back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ንሕናን ሓሳባትናን ንትስፍዉ መጻኢ

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝተላለኽዎ ሓደ ሓዉ ናይ ይቱዩብ ቻነል ክኸፈት መደብ ከም ዘለዎ ብምሕባር ዘለኒ ርእይቶ ሓተተኒ፡፡ብድሕርዚ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ስፍሕ ዝበለ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጥና ዝርርብና ዉጽኢታዊን ፈረ ዘለዎን ብምንባሩ ተመሳጊንና ተፈላለና፡፡ንዜጋታቱ ንዝገብሮ ኣበርክቶ ኩሉ ሰናይን ዓወትን እምነየሉ፡፡ እንበኣርከስ ካብዚ ብምብጋስ’የ ንሎሚ ሃናጺ ዝበልክዎ ሓሳበይ ከካፍለኩም መሪጸ፡ ተስፋ ይገብር ድማ ሒደት ጠቐምቲ ሓሳብ ክትረኽብሉ፡፡

መበገሲ ጽሑፈይ ከትኮነኒ ዝመረጽክዋ ናይጀርያዊት [Novelist Chimamanda Adichie ] “the dangers of a single story” ብዝብል ሓሳብ ኣብ TED TALK ዘቕረበቶ ሓሳብ’ዩ፡ ንዝሃበቶ ሓሳብ ብጽሞና እንተሰሚዕናዮ ብርግጽ ብርክት ዝበለ ቁምነገር ኣይንስእነሉን ኢና፡፡[ክተሰምዕዋ እምሕጸን] እንበኣርከስ ካብዛ ሓሳብ ተበጊስና ህልዉ ኩነታት ኣብ ኣጠቓቕማ ሶሻል ሜድያ ክንድህስስ ክንፍትን ኢና፡፡ ምናልባት ኣብዚ ኣጉሊሐ ክጠቕሶም ደልየ ዘለኹ ነቶም ንሕብረተሰብ ሓሳብ ኣሎና ፡ ንህዝብና ክነድሕን ኢና፡ ንሕና ኢና ነድሕነኩም፡ ንዓይ እመኑኒ፡ ሃገርና ብኸምዚ እያ እትድሕን ከምዚ እባ፡ ንህዝብና ከነንቅሕ ኢና…ወዘተ፡ እናበሉ ኣብ ሶሻል ሜድያ ዝነጥፉን ኣብ ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካዊ ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ፡ጥዕናዊ ሓሳባቶም ዘካፍሉን ዘስተምህሩን ኣሕዋትን ኣሓትን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነቶም ተራ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሜድያን’ዩ፡፡

ሓሳባት ኣብ ምዕናዉን ምህናጽን ወሳኒ ተራ ኣለዎ፡ እዘን ሎሚ ንዓለምና ዝመርሓ ዘለዋ ምዕቡላት ሃገራት ብሓሳባት ዝተሃነጻ እየን፡ ንዓለምና ተቖጻጺርዋ ዘሎ ቴክኖሎጂዉን ዉጽኢት ሓሳባት ደቅሰባት’ዩ፡ በንጻሩ ነተን ከም ሃገር ክቖማ ተሸጊረን ዘለዋ ሃገራት ዉጽኢት ሓሳባት እየን፡ ብሓፈሻ ሓሳባት ካብ ዉልቅና፡ቤተሰብና፡ሕብረተሰብና፡ ጀሚሩ ክሳብ ዝማዕበለት ወይ ዝደኸመት ሃገር ኣብ ምህናጽ ዓቢ ግደ ይጻወት፡፡ሓሳባት ካብ ሰባት’ዩ ዝፈልቕን ብሰባት ድማ ይዝርጋሕን ኣዕናዊ ኮነ ሃናጺ፡፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ሓሳብና እነካፍል ሰባት ካብዞም ክልተ ምርጫ ዝሓልፍ ኣይኮነን፡፡

ንጽል ዛንታ ምሉእ ኣይኮነን ስለዝኾነ’ዩ ድማ’ዩ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኸዉን፡፡ ንጽል ዛንታ ክንብል እንከለና ብዛዕባቲ ክንዛረቦ ደሊናዮ ዘለና ሰብ ኮነ ሓሳብ ምሉእ ስእሊ ዘይምህላዉ፡ እቶም ነጥብታት ንሓድሕዶም ከየተሓሓዝካ ናብ መደምደምታ ምብጻሕ ማለትና’ዩ፡፡እዚ ተርዮ ኣብ ኩሉ ኣህዛብ ዓለም ልሙድ ኮይኑ ይርከብ ኣመሪካዉያን ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዘለዎም ኣፍልጦ ነዚ ልዒለ ዝጠቐስክዎ ኣብነት ክኾኑና ይኽእሉ፡ ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣፍሪቃ ክሓስቡ እንከለዉ ጫካን መንብሮ እንስሳን ዉግን ጥሜትን ዘይፍለያ ካብኡ ሓሊፎም’ዉን ኣፍሪቃ ማለት ሓንቲ ሃገር እንበር ካብ ግዛኣታት ኣመሪካ ዝበዝሓ ሃገራት ዝሓቖፈት ከምዝኾነት ኣይፈልጡን፡፡

ኣብዚ እዋን ንምህናጽን ምንቃሕን ኤርትራዉያን ተባሂሎም ዝቐርቡ ጽሑፋትን ቃለ-መጠየቓትን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ዉልቀሰባትን ጉጅለታትን ዝቐርቡ ትንታነታት ብወገነይ ኣዝዮም ኣሰከፍቲ ኮይኖም ረኺበዮም፡፡ኣብ ፋይስ ቡክ ኣሽሓት ተኸተልቲ ዘለዉዎ ዘይተጨበጠ ወረ ወይ ዘይምሉእ ሓሳብት ብዛዕባ ሰባትን ዉድባትን ብዘይ ገለ ስክፍታ ክዛረብ ክትሰምዕ እንከለኻ ኣካይዳና ናበይ ገጽና ከምዝኾነ የሰክፈካ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ዘሰክፍ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገርና ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት እንህቦም ትንታነታት’ዉን ኣብ ክንዲ ሓገዝትና ኣንጻርና ዝኾንሉ እዋናት ብዙሕ እዩ፡፡ ንዝያዳ ምርዳእ መታን ክጠቕመና ገለ ገለ ኣብነታት ክንርኢ ክንፍትን ኢና፡፡

ኣብዚ ክልተ ዓመት ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ኣብ ዞባና ተኸሲቱ ዘሎ ለዉጥታት ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን፡ ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ትንፋስ ዝሶኽዓሉ ልዕሊ ማንም ግዜ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ብቓላቱን ብምንቅስቓሱን ስምዒቱ ዝገለጸሉ ንብዙሓት ዘገረመን ኮይኑ ሓሊፉን ኣሎን፡፡ እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ኤርትራዉያን ቁጥዓ ብምልዓል ተቓዉሞ ከለዓዕል እንከሎ[ብፍላይ ኣብ ወጻኢ] እቶም ንሕና ንሱ ዝብሃሉ ደገፍቱ ድማ ከበሮ ክድስቑን ብጅግንነት መራሒኦም ክሕበኑን ግዜ ኣይወሰደሎምን፡፡ እዚ ድማ ኣብ ክልቲኡ ጉጅለታት ዘይንጹር ኣካይዳ ፈጢሩ፡፡ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ኣንፈትን መጻኢን ናይታ ሃገር ደብዛዝ ኣፍልጦ እንተዘይኮይኑ ሙሉእ ስእሊ የብሎምን ስለዝኾነ ድማ መን’ዩ ? ስለምንታ’ዩ ካልእን ዝብሉ ሕቶታት ከይመለሱ፡ ንመራሒኦም ዘድንቑን ዝዉድሱን ክመጉሱን ክንዱእን ትዕዘብ፡ እዚ ድማ ነቶም ንሉእላዉነት ሃገረ ኤርትራ ዘይቅበሉን ነታ ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ክጽንብሩን ምስ ዝጽዕሩ ኢትዮጵያዉያን ብምትሕብባር ንሓሳባቶም ኣብ ምስፍሕፋሕ ዓቢ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ፡፡ኢትዮጵያዉያን ብፍላይ ኤሊት ናይ ኣምሓሩን ገለ ተጋሩ ምሁራትን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ንነዊሕ ዝዓለመ መደብ ከም ዘለዎም ክንስሕቶ ኣይግብኣናን፡ ነዚ ንምግንዛብ ዝህብዎ ትንታነን ዝጽሕፍዎም መጻሕፍትን ምዉካስ ይከኣል፡ ንዓመታት ኣብ ኤርትራ መደበሩ ዝገበረ ደሓር ኣብ የመን ብድህንነት ኢሂወደግ ዝተታሕዘሞ ኣቢ ኣሕመድ ስልጣን ምስ ሓዘ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሐ ነቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝተገብረ ዝምድና ቀንዲ ሃንዳሲኡ ምኻኑ ዝዛረብ እንዳርጋቸዉ ጽገ ኣብታ “ነጻነትን የማያዉቅ ‘ነጻ ኣዉጪ’ ’’ እትብል መጽሓፉ ኣብ ትሕቲ “የኤርትራ ጥያቄ” ዝብል ኣርስቲ መርገጺኡ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ክፍለጥ ይከኣል፡ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና ሎሚ ሓባራዊ ጸላኢ “ወያነ’’ ዝበሃል ስለ ዝተረኽበ እዚ ሰብ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደግፍቲ ፕረዚደንት ከም ጅግና ተቖጺሩ ሓሳባቱ ሸር ክግበር ትዕዘብ፡፡ከምኡዉን ታየ ቦጋለ ኣረጋ ዝተባህለ ጸሓፊ ኣብታ “መራራ ኡዉነት በኢትዮጵያ ታሪክ’’ እትብል መጽሓፉ ሉኡላዉነት ኤርትራ ዘይቅበል ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ ኣካል ንምግባራዉን ሕጋዊ ተኽእሎ ከምዘሎ ይዛረብ፡ እዚ ሰብዉን ሓደ ክልተ ዝህቦ ቁራጽ ሓሳባት ኣብ መንጎ ደገፍቲ ካብቶም ተመስገንቲ ኮይኑ ይርከብ፡፡ ፕሮፌሰር መስፍን ወልደማርያም ካብቶም ጎሊሖም ዝርኣዩ ሉኡላዉነት ሃገርና ዘይቅበሉ ከምዝኾኑ ክፍልጥ ኣለዎ፡፡ እዞም ሰባት ስለ ዝጸሓፉ ወይ ዝተዛረቡ ሉላዉነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ’ዩ ማለተይ ኣይኮነን ፡ ዕላማ ጽሑፈይ ከም ሃገራዉያን ብዛዕባ ሃገርናን ተጻባእቲ ሃገርናን ምሉእ ኣፍልጦ ክህልወና ካብኡ ሓሊፍና ድማ ብዛዕባ ታሪኽና ምሉእ ስእሊ ብምሓዝ ንዝቐርቡልና ሕቶታት ምላሽ ክንህብ መታን ክንክእል እዩ፡፡

ካብዚ ሓሊፍና ብወገን ደለይቲ ፍትሒ ዝቐርብ ብዙሕ መደባት ኣሎ ኣብዚ መደባት ተዓዲምም ዝመጹ ዜጋታት ብዛዕባቲ ክዛረብሉ ዝመጹ ኣርእስቲ እኹል ኣፍልጦ ኣለዎም’ዶ? ዝብል ሕቶ ይመጸካ፡ ንዝህብዎ መግለጺ ብምስማዕ እንተኾነ ሓታቲ’ዉን ብዛዕባቲ ዘዳለዎ መደብ ብዙሕ ኣፍልጦ ስለ ዘይጸንሖ ክብድሆም ኣይክእልን ስለዝኾነ ድማ ዘይምሉእ ሓሳባት ሂቡ ንክኸይድ ቀጠልያ መብራህቲ ይረክብ፡፡[እዚ ማለት ግና ንፉዓት ሓተትን መለስትን የለዉን ማለት ኣይኮነን]፡፡ ገለ ድማ ሓሳባት ኣሎና ይብሉ’ሞ ንሰዓታት ኣብ መስመር ብምኻን ክዛረቡ ትሰምዖም ዝህብዎ ሓሳብ ጽባሕ ንግሆ ከምዘሕትቶም ዝርድኡ ኣይመስሉንን ውላዉን በዚ ኣይጠምትዎ ንሕብረተሰብ ዝቕልብዎ ዘለዉ ዝንቡዕ ሓበሬታ ከምዝኾነ ኣይርድኡን ወይ ክርድኡ ኣይደልዩን፡ እዚ ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ጥራይ ዝረአ ኣይኮነን፡ ሃይማኖታት ኤርትራ በጀካ ዉሑዳት ግዜያት ንጥቕሚ ፖለቲካ ክብሉ ክፈላልይዎ ዝፈተኑ እዋን እንተዘይኮይኑ ዝበዝሐ እዋን ተኸኣኢሉ ዝነብር ሰለማዊ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር’ያ፡፡ ሎሚ ኣብ ሶሻል ሜድያ ዝቐርብ ዘሎ ግና ነዚ ክብርታት ዝዓቀበ ኣይኮነን፡፡ እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ ብዛዕባ ጥዕና ዝወሃብ ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ፡ ብዛዕባ ሓዳር ጾታዊ-ርክብ፡ ፡ብሄር ፡ መንነት ፡ ዕርቂ ፡ ኣዉራጃ ፡ ብዛዕባ እዞም ኣርእስታት ዝወሃቡ መግለጺ ብጽሞና እንተሰሚዕና ብርግጽ ከም ሕብረተሰብ ኣብ ሓደጋ ኣሎና፡፡ ደጊመ ክብሎ እደሊ “ብርግጽ ኣብ ሓደጋ ኣሎና’’፡፡ ካብዚ ሓደጋ ክንወጽእ ንኽእል ድማ ባዕልና ንባዕልና ኢና እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድና ኣሎ፡፡ ንመንፈሳዊ ጉዳይ መፍትሒ ደሊኻ ዝኸድካዮ መራሒ ሃይማኖት ፖሎቲካ ኣዕሊሉ የፋንወካ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ክትሓቶ ዝኸድካ ነታ ምልእቲ ኤርትራ እትብል ስእሊ ሓዲጉ ኣዝያ ጸባብ ኣዉራጃ እትብል ጉዳይ ከዕልል ትቐሎ፡፡ ንኣክቲቭስት ሓበሬታ ደሊኻ እንተኸድካዮ ነቶም ጸላእተይ ዝበሎም ብምሕማይ እዝንኻ የጽምመካ፡፡ ኣንቱም ኣሕዋት ጸገምና ዘርዚርካ ዝዉዳእ ኣይኮነን፡ ዝፈጠርናዮም ጸገማት ሽግርና የናዉሕዎ ኣለዉ፡ ከም ኢሰያስ ዝኣመሰሉ ኣብ ነዊሕ ቃልሲ ዝተሰርሑ ጨካናት ድማ ገና ጭካኔኦም ይቕጽልዎ ኣለዉ ፡፡ ዶክተር ወይ ዲግሪ ስለ ዘሎካ ብዛዕባ ኩሉ ትፈልጥ ማለት ኣይኮነን ወይ ድፍረት ረኺብካ ኣብ ሜድያ ስለ ዝወጻኻ ሰዓብቲ ስለ ዝረኸብካ ፍልጠት ደሊብካ ማለት ኣይኮነን፡፡ “ኣይፈልጥን’’ ምባል ሰናይ’ዩ፡ ንኽትፈልጥ ድማ ይሕግዘካ፡፡ሕብረተሰብና እኹላት ንድሕሪት ዝጎስዎ ዘይተረጋገጹ ሓበሬታት ኣለዉዎ “ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ” ኣይንግበሮ፡፡ ኣገልጋሊ ሃይማኖት ብዝግባእ መእመኑ እንተገልጊሉ፡ ፖለቲካአኛ ብፍልጠት እንተመሪሑ፡ ጋዜጠኛ ብዝግባእ ሓላፍነቱ እንተተዋጺኡ፡ መሃሪ ብፍልጠት እንተሚሂሩ፡ ኣንቃሒ ብምርዳእ እንተንቂሑ፡ ሽግርና ክሓጽር’ዩ እንተዘይኮይኑ፡፡ ሕዋትና ተጋደልቲ ካብ ሜዳ ምስ መጹ ዝሓዝዎ ስልጣን ብፍልጠት ዘይኮነስ መለኽዒኡ “ተጋዲልካ’ዶ’’ ዝብል ስለ ዝነበረ እንሆ ሃገርና ከምታ ዝተረከብዋ ዳርጋ ኣላ እንተበልና ኣየጋነናን፡፡ ንጽል ዛንታ ሓደገኛ እዩ እቶም ብዘይ ፍልጠት ዝነጥፉ ድማ ንህዝቢ ግዳይ ይገብርዎ፡፡ ንኹሎም ኣብ ሶሻል ሜድያ ዝነጥፉ ደቂ ሃገር ተቓዉሞ የብለይን ወሽለ’ኳ ክስስኑ’ዩ ባህገይ፡ የግዳስ ፍልጠቶም ንምዕባይ ክሰርሑ፡ ንገዛእ ርእሶም ካብ ጭራም ፍልጠተ ዛንታ ተገላጊሎም ንኹላትና ከርብሑና ናይ ወትሩ ትምኒተይ እዩ፡፡

ሰናይ ቅነ

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles