Troy እትብል ፊሊም ኣብ 2004 እተሰርሐት ታሪኻዊት ድራማ ክትከዉን እንከላ፡ ዓለም ለኻዊ ተፈታዉነት ዝረኸበት ኣብ ቦክስ ኦፊስ ድማ #60 ደረጃ ሒዛ ትርከብ፡፡ ፊልም ትሮይ ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ግሪኻዉያን ተሞርኲሳ ዝተሰርሐት ፊሊም እያ፡፡ ሎሚ ብዛዕባ እታ ፊሊም ኣይኮንኩን ክዕልለኩም። ንእግረ መንገደይ ግና ክትርይዋ እምሕጸነኩም፡፡ ፊሊም ትሮይ ዋላ’ኳ ብሄለን ኦፍ ትሮይ እትፍለጥ እንተኾነት፡፡ ልዕሊ ኩሉ ግና በቲ ትሮጃን ፈረስ እያ እትፍለጥ፡፡ ታሪኽ ትሮጃን ፈረስ ካብቲ ዉግእ ትሮጃን ተባሂሉ ዝፈለጥ ዝተረኽበ እዩ፡፡ ግሪኻዉያን ኣብ ዉግእ ትሮጃን ምስ ትሮይ [ኣብ ምዕራባዊ ቱርኪ ከምዝነበረት ትግመት] ኲናት ኣብ ዝገጠምሉ ነታ ዕርድቲ ዝነበረት ከተማ ትሮይ ካኣትዉዋ ተሸጊሮም ነበሩ፡፡ ብድሕር’ዚ ኦድየሰስ ዝተባሃለ ወተሃደር ዓቢ ፈረስ ሰርሐሞ ኣብ ዉሽጡ ካብቶም ሓያላት ወተሃደራት ከምዝሕብኡ ብምግባር ነቲ ፈረስ ናብቲ ኣፈደገ እታ ዕርድቲ ትሮይ ኣምጽዎ፡፡ እቶም ኣብ ትሮይ ዝነብሩ ዝነበሩ ትሮጃንስ እቲ ፈረስ ነቲ ናይ ኣተና ኣምላኾም ህያብ ዘምጽሎም መሰሎም ነቲ ደጌታት ብምኽፋት ድማ ንዉሽጢ ኣእተዉዎ፡፡ ብድሕርዚ እቶም ኣብቲ ዉሽጢ ፈረስ ተሓቢኦም ዝንበሩ ብለይቲ ብምዉጻእ ንትሮይ ኣቃጸልዋን ኣዕነዉዋን ትሮይ ድማ ከምዘይነበረት ኮነት፡፡
ነፍሲ ወከፍና ንትሮይ ዘዕነወ ትሮጃን ፈረስ ኣሎና፡፡ ንፈትዎን ንደልዮን ብኡ ዝመጸና ድማ ኣይንፈቱን ዉጽኢቱ ድማ ኣብ ጥዕናና ኮነ ማሕበራዊ ናብራና ይሃስየናን፡፡ሎሚ ብዛዕባ ዉልቅና ዘይኮነ ከም ሕብረተሰብ ወይ ሃገር ትሮጃን ፈረስ ዝኾነና እንታይ እዩ? ቢልና ክንሓስብ ሰናይ ይመስለኒ። ትሮጃንስ ኣብ ኣማልኽቶም ሓያል እምነት ነበሮም እሞ፡ ነቲ ካብ ጸላእቶም ዝተቐረበሎም ፈረስ ኣብ ክንዲ ሓሲቦምን ተመራሚሮምን ክጥንቀቑ ዝግብኦም ካብኡ ሓሊፎም ድማ መጠንቀቕታ ናይቶም ካህናቶም ክሰምዑ ኣይከኣሉን፡፡ ዉጽኢቱ ድማ ዘሕዝን ኮይኑ፡፡ ሎሚ ኣብ ዓለምና ዘለዉ መራሕቲ ነቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ ፈረሱ የናድዩ እሞ እሱር ናቱ ይገብርዎ፡፡ ሎሚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቶም ንነዊሕ ዘመን ክርስትያናት ብምባል ንነብሶም ዝጽዉዑ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዝደልይዎ ፈረስ ስለ ዝመጾም ነቲ መሰረታዊ ኣስተምህሮ ክርስትና ዕሽሽ ብምባል ኣብ ፍጹም ዉድቀት ከም ዝኣተዉ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጹ፡፡ ናይ ጎረቤትና ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተር ‘ዉን ነዚ ኣብነት ብምኽታል ኣብ ክንዲ መሰረታዊ ፍልስፍናዊ ሓሳብ ህንጸት መንግስቲ ተጠቒሙ ናብ ዝሓሸ ምዕባለ ክሰጋገር ዝፍትን ካብ መፈለምታ ነቲ ህዝቢ ክሕዘሉ ዝኽእል “የቀን ጅቦች” ዝመሳሰሉን ሓሳባት ብምልዓል ኣብ ልቢ ህዝብታት ክሰፍር ሃቀነን ይህቅን ኣሎን፡፡
ልዒለ ዝጠቐስክዎ ገለ ኣብነት እንተኾነና ብምባል እየ እስከ ሕጂ ድማ ብዛዕባ ሃገርና ክንዛረብ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ
ንስለ ናጽነት መሪር መስዋእቲ ዝኽፈለ ህዝቢ እዩ፡፡ ገለ ገለ ጽሑፋት ከም ዝሕብርዎ ካብ 1950 ክሳብ ዕለተ ናጽነት ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ዝኣኽሉ ደቂ ሃገር ሂወቶም ከም ዝሰኣኑ ይገልጹ፡፡ ነፍሲ ወከፍ ቤተሰብ መስዋእቲ ወይ ሞት ብሰንኪ ምግዛእቲ ዘይተንከያ ቤተሰብ ኣላ ኢልካ ክትዛረብ ኣይከኣልን፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስዉኣቱ ልዑል ኣኽብሮን ኣድናቖትን ኣለዎ፡፡ብእኦም ዝመጾ ኣይፈቱን እታ ሃገር ድማ ፍረ መስዋእቲ ደቁ ስለ ዝኾነት ክትድፈር ኣይፈቅድን፡ ስለዝኾነ ድማ ተደፊራ ምስ ተባህለ እንደገና መስዋእቲ ክኸፍል ድሕር ኣይበለን፡፡ ነዚ መስዋእቲ መዝሚዞም ንረብሕኦም ዝልዉጥዎ ደቂ ሃገር ግና ኣይተሳእኑን፡፡ ሓደ ካብኦም እቲ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደንት እሰያስ ኣፍወርቂ’ዩ፡፡
ፕረዚደንት ከምዚ ሕጂ ከምዘይ ከሰረ ከይተረድኦ እንከሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝገብሮ ቃለ መጠየቕን መደረን ስዉኣት የልዕል፡ ንዝኾነ ክኣስሮ ዝደለየ ብጥልመት ስዉኣት ይኸሶ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዝተሃንጸ ሓወልቲ ስዉኣት ብኽንክን ንኽተሓዝ ይእዝዝ፡፡ ኣብ ግዜ ኩናት ንዝፈረሰ ሓወልቲ ስዉኣት ልዕሊ እቶም ኣብቲ እዋን ዝተኸስሩ ሂወታዉያን ክዝረበሉ ይገብር፡፡ እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ፡፡ ከም መራሒ ሃገር ብዛዕባ ስዉኣት ኣይትዛረብ ኣይኮነን ቁም ነገሩ። የግዳስ ትርጉም መስዋእቲ በቲ ልክዑ ክነግር ክኽብር ክፍጽም ዘይምኽኣሉ እንበር፡፡ ብዘይ መስዋእቲ ሃገር ዝኾነት እንተላ ኣይፈልጥን። ካብታ ርእሰ ሓያላት ዝኾነት ኣመሪካ ክሳብ ኤዉሮፓን ኣስያን ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ረዚን መስዋእቲ ዝኸፈላ ሃገራት ቁጽረን ሒደት ኣይኮነን፡፡ ኣብ ምምስራት ሃገራት መስዋእቲ ናይ ግድን ክኸዉን እትግደደሉ እዋን ሒደት ኣይኮነን፡፡ ንሕና ኤርትራዉያን ድማ ሃገር ክንከዉን መስዋእቲ ክንከፍል ኔሩና፡፡ እዚ መስዋእቲ ድማ ንሓድሕድናን ምስ ጸላእን ብምዉጋእ ከፊልናዮ፡፡ መስዋእትና ግና ንሒደት ብስም ስዉኣት ከም ድላዮም ዝሻድኑላ ሃገር ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ሒደት ንዝሓተተ ጥዑዩ ስንኩሉ ተጋዳላይ ብጥልመት ስዉኣት ምኽሳስ፡ እምነቱ ክገልጽ ንዝፈተነ ብመስዋእቲ ዘምጻእናያ ሃገር፡፡ ንቡር ኣኼባን ትግባረ ቅዋምን ንዝሓተቱ መራሕቲ ብሕድሪ ስዉኣት ምጥላም ምዉንጃል፡፡ ንጋዜጠኛታት ብጥሕሰት ሕጊ ምኽሳስ … ወዘተ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንህግደፍን ስነ-ሓሳቡን ንዝተቓወመ ንስዉኣት ከም ዝጠለመ ጌርካ ምቑጻር ኣብቲ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ዜጋታት ደቂ ሃገር ዘሎ ስነ ሓሳብ እዩ፡፡ እዚ ዘርእየካ እንተሎ ድማ፥ ኣብ መስዋእቲ ዘሎና ኣተራጓጉማ ቅኑዕ ከምዘይኮነ እዩ፡፡ እዞም ኩሎም ብጥልመት ዝኽሰሱ ኣካላት ኣካል ናይቲ መስዋእቲ እዮም፡፡ ስለዝኾነ ስዉኣት ኤርትራ ነቲ ሓረስታይን ምሁሩን፡በዓል ስልጣንን ተራን ማዕረ ይብጽሖ፡፡እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ንዕላማ መዋእቲ ብቕኑዕ መስመር ዘተግብር ኣካል እንበር ብስም ስዉኣት ዘደናግር ኣካል ኣይኮነን፡፡ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግና ኣብ ሃገርና ዘሎ መራሒ ከምቲ ግሪኻዉያን ንትሮጆናዉያን ድኹም ጎኖም ኣጽኒዕም ፈረስ ብምስራሕ ዝሰዓርዎም ፕረዚደንት እሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ በቶም ዘፍቅሮምን ዘኽብሮምን ስዉኣቱ እናሸቀጠ ኣደዳ ተወሳኺ መስዋእትን ስደትን ማእሰርትን ጌርዎ ይርከብ፡፡ ንሕና ኤርትራዉያን ትርጉም መስዋእትን ዕላምኡን ብግቡእ ክንርዳእ እንተዘይ ክኢልና እዚ ንሃገርና ዝመርሕ ዘሎ ስልጣን ናብ ዉሉዱ ከምዘየሳግሮ ምንም ዉሕስነት የብልናን፡፡ ብርግጽ ኣንፈቱ ናብኡ ገጹ የብሎ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ናይ ዉሽጢ ፈለጥቲ ይዛረቡ፡፡ መስዋእቲ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ሃገርና ብሰላም ክንነብር፡ ዝመረጽናዮ እምነት ክንክተል፡ ዝኣመንናሉ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ክነካይድ፡፡ ነጻ ናይ ኣተሓሳስባ መስመር ክህልወና፡ ዘርብሓና ቁጠባዊ ቀመር ክንፈጥር፡ ኣብ ባህ ዝበለና ክንስፍር ብዘይ ቀይዲ ክንንቀሳቓስ፡ ብናጽነት ክንጽሕፍን ክንዛረብን እንተዘይ ክኢልና መስዋእቲ ዜጋታትና ተኸቢሩ ማለት ሓሶት’ዩ፡፡
ሰናይ ቅነ