ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ኣብ ኤርትራ 4.6 ሬክተር ዝዓቀኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ

ኣብ ማእከላይ ክፋል ኤርትራ ከባቢ ኣስመራ 4.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዝጋጠመ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝተረኽቡ ሓበሬታ የመልክት። እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሰንበት 5 ሰነ 2022 ብኣቆጻጽራ ኤርትራ ሰዓት 3:38 ድሕሪ ቀትሪ፡ 10 ኪሎ-ሜተር ዕምቆት ትሕቲ ምድሪ ከምዝተመዝገበ ተሓቢሩ።

ን መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ብ ስይስሞሎጂ ትካል ማእከል ምርምር ጂኦሳይንስ ጀርመን (GFZ) ክቀርብ ከሎ፡ ድሒሩ ብ ዜጋታት፡ ስይስሞግራፍ መርበብ ራስፕቤሪሼክ 4.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዝጋጠመ ኣብ መግለጺኡ ይገልጽ።
ማእከል ስነ-ምድራዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኤውሮጳ-ማእከላይ ባሕሪ (EMSC)፡ ተመሳሳሊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 4.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ከምዘጋጠመ ይሕብር።

ኣብ መባእታዊ መረዳእታ ዝተረኽበ ሐበሬታ ብዛዕባ እቲ ምንቅጥቃጥ ዝኾነ ርኡይ ዕንወት ከምዘይስዓበ ክግለጽ ከሎ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ከባቢ ማእከል እቲ ምንቅጥቃጥ ፍኹስ ዝበለ ምንቅጥቃጥ ብብዙሓት ሰባት ተሰሚዕዎም ክኸውን ከምዝኽእል ይሕበር።
ፍኹስ ዝበለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ከባቢ ዓዲ-ቀይሕ ባጽዕ መንደፈራን ካልኦት ቦታታን ዝቕመጡ ሰባት ተሰሚዕዎም ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ሓበሬታ ኣብሪሁ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከባቢ ባጽዕን ካልእን ኣስታት 3 ሬክተር ዝዓቀኒ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

1 × four =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

OPINION:- ክልተ ተደሚሩን ረቢሑን ኣርባዕተ’ዩ !!!

0
ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ከይዲ ንጹር ሓሳባዊ  መልሲ ዘየቀመጥካሉ ሕቶ  ተሓንጊጥካ ምምራሽ ማለት  ከም ምስ መዓልታዊ  ተገቲሩ ዝጸንሓካ ማዕጾ ገዛኻ  መዓልታዊ  ምግጫው ማለት ኢዩ ። ህውሓት...

HOME:- ሸርክነት ትካል ኩሉሊን መንግስቲ ኤርትራን ይብተኽ

0
ዳናኪል፥ ኣውስርትራልያዊት ኩባንያ፥  ኣብ ደንከል ንጥፈታት ዕደና ፖታሽ ምድህሳስን ነቲ ዕደና ዘድሊ ምምዕባል ትሕተ ቅርጺ ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝነበሮ ሓምሳ ምኢታዊ ...

HOME:- ናይ ወጻኢ ሓይልታት ን መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ የተዓናቕፎ ከምዘሎ ማይክ ሃመር ሓቢሩ

0
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማይክ ሃመር፡ ካብ ዕለት 5 መስከረም ክሳብ 16 መስከረም 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምብጻሕ ኣመልኪቱ ኣብ ማእከል...

Latest Articles