back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

እስራኤል ኣስታት 40 ሰባት ብሓደጋ ምፍራስ መድረኽን ጽቕጥቅጥን  ሞይቶም

ብሓሙስ ዕለት 29 ሚያዝያ ልዕሊ 100,000 ዝተሳተፍዎ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል እምባ ሜሮን ዝተጸንበለ ላግ ባ’ኦሜር ብዝፍለጥ ሃይማናታዊ ፈስቲቫል፡ ክጽንብሉ ዝተኣኻኸቡ እስራኤላውያን፡ ብዝተፈጥረ ምስባር ናይ መድረኸ፡ ጻዕቅን ጽቅጥቅጥን፡ ኣስታት 40 ሰባት ከምዝሞቱ ጋዜጣ ሃረጽ ኣፍሊጣ።

እታ ጋዜጣ ኣስታት 50 ዝቆሰሉን፡ 20 ኣብ ከቢድ ጉድኣት ከምዘለዉን ብምሕባር፡ እቲ ፍጻመ ድሕሪ ዝተፈጠረ ጻዕቂ ህዝብን ገለ ካብቲ ዝነበረ መድረኽ ኮፍ መበልን ምውዳቆምን ዝተላዕለ ሙዃኑ ንገለ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብጥቃስ ገሊጻ። ብተወሳኺ ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ እቲ ጻዕቂ ብሰንኪ ፖሊስ ኣብ መውጽኢ ዝፈጠርዎ ሽግር ዝተፈጠረ ጻዕቕን ጽቕጥቅጥን ሙዃኑ ከምዝሓበሩ ጠቂሳ።

እዚ በዓል ካብ ናይ ቅድሚ ሒጂ ዝበዝሐ ተሳታፊ ከምዝነበሮ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ መስርሕ ምድሓን ህይወት ብዙሓት ኣምቡላነሳትን፡ 6 ሆሊኮፕተርን ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ ለይቲ ዘይሰርሕ ናይ ባቡር ኣጎልጉሎት፡ ነቲ ጻዕቂ ንምጉዳል ካብ ሰሜናዊ እስራኤል ካርሜል ንተል ኣቪቭ ህዝቢ የመላልስ ምህላዉ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ በቲ ዘጋጠመ ሓዘኑ ብምግላጽ፡ “ንዝተጎድኡ ክድሕኑ ንጽሊ ኣለና” ክብል ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ሓጺር ጽሑፍ ሓቢሩ።

ኣብ እስራኤል ኣብ ዝግበሩ ሃይማኖታውያን በዓላት፡ ሃይማናታውያን ስድራቤታት (Orthodox Jews) ብብዝሒ ከምዝሳተፍዎን፡ ብዙሕ ግዜ ጻዕቂ ከምዘጋጥምን ይፍለጥ።

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles