back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

45 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝመቱ ተሓቢሩ።

ማልታ ታይሚስ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ገጻ ዘስፈረቶ ጸብጻብ ከም ዝሕበሮ፤ ብሶኒ ዕለት 17 ነሓሰ 2020፤ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝሓሰቡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቅባን፣ እቶም 45 ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ተፈሊጡ። እቲ ዜና ብተወሳኺ፤ 37 ካብቶም ኣብታ ሓደጋ ዘጋጠማ ጀልባ ዝደሓኑ ስደተኛታት፤ ብገፈፍቲ ዓሳ ከም ዝደሓኑን፤ በቲ ኣብ ጥቃ ከተማ ዝዋራ ሊብያ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝመቱ ድማ 5 ቆልዑ ከም ዝርከቡ፤ ትካል ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቅባን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ክትብል እታ መርበብ ሓበሬታ ጸብጺባ። ቀንዲ ካብ ሃገራት ጋና፤ ማሊን ጫድን ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ድሕሪ ምምላሶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ትካል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለማዊ ውድብ ስድተኛታትን ኣፍሊጦም ክብል እታ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ ኣሎ። ኣብዚ ብዕለት 17 ነሓሰ ዘጋጠመ ሓደጋ፤ ኤርትራዊያን ነይሮም ዶ ኣይነበሩን ዝብል ክሳብ ሕጂ ዝተረጋገጸ ሓበሬታ እኳ እንተዘየለ፣ ኣብ ቤት ማእሰርታት ሊብያ ግን ብዙሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ብተደጋጋሚ ክሕበር ጸኒሑ ኣሎ።

ሃገራት ኤውሮጳ፤ ዋሕዚ ስደተኛ ንምዕጋት፤ ንህይወት ኣድሕን ዝግበር ወፈራታት ደው ከም ዘበለኦን፤ ኣብ ህይወት ኣድሕን ንዝተዋፈራ መራኸብ ግብረ ሰናይ ውን ከተዓናቕፉ ከም ዝጸነሓን ዝተፈላለዩ ወገናት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ንስደተኛታት ካብ ኣፍሪቓ ደው ንምባል፤ ሕብረት ኤውሮጳ፤ ዝተፈላለየ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ፖሊስታት ይኽተል ከም ዘሎን፤ ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብታ ብኲናት ሓድሕድ ትሕነስ ዘላ ሊብያ ተዓጊቶም ከም ዝርከቡ ዓለም ለኻዊያን ትካላት ሰብኣዊ መሰል ይሕብራ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,374ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles