back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ማርሻል ፕላን ወይ ውጥን ማርሻል

ውጥን ማርሻል፡ እቲ ብፕሮግራም ምሕዋይ ኤውሮጳ ዝፍለጥ ውጥን ማርሻል፡ ድሕሪ ዕንወት ካልኣይ ውግእ ዓለም ንምዕራብ ኤውሮጳ ሓገዝ ንምሃብ ዝተወጸ መደብ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ኢዩ። እዚ ውጥን ብ1948 ብሕጊ ዝወጸ ኮይኑ፡ ኣብታ ኣህጉር ንዝካየድ ዳግመ ህንጸት ጻዕርታት ንምምዋል ዝሕግዝ ልዕሊ 15 ቢልዮን ዶላር ኣበርኪቱ። ሓሳብ ናይ’ቲ ብስሙ ዝተጠመቐ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ናይቲ እዋን ጆርጅ ሲ ማርሻል ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ኲናት ብኸቢድ ዝተሃስያ ከተማታት፡ ኢንዱስትሪታትን ትሕተ-ቅርጽን ዳግማይ ንምህናጽን ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ኤውሮጳ ዝነበረ ንግዳዊ ዕንቅፋታት ንምእላይን-ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ከምኡ ድማ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ንግዲ ንምዕባይን ዝዓለመ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ተወጢኑ ዝተዳለወ እዩ።

ኤውሮጳ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም

ድሕሪ ኲናት፥ ኤውሮጳ ኣብ ከቢድ ኩነታት እያ ነይራ: ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታታ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተቐቲሎም ወይ ብኸቢድ ቆሲሎም ነይሮም። ከም ብሆሎኮስት ዝኣመሰሉ ከበድቲ ገበናት ወን ተፈጽሞም።

ብዙሓት ከተማታት – ማእከላት ኢንዱስትርያውን ባህላውን ለንደን፡ ድሬስደን፡ በርሊን፡ ኮሎኝ፡ ሊቨርፑል፡ በርሚንግሃምን ሃምቡርግን ሓዊስካ – ብኸፊል ወይ ምሉእ ብምሉእ ዓንየን ነይረን። ንማርሻል ዝቐረበ ጸብጻባት፡ ገለ ዞባታት እታ ኣህጉር ኣብ ኣፍደገ ጥሜት ከምዘለዋ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ሕርሻውን ካልእ ምህርቲ መግብን በቲ ውግእ ስለዝተበታተነ።

ብተወሳኺ፡ ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ ናይቲ ዞባ፡ ማለት ባቡር፡ ኤሌክትሪክ፡ መሳለጥያታት ወደባት፡ ጽርግያታት፡ ቢንቶታትን መዓርፎ ነፈርትን – ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ኣየርን መጥቃዕቲ መዳፍዕን ሰፊሕ ዕንወት ኣጋጢምዎ ስለ ዝነበረ፡ መርከባት፡ መራኽብ ብዙሓት ሃገራት ድማ ወዲቑ ነይሩ።

እቲ ብመሰረት ውጥን ማርሻል ዝተዋደደ ዳግመ ህንጸት፡ ኣብ ዳሕረዋይ ፍርቂ ዓመት 1947 ናይተን ተሳተፍቲ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተቐረጸ እዩ። ብፍላይ ድማ ንሕብረት ሶቭየትን ሳተላይት ሃገራት ናይ ሕብረት ሶቨየትን ዕድመ ተገይሩለን ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሕ.መ.ኣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቶም እዶም ከይተእቱ ከብዝነበረን ስግኣት ኣብቲ ውጥን ኣይተሳተፋን።

 ትሩማን ንውጥን ማርሻል ኣጽዲቑ

ፕረዚደንት ሃሪ ትሩማን ብ 3 ሚያዝያ 1948 ንውጥን ማርሻል ዝፈረመ ኮይኑ፡ ን16 ሃገራት ኤውሮጳ፡ ንብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ቤልጅየም፡ ሆላንድ፡ ምዕራብ ጀርመንን ኖርወይን ሓዊሱ ሓገዝ ተዓዲሉ። ኣገዳስነት ዕቤት ኣመሪካ ንምጉላሕ፡ እቲ ኣብ ሓገዝ ዝተዋህበ ቢልዮናት ብውጽኢታዊ መገዲ፡ ልግሲ ዝመልኦ 5 ሚእታዊት ካብ ናይ’ቲ እዋን ዝነበረ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ኣመሪካ ምባሩ ይሕበር።

ውጥን ማርሻል እንታይ እዩ ነይሩ?

ውጥን ማርሻል፡ ኣብ ሓፈሻዊ ኣታዊ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሃገር ምርኩስ ብምግባር ሓገዝ ዝህብ ኮይኑ፡ ዝዓበየ መጠን ገንዘብ ንዓበይቲ ኢንዱስትርያዊ ሓይልታት ከም ምዕራብ ጀርመን፡ ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ኣውሂቡ። እዚ ድማ ኣብዘን ዓበይቲ ሃገራት ምሕዋይ ንሓፈሻዊ ምሕዋይ ኤውሮጳ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት ማርሻልን ኣማኸርቱን ዝተመርኮሰ እዩ ነይሩ።እንተኾነ ግን ኩሎም ተሳተፍቲ ሃገራት ብማዕረ ኣይተጠቕሙን። ከም በዓል ጣልያን ዝኣመሰላ ኣብ ጎኒ ናዚ ጀርመን ምስ ሓይልታት ኣክሲስ ዝተዋግኣ ሃገራትን እተን ገለልተኛታት ዝጸንሓን (ንኣብነት ስዊዘርላንድ) ብመንጽር ካብተን ምስ ኣመሪካን ካልኦት ሓይልታት ኪዳንን ዝተዋግኣ ሃገራት፡ ዝወሓደ ሓገዝ ከምዝረኸባ ኢዩ ዝንገር።

እቲ ፍሉይ ዝገብሮ ምዕራብ ጀርመን እዩ ነይሩ: ዋላ እኳ ኩላ ጀርመን ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዓቢኡ እንተተሃስያ: ተግባራዊትን ዳግማይ ህይወት ዝረኸበትን ምዕራብ ጀርመን ንቁጠባዊ ምርግጋእ እቲ ዞባ ኣገዳሲት ኰይና እያ ተራእያ። እዚ ድማ ከም ግሉጽ መግናሕቲ ንኮሚኒስታዊ መንግስትን ቁጠባዊ ስርዓትን ምብራቕ ጀርመን ንጹር ኢዩ ንየሩ።ብድምር ዓባይ ብሪጣንያ ብግምት ሓደ ርብዒ ናይቲ ብመሰረት ውጥን ማርሻል ዝወሃብ ጠቕላላ ሓገዝ ክትረክብ እንከላ፡ ፈረንሳ ድማ ትሕቲ ሓደ ሕምሲት ናይቲ ገንዘብ ተዋሂብዋ።

ዝሑል ኲናት

ኣብ ርእሲ ቁጠባዊ ዳግመ-ምምዕባል፡ ሓደ ካብቲ ዝተገልጸ ዕላማታት ውጥን ማርሻል፡ ኣብ ኣህጉር ኤውሮጳ ዝርግሐ ኮሚኒዝም ደው ምባል እዩ ነይሩ። ምትግባር ውጥን ማርሻል ኣብ መንጎ ኣመሪካን መሻርኽታ ኤውሮጳን ሕብረት ሶቭየትን ዝሑል ኲናት ከም ዝጀመረ ይጥቀስ፣ በዚ ድማ ኣመሪካ ንመብዛሕትኡ ማእከላይን ምብራቓውን ኤውሮጳ ብኣድማዒ መንገዲ ተቖጻጺራ ሳተላይት ሪፓብሊካታ ከም ኮሚኒስታዊ ሃገራት መስሪታ ነይራ። ውጥን ማርሻል፡ ኣብ 1949 ኣብ መንጎ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝተመስረተ ወተሃደራዊ ምሕዝነት ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንምቛም እውን ከም ቀንዲ መበገሲ ይቑጸር።

ጽልዋ ውጥን ማርሻል

ድሕሪ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ሓቀኛ ቁጠባዊ ረብሓ ውጥን ማርሻል ብዙሕ ክትዕ ኣካይዱ እዩ። ብርግጽ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ውጥን ኣብ ግብሪ ኣብ ዝወዓለሉ እዋን፡ ምዕራብ ኤውሮጳ ድሮ ኣብ ጽቡቕ መንገዲ ሕውየት  ከም ዝነበረት ይሕብሩ። ከምኡ’ውን፡ ብወገን ኣመሪካ ርኡይ ወፍሪ እኳ እንተተገብረ፡ እቲ ብመሰረት ውጥን ማርሻል ዝቐረበ ገንዘብ፡ ካብ ድምር ሃገራዊ እቶት ናይተን ዝተቐበላ ሃገራት ትሕቲ 3 ሚእታዊት እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ኣብቲ እቲ ውጥን ኣብ ግብሪ ዝወዓለሉ ናይ ኣርባዕተ ዓመት እዋን ኣብዘን ሃገራት ብተዛማዲ ትሑት ዕብየት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ከምዘርኣየ ተገሊጹ። እዚ ክበሃል ከሎ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዓመት ናይቲ ውጥን፡ ማለት ኣብ 1952፡ ቁጠባዊ ዕብየት ናይተን ገንዘብ ዝረኸባ ሃገራት፡ ነቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ደረጃ ሓሊፉ፡ እዚ ድማ እንተወሓደ ብቑጠባ ኣወንታዊ ጽልዋ ናይቲ መደብ ሓያል መርኣዪ እዩ።

ፖለቲካዊ ሓድጊ  ውጥን ማርሻል

ኣብ ፖለቲካዊ መዳዩ፡ ሓድጊ  ውጥን ማርሻል ግና ዝተፈለየ ታሪኽ ከም ዝነግር ብዘየማትእ መንገዲ ይግለጽ። ኣብቲ ምብራቓዊ ብሎክ ዝበሃላ ሃገራት ሶቭየት ኣብቲ ውጥን ምክፋል ምሕሳመን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ተበግሶ ብርግጽ ነቲ ድሮ ኣብታ ኣህጉር ሱር ክሰድድ ዝጀመረ ምፍልላይ ኣደልዲልዎ። ብተወሳኺ፡ ትካል ማእከላይ ስለያ  (ሲኣይኤ)፡ ትካል ምስጢራዊ ኣገልግሎት ኣመሪካ፡ ካብቲ ብመሰረት ውጥን ማርሻል ዝተመደበ ገንዘብ 5 ሚእታዊት ከም ዝረኸበ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ሲኣይኤ ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ንረብሓታት ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ዘሳጉማ ከም ቅድመ ግንባር ዘገግላ ንግዳዊ ትካላት ንምምስራት ተጠቒሙ። እቲ ትካል ኣብታ ኣብቲ እዋን’ቲ ሶቭየት ሳተላይት ሃገር ዝነበረት ዩክሬን ንዝካየድ ጸረ ኮሚኒስት ናዕቢ’ውን ከምዝመወለ ይንገር። ብሓፈሻ ግን ውጥን ማርሻል ብሓፈሻ ንመሓዙት ኤውሮጳውያን ኣመሪካ ብዝሃቦ ኣዝዩ ዘድሊ ድፍኢት ይንኣድ ነይሩ። ጆርጅ ሲ ማርሻል ከም ነዳፊ ናይቲ ውጥን ባዕሉ “ፖሊሲና ኣንጻር ዝኾነት ሃገር ዘይኮነስ ኣንጻር ጥምየት፡ ድኽነት፡ ተስፋ ምቑራጽን ህውከትን እዩ” ኢሉ ምባሩ ሰነዳት ይብሩ። ንውጥን ማርሻል ካብቲ ኣብ መጀመርታ ዝተመደበሉ ኣርባዕተ ዓመት ንላዕሊ ንምንዋሕ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ብሰንኪ ኣብ 1950 ዝተወለዐ ኲናት ኮርያ ደው ኢሉ። እተን ብመሰረት እቲ ውጥን ገንዘብ ዝረኸባ ሃገራት እቲ ገንዘብ ብመልክዕ ድጋፍ ስለዝተቀበላ ንኣመሪካ ክኸፍላ ኣይነበርንን፡  ይኹን እምበር እተን ሃገራት ንመተግበሪ እቲ ውጥን ዝወጸ ምምሕዳራዊ ወጻኢታት ንምሽፋን ብግምት 5 ሚእታዊት ናይቲ ገንዘብ መሊሰንኦ እየን።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles