ሓደ ክፋል፡ውዱብ ሑቡራት ሃገራት ዝኾነ፥ፕሮግራም መግቢ ዓለም ፥ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጥሚየት ከም መሳርሒ ውግእ ንዝገብሮ ኣበርክቶ ንናይ ሎሚ ዓመት ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ከምዝኮነ ተፍሊጡ። በዚ መሰረት ከኣ ምስቶም ኣቐዲሞም ኖቤል ሰላም ዝተሸለሙ ተሸለምቲ መበል 101 ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ከም ዝፍለጥ ዝሓለፈ ዓመት 2019 ተሸላሚ ሰላም ኖቤል ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ አዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፥ን ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ን ፕረሲደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ ሕጹያት ከምዝነበሩ ይዝከር።