ ፖለቲካዊ ሃዋህው ፈጢሩ ይርከብ። ኣብዚ ዝተባህለ ግዜ፣ እቲ መራሒ ንሓድሽ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ምስ ሰብ-ጸጋ እታ ሃገር ኣኼባ ከምዘካየደሉ፣ ምስ ካድረታት ሰልፊ ብልጽግና ከምዝተመኻኸረሉ፣ ኣብ ቤት-ምኽሪ ወከልቲ ሕዝቢ (ፓርላማ) ሃገሩ ቀሪቡ መግለጺ ከምዝሃበሉን፡ ከምኡ’ውን ዝተወሰኑ መንግስታዊ ትካላት ብመልክዕ ሰሚናራት ክዝትይሉ ከምዝገበረን ዝተፈላለዩ ማዕከናት-ዜናን ማሕበራዊ ሚድያታትን ክሕብሩ ጸኒሖም።

ኣብቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተቓለሐ ናይ ፓርላማ መደረኡ፡ ድሒሩ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺታት፣ ኣቢይ ኣሕመድ ሓሳባቱ ብዝርዝር ኣቕሪቡ እዩ። ኢትዮጵያ ካብ ጐረቤት ሃገራት እትረኽቦ ኣገልግሎት ወደብ ኣዝዩ ልዑል ክፍሊት ዝሓታ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ እተምጽኦን እትልእኮን ኣቑሑት ንግዲ፡ ብመንግስቲ ኣአንጋዲት ሃገር እናተፈተሸ ንኽሓልፍ ዘገድድ’ውን ምዃኑ ይገልጽ። እዞም ኩነታት’ዚኦም፣ ንግዳዊ ፖሊሲ’ታ ሃገር ኣሰናኺሎም፡ ንግዳዊ ምንቅስቓስን ዕብየትን ብምድራት፡ ልምዓታ ከምዝግታእን ቁጠባኣ ከምዝዳኸምን ምግባሮም’ውን የመልክት። ነገራት በዚ እንተቐጺሎም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ድኽነትን ጥሜትን ከምእትሽመምን፡ ብሰበቡ ከኣ ዝጨነቖ ህዝባ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቱ ሃገራት እንታይ ስጉምቲ ከምዝወስድ ምግማት ኣጸጋሚ ከምዝኸውን የጠንቅቕ።

እቲ መራሒ ንፓርላማ ዘቕረቦ መልእኽቱ፡ ሃገሩ ኣለዋ ዝበሎ ናይ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ሽግር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዕኡ ንምፍታሕ መንግስቱ ክወስዶም ዘሎዎ ስጉምትታት፡ ከምኡ’ውን ንውሳኔታቱ ቅቡል ይገብር ይኸውን ዝበሎ ስነ-መጐት ዘጣመረ እዩ። ነዚ ጥሙር መልእኽቲ’ዚ፣ ብሕታውያን/መንግስታውያን ጋዜጠኛታትን ትካላት-ዜናን እታ ሃገር ከዋዓውዕዎን ክጐሳጉሱሉን፣ ልሂቃንን ዝምልከቶም ሰብ-ሞያን ክከራኸሩሉን ከሀብትምዎን፣ ኣምባሳደራቱን ናይ ወጻኢ ልኡኻቱን ኣብ ሃገራትን ዓለም-ለኸ ውድባትን ዲፕሎማሲያዊ ዘመተ ከካይዱሉ፣ ህዝቢ ድማ ከምዝዝትየሉን ዝነቕሓሉን ክግበር መምርሒ ሂቡሉ።

ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ኣቢይ ኣሕመድን ስርዓት ብልጽግናን

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ መዓልታዊ ክደፍኣሉ ዝጸንሐ መልእኽቱ ከራጉደሉ፡ ንናይ ቀይሕ ባሕሪ ኣጀንዳኡ ድማ ውሽጣዊን ግዳማዊን ድጋፍ ከምጽኣሉ ተስፋ ብዝገበረሉ፡ በዚ ዝስዕብ ስነ-መጐት ኣሰንዩ እዩ ከቕርቦ ጸኒሑ፡- (1) 120 ሚልዮን ዝበጽሐን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎን ህዝቢ ንዝነብረላ ኢትዮጵያ፡ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ምውናንን ኣብ ጉዳያት’ቲ ባሕሪ ምስታፍን ጠለብ ህላዌኣ እዩ፣ (2) ኢትዮጵያ ኣብ “ታሪኽ፡ ጂኦግራፍን ዘርኢን” ዝተሰረተ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ይግበኣኒ መሰል ኣለዋ። እቲ መራሒ ካብዚ ስነ-መጐት’ዚ ተበጊሱ፡ ንሃገሩ ዘይተቐየደ ናይ ወደብ ተጠቃሚነት መሰላ ክኽልክላ ዝኽእል ሓይሊ ከምዘየለ ይእውጅ። ጽንሕ ኢሉ ግን፣ ሃገሩ ወደብ ናይ ምውናን መሰል ከምዘሎዋ፡ ስርዓት ብልጽግና ከኣ ነቲ መሰል ኣብ ባይታ ከረጋግጾ ድልው ምዃኑ የረጋግጽ። ብተመሳሰሊ፡ እቲ ስርዓት ናይ ቀይሕ ባሕሪ ኣጀንዳኡ ንምትግባር ክወስዶ ዝሓስብ ስጉምቲ ብዝምልከት’ውን እንተዀነ፡ ጫለዳ መርገጺታት ዝሓዘ መግለጺ ክህብ እዩ ተሰሚዑ። ነቲ ብድፉኑ “ሃገራዊ ባህጊ/ድልየት” ኣፍ-ደገ ባሕሪ ዝበሎ ጉዳይ፣ እንተተኻኢሉ ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ “እንካን-ሃባን” ሽርክነትን ብዝምርኰስ ዘተ፣ እንተዘይኰነ ከኣ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክዉን ንምግባሩ መንግስቱ ድሕር ከምዘይብል ፈኸራ ብዝመስል ኣዘራርባ ይገልጽ።

እዞም ኣቢይ ኣሕመድ እናለዋወጠ ከቕርቦም ዝጸንሐ ተጋራጨውቲ ሓሳባት፡ ብቐንዱ ነጸብራቕ ናይቲ ተጋላባጢ፡ ርእሰ-ምትእምማን ዝጐደሎ፡ ጃህረኛን መታለሊን ባህርያቱ እዮም። ብተወሳኺ ድማ፣ ሓይሊ ንኽጥቀም ይህንደድ ከምዘሎ ንኹሉ ስለዝተጋህደሉ፡ ንሰላማዊ ኣማራጺታት’ውን ኣቓልቦ ዝህብ ደላይ ሰላም ኰይኑ ንኽርኤ ዝገብሮ ናይ ሽሕጣን ስራሕ እዩ። እቲ ክትኰረሉ ዘለዎ ጉዳይ ግን፣ መንግስቲ ብልጽግና ኣብዞም ዝተባህሉ ሓሳባትን ስነ-መጐትን ጸቒጡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከሳውሮም ዝጸንሐ ሓደስቲ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ዘግህድዎ ሓቂ ምህላው እዩ። ንሱ ከኣ ኣቢይ ኣሕመድን ስርዓቱን፡ ጉዳይ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ኣብ ኩሎም ጽላታት ማሕበረ-ሰብ ኢትዮጵያ ሰሪጹ መዛረቢን መካትዒን ኣርእስቲ ከምዝኸውን፡ ዓለም-ለኸ ኣተኩሮ’ውን ከምዝስሕብ ምግባር ቀንዲ ሃገራዊ ተልእኮኦም ገሮም ይሰርሑሉ ምህላዎም እዩ። ነዚ ተልእኮ’ዚ ዝደረኹ ሚስጢራዊ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ንምቅላዕ፡ ሕቶታት ናይ ምሕታትን ምምርማርን ኣድላይነት እምበኣር ዘካትዕ ኣይኰነን።

ብፍላይ ከኣ፣ “እዚ ንቀይሕ ባሕሪ ኣመልኪቱ ዝቐርብ ዘሎ ስነ-መጐት ብመን ዝተፈልሰፈ እዩ?” “ኣቢይ ኣሕመድከ ንምንታይ ሕቶ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ኣብዚ ግዜ’ዚ ከልዕል ደልዩ?” “ብምልዓሉኸ ኣብምንታይ ክበጽሕን እንታይ ክረክብን ስለዝሓለነ እዩ?” ወዘተ… ዝብሉ ሕቶታትን መልሳቶምን፡ ኣብ ዝመጽእ ቁሩብ ዓመታት ኣብ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊን ወተሃደራዊን ምዕባሌታት ዝእንፍቱ ብምዃኖም ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። በዚ መሰረት ከኣ፡ ዝተረፉ ክፋላት እዚ ጽሑፍ’ዚ ንሓደ ወሳኒ ነጥቢ ፍሉይ ትኹረት ክህቡ እዮም። ንሱ ከኣ፣ መንግስትን ብርክት ዝበሉ ልሂቃንን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ልዑላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዘግሃድዎ ሓደገኛ ስምዒታት፤ (ሀ) ካብ ምንታይ ዝተበገሰ እዩ? (ለ) ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘስዕቦ ሓደጋ ክህሉ ዶ ይኽእል? ዝብሉ ሕቶታት ዝሓዘ እዩ።

ደግሲ ሕማም ግዝኣታዊ ምስፍሕፋሕ ኢትዮጵያ

ኣቢይ ኣሕመድን ስርዓቱን፡ ሕጋዊ ግዝኣታዊ ኣካላት ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ዝዀኑ ወደባትን ገማግም ባሕሪን እናቋመቱ፡ ኢትዮጵያ ክትውንኖም ኣለዋ ምባሎም ሓድሽ ወይ ብኣጋጣሚ ዝተኸስተ ተርእዮ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ፡ እቲ ዘርእይዎ ዘለው ናይ ምግባት ሃነፍነፍ፡ በጨቕታ ናይቲ ኣበውታቶም ዘውረሱዎምን፡ መለለዪ ሕሉፍ ታሪኽ ሃገሮም ዝዀነን ናይ ምስፍሕፋሕ ባህጊ እዩ። ንእምበራጦርያዊት ኣቢሲንያ (Imperialist Abyssinia) ንዘመናት እናተቐባበሉ ዝገዝእዋ ተኸታተልቲ መስፍናዊ ስርዓታት፡ ኣብታ ሃገርን ህዝባን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ሰራውሩ እናዕሞቘ ክኸይድ ዝጸንሐ ሓድጊ ገዲፎም እዮም ሓሊፎም። እዚ ሓድጊ’ዚ፡ ዝተጋነነ ትረኻ ጥንታውነትን ስልጣኔን እታ ሃጸያዊት ሃገር ብሓደ ሸነኽ፣ መሬት ናይ ምግባትን ግዝኣት ናይ ምስፍሕፋሕን ባህጊ ከኣ በቲ ኻልእ ዘጣመረ ሓደገኛ ስነ-ልቦና እዩ። ህላዌ እምበራጦርያዊት ኣቢሲንያ ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ-ዘመን (ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም) ምስ ኣኽተመ’ውን እንተዀነ፣ እታ ንዓኣ ተኪኣ ዝተቐልቀለት “ዘመናዊት” ኢትዮጵያ፡ ኩለንትናኣ – ካብ ኣቃውማን ፍልስፍናን መንግስታ ክሳብ ኣተሓሳስባን እምነትን ዜጋታታ – በዚ ስነ-ልቦና’ዚ ዝተዓብለለ ከምዝኸውን እዩ ተገሩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን፣ ኣብ ህዝቢ ከም መርኣያ ፍቕሪ ሃገርን ሓርበኝነትን ከምዝረኤ ንምግባር ብገዛእቲ ስርዓታት ብቐጻሊ ተሰቢኹሉን ተሰሪሑሉን እዩ። ስለዝዀነ ከኣ፣ ናይ ጥንቲ መስፍናውያን ስርዓታት ጥራይ ዘይኰኑ፡ ዘመናውያን ዝበሃሉ ናይ ቀረባ እዋን ስርዓታት ኢትዮጵያ’ውን ከይተረፉ ነቲ ስነ-ልቦና ብስም ሃገራዊነት፡ ህዝቢ ንኲናት ዝጉስጉሱሉ ቀንዲ መሳርሒኦም ኰይኑ ይርከብ። ስልጣኖም ንኸደልድሉን ግዝኣቶም ንኸስፍሑን ኣብ ውሽጢ ሃገሮምን ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን በብግዜኡ ኣብ ዘሳውርዎም ውግኣት ከኣ፣ ነዚ ናይ ጐስጓስ መሳርሒኦም ተጠቒሞም ህዝቢ ኣብ ዘይምልከቶን ዘይረብሓሉን ኲናት ክጠብስዎን፡ ግዳይ ህልቂትን ብርሰትን ክገብርዎን ጸኒሖም ኣለው።

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ሕጂ ዘስምዖ ዘሎ ናይ ኣፍ-ደገ ባሕሪ መደረታት እምበኣር፣ ነዚ ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ባህሊ ተኸቲሉ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ማሕበረ-ሰቡ ንዝሰረጸ መሬት ናይ ምግባትን ግዝኣት ምስፍሕፋሕን ስነ-ልቦና ንኸበራብር ዝዓለመ እዩ።
ከምዚ ብምግባር ክረኽቦ ዝኽእል ናይ ህዝቢ ድጋፍ ተጠቒሙ ከኣ፡ ነቲ ክምድረሉ ዝጸንሐ “ታሪኻውያን ናይ ኢትዮጵያ ወደባትን ገማግም ባሕሪን” ዝበሎም ግዝኣታት ንኸምልስ ከምዝጽዕር ኣፍሊጡ እዩ። ንሱ እንተዘይተዓወተሉ ከኣ፡ መጻኢ ወለዶታት ኢትዮጵያ ከምዘተግብርዎ’ውን ኣስሚሩሉ። እዚ ኣዘራርባ’ዚ፡ ሓቅነት ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ኢትዮጵያ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመጸ ግዝኣት ናይ ምስፍሕፋሕ ልቦና ዘሎዋ ሃገር ምዃና ዘረጋግጽ እዩ።

ኣቢይ ኣሕመድ ግን ብመደረታቱን መግለጺታቱን ነየናይ ክፋል ሕብረተ-ሰብ እታ ሃገር ከለዓዕል እዩ ዝጽዕር ዘሎ? መብዛሕትኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ (ከም ኩሎም ህዝብታት ሳልሳይ-ዓለም ሃገራት) ከቢድ ሕይወት ዝመርሕን ምስ ዕለታዊ ናብራኡ ኣብ ምቅላስ ተጸሚዱ ዝነብርን ብምዃኑ፡ ነቲ ንሱ ዘንበድብዶ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕንደራ ክግደሰሉስ ይትረፍ ዝርድኦ’ውን ኣይኰነን። ስለዚ፡ ክረኽቦ ዝኽእል ድጋፍ እንተሃልዩ፡ ብገለ ልሂቃን’ታ ሃገር ዝወሃብ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ክካየድ ንዝጸንሐ ጐስጓስ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ዘርኣይዎ ግብረ-መልሲ ከምዝሕብሮ፡ ልሂቃን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ልዑላውነት ኤርትራን ዋንነት ወደብ ዓሰብን ብዘለዎም ዝተፈላለዩ መርገጺታት ኣብ ሰለስተ ጉጅለታት ክምደቡ ይኽእሉ።

(1) ሓደ ክፋል ልሂቃን ኢትዮጵያ፡ ልዑላውነት ሃገራትን ግዝኣታዊ ሓድነተንን ክኽበር ከምዝግባእ ዝኣምኑ ውልቀ-ሰባት ዝሓዘ ጉጅለ እዩ። ንሳቶም ነቲ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ዘንቀዶ ልዑላውነት ኤርትራ ናይ ምድፋርን መሬታ ምግባትን ኣጀንዳ ዝቃወሙ ኰይኖም፣ ተቓውምነቶም ከኣ ብተበላጺ ምኽንያታት ዝተደረኸ ዘይኰነስ መትከላዊ ሰረት ዘሎዎ እዩ፤
(2) ኣብ ካልኣይ ጉጅለ ዝስርዑ ልሂቃን፡ ብውሽጦም ናይ ምስፍሕፋሕ ባህጊ ዘለዎምን ይግባኣና ዝብልዎ መሬት ብሓይሊ ምግባት ዝኣምኑን እዮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናይ ኢትዮጵያ ምስፍሕፋሕ ዘፍቅዱ ኩነታት ብምዘይምንባሮም ግን፡ ሓቀኛ ስምዒቶም ብምሕባእ ዝኾነ ናይ ምምጓት፡ ምጽባእ ወይ ምትንዃል ዝንባሌ ከየርኣዩ ክጐዓዙ ጸኒሖም። ገለ’ውን ብዛዕባ ኤርትራ ሰናይ ነገራት ክዝራቡ ዝጸንሑን፡ ነታ ሃገርን ህዝባን ጽቡቕ ምንዮት ዘለዎም ዝመስሉ ዝነበሩን እዮም። እንተዀነ ግን፡ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሕቶ ምስኣልዓለ፡ ሓቀኛ መንነቶም ብምቕላዕ፡ ይብጽሓና እዩ ዝብልዎ ወደብ ዓሰብን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ብሓይሊ ክመልስዎ ምዃኖም ብድፍረት ክጭርሑ ይስምዑ ኣለው። እቶም ሕጂ ወራርን ኲናትን ክካየድ ከምዘይድግፉ ክዛረቡ ዝስምዑ ሓደ-ክልተ’ውን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሓድሕድ ግጭትን ካልእ ሽግራትን እናሃለወት ዝግበር ኲናት ከምዘይዕወት ብምርዳእ፡ “ግዜኡ ኣይኰነን” ብምባል ደኣ’ምበር ነቲ ናይ ምግባት ዕላማ ብምቋም ኣይኰነን። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ጀነራል ባጫ ደበሌን፡ “መሃል ሜዳ” ዩትዩብ ቻነል ኣዳላዊ ደሳለኝን ከም ኣብነት ኣባላት’ዚ ጉጅለ ይጥቀሱ።
(3) እዚ ጉጅለ’ዚ፣ ናይ ኤርትራ ናጽነት ዘይተዋሕጠሎምን፡ ሓደ መዓልቲ ብሓይሊ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላሳ ሕልሚ ሒዞም ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ሕኒን ክብሉ ዝጸንሑን ልሂቃን ዝርከብዎ ምትእኽኻብ እዩ። ኣባላቱ፡ መሬት እንዳማትካ ወሪርካ ግዝኣትካ ናይ ምስፍሕፋሕ ልቦና ዝተላበሱን፤ ኣቦታቶም ዘውርስዎም መስፍናዊ ኣተሓሳስባ ከም ሃይማኖታዊ እምነት ኣጽኒዖም ብምሓዝ፡ ምዕቡል ሊበራላዊ ፖለቲካ ከአንግዱ ዘይክእሉ ኣኽረርቲ እዮም። ስለዝዀኑ ከኣ፡ መራሒኦም ዝዘርገሖ ናይ ኣፍ-ደገ ባሕሪ መልእኽቲ ብቑጣዔ ብምድጋም ዝፍክሩ፤ ወራር ንኽካየድን ኲናት ንኽጅመርን ዝጉስጉሱ ልሂቃን ዝሓዘ ጉጅለ እዩ።

ኣቢይ ኣሕመድ ወግሐ-ጸብሐ መደረታትን መግለጺታትን ዝህብ፣ ንልሂቃኑ ከኣ ኣኼባታት፡ ዘተ፡ ሰሚናራት፡ መጽናዕትታት፡ ወዘተ… ከካይዱ ዝጐሳጉስ ዘሎ’ምበኣር ናይዘን ክልተ ዳሕረዎት ጉጅለታት ልሂቃን (ጉጅለታት 2ን 3ን) ድጋፍ ንምርካብ ዝዓለመ እዩ። ድምር ብዝሒ ኣባላት ክልትኤን ጉጅለታት ድማ፡ ኣብዝሓ ልሂቃን ናይታ ሃገር ከመዘቕውም ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ግምት እዩ።

ንኤርትራ ስግኣት ዶ ወይስ ሓደጋ?

ስርዓት ኣቢይ ኣሕመድን ደገፍቱን፡ ኢትዮጵያ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ብዘይምውናና ቁጠባዊን ንግዳውን ሃስያታት በጺሑና ደኣ ይበሉ’ምበር፡ እቲ ዘጐሳጉሱሉ ዘለዉ ሓቀኛ ምኽንያትስ ካልእ እዩ። ናብቲ ሒዞሞ ዘለው ፖለቲካዊ ዕንደራ ክኣትው ዝደፍኦም፡ እታ “ዓባይን ታሪኻዊትን” ዝብልዋ ሃገሮም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወደብን ገማግማዊ ግዝኣትን ዘይወነነት፡ ኣብ ጉዳያት’ቲ ባሕሪ ወሳኒ ተራ’ውን ዘይሃለዋ ዝብል ሕማሞም እዩ። ጸገሞም ብሓቂ ዘይኣዕጋብነት ናይ ክረኽብዎ ዝጸንሑ ኣገልግሎት ወደብ እንተዝኸውን፡ ነተን ብዙሓት ኣብ ጥቓኦም ዝርከባ ወደባት ምስዝውንኑ ጐረባብቲ ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ዘተን ምርድዳእን ምክያድ ደኣ’ምበር፡ ከምዚ ዝረአ ዘሎ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ወደብ ካብ ጐረቤት ሃገር ክትምንዝዕ ምፍርራርሕን ምጉብባዕን ዘድልዮ ኣይምዀነን ።

ኣቐዲሙ ከምዝተጠቕሰ፣ ኣቢይ ኣሕመድን ስርዓቱን ከጓሳጉስዎ ዝጸንሑ ናይ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ይግበኣና ጉዳይ፡ እንታይነቱን ሳዕቤናቱን ብዝተፈላለዩ ግዱሳት ወገናት ክግለጽን ክትንተንን ጸኒሑ እዩ። ገለ ካብኣቶም ከምዝብልዎ እንተዀይኑ፣ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ብዘሎ ሕድሕዳዊ ኩናት፡ ምድኻም ሰራዊት፡ ቁጠባዊ ሽግራት፡ ወዘተ… ምኽንያት፣ ኣቢይ ኣሕመድ ኣንጻር ኤርትራ ውግእ ክኸፍት ዘኽእሎ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ቁመና የብሉን። ካልኦት ከኣ፣ ጉዳይ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ዘልዕል ዘሎ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ውግእ ክኸፍት ዘይኰነስ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ካብ ውሽጣዊ ሽግራት’ታ ሃገር ንምጥምዛዝ፣ ተላዒሎሞ ንዘለው ናይ ኣምሓራ ሓይልታት ኣህዲኡ ደገፎም ንምርካብ’ዩ ይብሉ። ብዕጡቓት ሓይልታት ብዝወርዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ስዕረትን ብዝገጥሞ ዘሎ ውሽጣዊ/ግዳማዊ ተቓውሞታት ምኽንያት፡ ኣብ ስልጣኑ ነዊሕ ኣይጸንሕን’ዩ ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ሕጂ ከኣ ባዕሉ’ቲ መራሒ፡ ኣብ ሶማሊላንድ ወደብ ረኺብና ኢሉ ንዓለም ይእውጅ ኣሎ!!

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ርእይቶታት/ክስተታት፡ ናይ ጸላኢ ዓቕምን ኩነታትን ንምግምጋምን፡ ናይ ርእሰ-ምክልኻል መደባት ንምጽፋፍን ሓገዝቲ ክኾኑ ይኽእሉ። እንተዀነ ግን፡ መንግስቲ ኤርትራን ሰራዊቱን ቀንዲ ምርኰሳኦም፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ትዕዝብቲታትን ሓበረታን ደኣ’ምበር ኣብ ናይ ካልኣይ ኣካል ገምጋምን ኣቢይ ኣሕመድ ዝሰርሖም ድራማታትን ኣይኰነን። ስርዓት ብልጽግና ዝተፈላለዩ ናይ ተጻብኦ ምንቅስቓሳት ከካይድ — ሓይሊ ባሕሪ ክሃንጽ፡ ብሓገዝን ብዕድጊን ዝተረኽቡ ኣጽዋራት ውግእ ክጓርት፡ ናይ ሓይሊ ኣየር ምርኢትን ወተሃደራዊ ሰልፍታትን ከካይድ፡ ለይትን መዓልትን ሰብኣዊ ዓቕሙ ንኵናትን ንወራርን ክጐሳጉስ — ከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብንቕሓት ክከታተሎ ከምዝጸንሐን፡ ከየነኣኣሰ ከምስግኣት ዘይኰነስ ከም ዓቢ ሓደጋ ከምዝርእዮን ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ብቀዳምነት ዘተኩሩሉ ጉዳይ’ምበኣር እዚ ዝተባህለ ሓደጋ እዩ። ስለዝዀነ ከኣ፡ መንግስትን ሰራዊቱን ናይ ርእሰ-ምክልኻል ሃገራዊ ስትራተጂኦም ዝጠልቦ ኣወዳድባን ስርሒትን ኣብ ምትግባር ይርከቡ ኣለው።

እቲ ዘወትር ድጋፍ ህዝቡ ዘይፍለዮ፡ ንልዑላውነትን ድሕነትን ሃገሩ ክዋደቕ ወትሩ ድልው ዝኾነ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ንሃገሩ ወራር ካብ ዝተፈከረላ ዕለት ጀሚሩ፡ ንኹሉ እንተታት ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላዋት ገይሩ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዝርከብ ፈታዊን ጸላኢን ዝዛረበሉ ዘሎ ሓቂ እዩ። ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ሃገራውያን ኤርትራውያን ብወገኖም፣ ብስምዒትን ወንን ምስ ህዝቦምን ሰራዊቶምን ደው ከምዝብሉን፡ ከከም ክእለቶምን ዓቕሞምን’ውን ነቲ ሃገራዊ ዕማም ብግብሪ ከምድግፉን ዘጠራጥር ኣይኰነን። እንተ እቶም ሃገሮም ከዲዖም፡ ህዝቦም ጠሊሞም፡ መንነቶም ክሒዶም ምስ ዝመጸ ጸላኢ ናይ ምጉንባሕ ሕማም ዝሓደሮም ናይ ማሕበረ-ሰብና ፍጮታት ግን፣ ዕጫኦም ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ምስቶም ዝዓሰብዎም ሓይልታት ሓቢሮም ስዕረትን ውድቀትን ምቕባል ክኸውን እዩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,384ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles