ኖርወጃዊ ኮሚቴ ሽልማት ኖበል፡ ናይ 2019 እቲ ናይ ሰላም ሽልማት ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ክሽልሞ ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ዶብ ግጭት ብምፍታሑን ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዕርቂ ብምውራዱን ዝብል እዩ። ዶ/ር ኣብይ ኣብ ወርሒ ምያዚያ 2018 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ በቲ ናይ ኣልጀሪስ ስምምዕ መሰረት ኣብ 2002 በቲ ኮሚሽን ዶብ ዝተወሰነ ውሳነ ምሉእ ብምልኡ ተቐቢሉ ኣብ ተግባር ንኽውዕል ጻዊዒት ኣቕሪቡ ጥራይ ዘይኮነ ካብ መራሒ ኤርትራ እወታዊ መልሲ ረኺቡ ዓለም ዘዛርበ ወደኽደኽ ናይ ‘ፍቕሪ’ ምሉእ ዓለም ብኣንክሮ ክዕዘቦ ተራእዩ። ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ክልቲኦም መራሕቲ ሽልማት ብሽልማት ክኾኑ’ከለዉ ዶ/ር ኣቢይ ንበይኑ ከም ገባሪ ተኣምር ሰላም ተቖጺሩ ኣብ ታሕሳስ ናይ 2019 ሚልዮናት ህዝቢ ዓለም እናተዓዘብዎ ናይ ኖበል ሽልማቲ ምስ ሚሊዮናት ዶላራት ግንዖታቱን ተሓንጊጡ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።
ኣብቲ ፈለማ ገለ ዉሑዳት እቲ ን ዶ/ር ኣብይ እተዋህበ ሽልማት ዘይግባኣን ኣብቲ ዞባ ምሉእ ሰላምን ዕርቂን ኣይወረደን ዝብሉ እንተዘይተሳእኑ’ኳ፡ ገለ ድማ ኮንዶኾን ኢሎም ንግዜ ዝገደፍዎ፡ ገለ ሰባት ግና እዚ ንህዝቢ ኣማእኪሉ ንምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓረቐ ዘይኮነስ፡ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ካብቲ ዝጸንሖ ናይ ቀዝሒ ዓለም ዘውጽአ ኩነታት ጥራይ እዩ ክብሉ ተሰሚዖም።
ኩሉ ከምዝፈልጦ፡ እቲ ንሓጺር ግዜ ተኸፊቱ ዝተረገጠ ዶባት ክሳብ ሎሚ ነቶም ዉሑዳት ይግብኦም’ዩ ዝበሃሉ ብኣየር ካብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክመላለሱ ዝኽእሉ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ መሬት ተረጊጡ እዩ ዘሎ። እቲ ንሓጺር እዋን ምስተኸፍተ ዶባት፡ ህዝቢ ከም ዉሕጅ ማይ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክውሕዝ ዝጀመረ ናብ ናይ ቀደሙ ኩነታት ተመሊሱ፡ ብጉልባብ ጸልማትን ኣሻሓት እናኸፈለን ተሓቢኡ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግር ይግደድ ኣሎ።
እቲ ተስፋ ብዙሕ እዩ ኔሩ፡ ብፍላይ ብኤርትራዊያን። እቲ ብምስምስ ዘየተፈትሐ ዶብ፡ መንእሰያት ኣብ ዉትህድርና ዘእረገ ኩነታት ተኣልዩ፡ ሰላም ሰፊኑ ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ፡ ተመሃራይ ናብ ትምህርቱ፡ ሰራሕተኛ ናብ ስርሑ፡ ነጋዳይ ናብ ንግዱ ክምለስ ዓቢ ህንጥዩነት ኣሕዲሩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ባንዴራ ደሞክራሲ ከውለብልብ ቃል ዝኣተወ ኣብይ፡ ንሃገሩ ተሪፉ ንኤርትራ’ውን ካብቲ ዘላቶ ናይ ጸቕጢን ማእሰርቲን ከምትላቐቕን ከምቲ ናይ ኢትዮጵያ ቅዋማዊ መንግስቲ ንኽትከል ጽልዋኡ ከሕድር ብዙሕ ሰብ ተስፋ ኣሕዲሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኣሻሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍትሖም፡ ኣብ ኤርትራ’ውን ጽልዋ ኣሕዲሩ ብእምነቶምን ብፖለቲካን ኣብ ፈቐዶ ጎዳጉዲ ብህይወቶም እናሃለዉ ተቐቢሮም ዘለዉ ክወጹ ልቢ ብዙሕ ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ዓለም ብዓለሙ’ውን ተስፋ ኣሕዲሮም ኔሮም። ናይ ነገር ዞባና ጉዳይ ግዲ ኮይኑ ግና፡ ዶ/ር ኣብይ እቲ ተስፋ ተነቢርሉስ ናይ ኖበል ሽልማት ዘውሃቦ ጉዳይ ዶብ ኤርትራ ምፍታሕ ኣይኮነን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ምስግጋርን ዴሞክራታይዘሽን ዓንቢቡስ ንኤርትራ ክጸሉ ኣይኮነን፡ ኢትዮጵያ ሎሚ ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምሽላሙ፡ ናይ ፖለቲካ ሰባት ዝእሰሩላ፡ ፈቐዶኡ ሰባት ዝቕተሉላ፡ ህዝቢ ካብ ሓደ ክልል ናብቲ ካልእ ክኸይድ ናብ ዘይክእለላ ኩነታት ተሸሚማ ትርከብ። እቶም ኣብ ሃገሮም ዘሎ መወዳእታ ኣልቦ ዉትህድርና መሪርዎም ወይ ዝሓሸ ናብራ ክረኽቡን ናብ ካልእ ሃገራት ክኸዱ ብምሕሳብ ናብ ኢትዮጵያ ዝወሓዙ ኤርትራዊያን፡ ምሕዝነት ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ወጥሪ ኣእትይዎም ሎሚዶ ንውሰድ ጽባሕ ናብ ዝብልሉ፡ ኢትዮጵያ መዕቆቢት ዘይኮነስ መእሰሪቶም ከይትኸውን ዝፈርሕሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።
እሞ ነዚ ብኤርትራዊያንን ብኢትዮጵያዊያንን ጥራይ ዘይኮነ ብምሉእ ዓለም ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ምዕራፍ ክኽፈት ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ኩነታት ናብዚ ዘለናዮ ኩነታት ዘውረደ ጠንቂ እንታይ እዩ?
– ትሑት ብቕዓት መሪሕነት ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ?
– ሕቡእ ኣጀንዳን ሰብ ዘይተረደኦ ጥሙሕ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣቶ ኢሳያስን?
– ኣቶ ኢሳያስ ንዶ/ር ኣብይ ኣብ ትሕቲኡ ስለዘውደቖ?
– ዶ/ር ኣብይን ኣቶ ኢሳያስን ነቲ ክገብርዎ ዝደለዩ ወያነ ኣብ ማእከል ኮይና ዕንቅፋት ስለዝኾነቶም?
– ዶባት ከይሕንጸጽ ወያነ ምሕንጋዳ?
– ኣብ መንጎ ወያነን ኣቶ ኢሳያስን ዘሎ ጽልኢ ስለዘይተፈትሐ?
– ወይስ ካልእ?
ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ ከከምዝመስለናን ነቲ ዞባ ብዘለና ኣናብባን ክንትንትኖ ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግና፡ ምሽላም ኖበል ሰላም ንዶ/ር ኣብይ፡ ነቲ ዞባ ካብ ስግኣትን መከራን ክገላግሎ ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኮነስ እቶም ብድሕሪት ናይቲ ሽልማት ዝነበሩ ምዕራባዊያንንን ካልኦት ጸለውቲ ሓይሊታትን ነቲ ዝተዋህበ ሽልማት ኣብ ምልክት ሕቶ ኣውዲቖሞስ፡ ማዕከናት ዜና መዛረቢ ጌረናኦ ኣለዋ።
በየነ ሰመረ
10 ጥቅምቲ 2020