back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ኣብ ኤርትራ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ

ኣብ ኤርትራ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡  ብሶነ 26 ታሕሳት፡ 5.5 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ክራይስስ 24 ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ይሕብር። እቲ ምንቃጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመ፥ ካብ ኣስመራ ኤርትራ ኣስታት 150 ኬሎ ሚተር ንደቡባዊ ምዕራብ ምዃኑ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዝሕብር። ዕምቆቱ ናይቲ ዘጋጠመ  ምንቅጥቃጥ ምድሪ  ኣስታት 10 ኪ.ሜ  ንታሕቲ ምንባሩ እቲ ሓበሬታ  የረድእ።

እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፡ እቲ ምንቃጥቃጥ ኣብ ገለ ክፋል ማእከላይ ኤርትራን ከባቢ ዓዲ ቐይሕን  ሰሜናዊ ዶብ ኢትዮጵያ፡ ከባቢ ዓዲ ግራት  ተሰሚዑ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ። ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኾነ ጉድኣት ወይ ክሳራ ከምዘጋጠመ ዝሕብር  ጸብጻብ ዛጊት የለን። በቲ ዘጋጠመ ምንቃጥቃጥ ምድሪ ርኡይ ዝኾነ ጉድኣት ክበጽሕ ዘለዎ ተኽእሎ ድማ ጸቢብ  ምዃኑ ኢዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ። ይኹን እምበር ኣብ’ቲ ምንቅጥቃጥ ዘጋጠመሉ  ገለ ዕንወት ኣብ መባእታዊ ትሕተ ቅርጺ ክህሉ ከምዝክእል ይግመት። ብሰንኪ እቲ ክስተት ዘሰዓበ ጉዳይ ንምግምጋም ንሰብ መዚ ሰዓታት ክወስደሎም ከምዝኽእልን፡ ፍኹስ ዝበለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ውን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክረአ ከምዝኽእልን ክራይሲስ 24 ኣስዒቡ የረድእ።

ኣብዝተፈላለዩ ከባብታት ኤርትራ ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘለዎም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጥሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብቀረባ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2022 ኣብ ከባቢ ኣሰመራ 4.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles