ኣባል ባይቶ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብራድ ሸርማን፤ ምስ ኣመኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ሰፊሕ ዝርርብ ከምዝካየደ ብምሕባር፤ ብርክት ዝበሉ ነጥቢታት ዝሓዘ ምሕጽንታ ናብቲ በዓል ስልጣን ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ። ብራድ ሸርማን ኣብ ቱዊተር ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዘሰፈሮ ሓሳብ ከምዘነጽሮ፤ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ እንተዘይወጽዩ፤ እገዳ ኣብ ልዕሊ ፕርዝደንት ኢሳይያስ ክግበር፤ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ንኤርትራ ዝኹንን እማመታት ክቐርብን ዝብሉ ስጉምታት ክውሰድን ጸዊዑ። ብተወሳኺ፤ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራ ዝኸፍልዎ 2% ዝምልከት ምርመራ ክግበር ክምሕጸን ከሎ፤ “ኣድላዪ ምስ ዝኸውን” ይቢል ብራድ ሸርማን፤ ኣንጻር ኤርትራ ካብ ደገ ተእትዎም ናይ ምቾት ንብረት ዝበሎ ወፍሪ ክግበር ጸዊዑ።
Last Thursday, I had an extensive discussion on #Tigray and #Ethiopia with National Security Advisor @JakeSullivan46, who clearly has an extensive knowledge of this tragic conflict. [A Thread]
— Congressman Brad Sherman (@BradSherman) November 14, 2022
ብዘይካ’ዚ እቲ ኣባል ባይቶ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቂ ሰላም ንክሰፍን፤ ሰራዊት ኤርትራ ንሓዋሩ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ኣለው ይቢል። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝምልከት ድማ፤ ኣብ ልዕሊ ኢታ ሃገር ጽኒዑ ዝጸነሐ እገዳ AGOA ፤ ክሳብ፤ መግብን መድሃኒት ንዑኡ ዘድሊ ነዳዲን ብዘይገደብ ናብ ትግራይ ዝኣቱ፤ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታት ናብ ትግራይን ኩሎም ተጋሩ ብኣልማማ ተሓዩሮምሉ ዘለዉ ኑቕጣታትን ዝበጽሑን ወዘተ ዝብሉ ነጠብታት ክሳብ ዝማልኡ እቲ እገዳ ክጸንዕ ተማሕጺኑ።
ንክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸነሐ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ከንያን ብዝተብጽሑ ስምምዓት ደው ኢሉ ምህላይ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ብዙሓት ወገናት ክጸዉዑ ጸኒሖም ኣለው። ብግሉጽ ሓይልታት ኤርትራ ኢሉ ‘ኳ ኣንተዘይጠቐሰ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ከንያ ዝተብጸሐ ስምምዕ፤ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ጎኒ ጎኒ ምውጻእ ሓይልታት ወጻኢ ከምዝካየድ ሰፊሩ ኣሎ። ብዙሓት ወገናት ድማ፡ እዚ ሓይልታት ወጻኢ ተባሂሉ ዘሉ ሰራዊት ኤርትራ ምዃኑ ኢዮም ዝበልጹ። ይኹን እምበር ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣበይ ከባቢታት ከምዘሎን፤ እቲ ክወጸሉ ዝድለ ዘሎ ድማ እንተላይ ባድመን ከባቢታት ኢሮብን ምዃኑን ዘይሙዃኑን ንጽር ኣይኮነን።