back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሕማም ቀይሕ ባሕሪ ልሂቃን ኢትዮጵያ፡ መድሃኒት ይርከቦ ዶ ይኸውን?

ኤርትራኸ ክሳብ መዓስ እያ ግዳይ ናይዚ ሕማም እዚ ክትከውን?

እቲ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ምስጢራዊ ኣኼባታት ክዝረብ ድሕሪ ዝጸነሐ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ሕቶ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ቀ/ሚ ኣቢ ኣሕመድ “ኢትዮጵያ ብሕግን ብታሪኽን ዋና ኣፍደገ ባሕሪ ክትከውን ይግበኣ እዩ” ኢሉ ምዝራቡ ይዝከር እዩ። ነዚ ስዒቡ ከኣ፡ እቲ ካብ ምትፍናን ናብ ምክብባርን ሓቢርካ ምዕባይን ክሰጋገር ተስፋ ተነቢሩሉ ዝነበረ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ክንዩኡ’ውን ርክብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ክጉተት ምርኣይ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክንድምንታይ ዘይተዓደሉ ህዝብታት እዮም ዘብል እዩ። ብወገን ኤርትራውያን ኮይና ክንሪኦ እንከለና፡ ንኩነታት ናይ’ታ ንዝሓለፉ ልዕዕሊ 80 ዓመታት ግዳይ ጌራትና ዝጸነሐት ደቡባዊት ጎረቤትና ብግቡእ ብምርዳእ፡ ነቲ ካብኣ ዝመጸነና ቀጻሊ ናይ ህላዌ ስግኣት ናይ ሓንሳብን ናይ ሓዋሩን መፍትሒ ከነናድየሉ ከም ዝግበኣና ዘዘኻኽረና ጉዳይ ወይ ናይ ሓደጋ ደወል ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብብዙሕነት እትልለ ሃገር እያ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ዝፈጥሮ ብድሆ ምህላዉ ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ሽግራ ግን እቲ ምስ ኣቃውማኣን ሕሉፍ ታሪኻን ዝተሓሓዝ እዩ። ኣቃውማኣ ምስፍሕፋሕ ዝመሰረቱ ናይ ኢምባራጦርያ ኣቃውማ ስለዝኾነ፡ ካብ ኢምባራጦርያ ናብ ዘመናዊት ሃገረ መንግስቲ ንምስግጋር ክትከዶ ዝጸነሐት ጉዕዞ ሓያሎ ብድሆታት ገጢሙዎን ገንው’ን ይገጥሞ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ብብዙሕነት ዝልለ ህዝባ ኣብ ሓደ ከምጽእ ዝኽእል ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ክትፈጥር ኣይከኣለትን እንተበልና ካብ ሓቂ ምርሓቕ ኣይከውንን እዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ዘይነበረ ወይ ኣብ ዝንቡዕ ታሪኽ ክትነብር እትደሊ ሃገር ከም ዝኾነት መብዛሕቲኦም ንጉዳይ ኢትዮጵያ ብቐረባ ዝከታተሉ ተንተንትን ናይ ታሪኽ ሰብ ሞያን ዝፈልጥዎ ሓቂ ኮይኑ፣ እዚ’ውን ተወሳኺ ብድሆ ኮይኑዋ እዩ ክበሃል ይከኣል እዩ። እዚ ካብ ንታሪኽ ንጽውጽዋይ ዝቐርብ ዝንቡዕ ታሪኽን ግጉይ ትረኻን’ዚ፡ ንዜጋታታ መመሊሱ ስለ ዝኸፋፍሎም፡ ንመስርሕ ህንጸት ሃገር ተወሳኺ መሰናኽል ፈጢሩሉ ክበሃል ይከኣል። እዚ ታሪኽ’ዚ ሓደ ካብቶም ኣብ መንጎ ህዝቢ ዝያዳ ፍልልይ ዝፈጥሩ ጉዳያት ኮይኑ፡ ጉዳይ ታሪኽን ትረኻን ኣብ ቀዳምነት ከም ዝስራዕ ይገብሮ። ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ እቲ ገለ ወገናት ናይ’ታ ሃገር ከም መስራቲ ሃገርን ጅግናን ዝሪኤ ሃጸይ ምኒሊክ፡ ብካልኦት ወገናት ከም ወራርን ቀታልን እዩ ዝረኤ። ካል ኦት ምስ ታሪኽ ዝተሓሓዙ ሓያሎ ጉዳያት’ውን ኣለዉ።

እቲ ናይ ጥንቲ ታሪኽ’ኳ ንግዚኡ እንተ ገደፍናዮ: ኢትዮጵያ ከምቲ ናይ ፖለቲካ ልሂቃናታ ዝብሉዎ ንልዕሊ 3000 ዓመት ዝኸይድ ታሪኽ ዘለዋ ሃገረ መንግስቲ ዘይኮነት፡ በንጻሩ ነዞም ሎሚ ዘለውዋ ዶባት (ብዘይካ ክልል ሶማል) ሒዛ ካብ ትምስረት ናይ ኣስታት 150 ዓመታት ዕድመ ጥራይ ዘቕጸረት ሃገር እያ። እዚ ከኣ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተመስረታሉ ግዜ እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ድሕሪ ናይ 1884 ውዕል በርሊንን ምምጻእ ኣውሮጳዊ መግዛእትን ማለት እዩ። ከምዚ ክንብል እንከለና ግን ኣብቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ዘለዉዎ ከባቢ ንክንድቲ ግዜ’ቲ ዝኸይድ ታሪኽን ስልጣነን ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ንሱ ግን ናይቲ ከባቢ ናይ ሓባር ታሪኽ ደኣ ‘ምበር ንበይና ንሓንቲ ሃገር ዝምልከት ከምዝይኮነ፡ እቶም ናይታ ሃገር ናይ ፖለቲካ ክሳብ ሎሚ ክቕበሉዎ ዘይከኣሉ ሓቂ እዩ። ብዝኾነ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ናይ 150 ዓመታት ግዜ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓያሎ መንግስታትን መራሕትን ተራእዮም እኳ እንተኾኑ: ነቶም ነታ ሃገር ውሽጣዊ ሰላም ከም ትስእን ክገብርዋ ዝጸነሑን ዘለዉን ናይ ብዙሕነትን ምዕሩይ ምሕደራን ኣሳታፊ ፖለታካዊ ስርዓት ናይ ምምስራት ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ሽግራት: መሰረታዊ መፍትሒታት ክረክብ ዝኸኣለ መንግስቲ ወይ መራሒ ንክህልዋ ክሳብ ሎሚ ኣይተዓደለትን። በንጻሩ እቶም ኣብ ስልጣን ዝመጹ ስርዓታት በብሓደ እንተ ርኢናዮም: ብንጹር ጎሊሑ ዝወጽእ ሓደ ሓቂ ምርኣይ ከም ዝከኣል ደፊርካ ምዝራብ ይከኣል እዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ድማ እዞም ስርዓታት እዚኦም: ኣስማቶም ወይ ንኽተሎ’ለና ዝብልዎ ርእዮተ-ዓለም (ስነ-ሓሳብ)፡ ዘውዳዊ ስርዓት ድዩ ወይስ ወተሃደራዊ ብዘየገድስ: ኩሎም ብናይ ግዳም ሓያላን ሃገራት ዝዝወሩን: ብግዳማዊ ደገፍ ጥራይ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑን ምዃኖም እዩ። ነቶም እናተወራረሱ ዝመጹ ጸገማት ድማ ክንዲ ዝፈትሑዎም መመሊሶም ከዕምቑዎም ጸኒሖም እዮም።

ግዳማዊ ሓይልታት ንሓንቲ ድኻ ሃገር ብሓይሊ ንዝገዝእ ስርዓት ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ድጋፍ ክህቡ እንከለዉ፡ ምእንቲ ረብሓታቶምን ጂኦፖለቲካዊ ሕሳባቶምን ደኣምበር ምእንቲ’ታ ሃገር ‘ቲኣ ወይ ምእንቲ ህዝባ ኮይኑ ስለ ዘይፉልጥን ክኸውን’ውን ስለ ዘይክእልን: እታ ሃገር: ብቐንዱ ብሰንኪ እቶም መፍትሒ ዘይረኸቡ ውሽጣዊ ሽግራታ፡ ብካልኣይ ደረጃ ከኣ ብሰንክ’ቲ ነቶም ውሽጣዊ ጸገማት ካብ ምዝማዝ ዓዲ ዘይውዕል ናይ ግዳማዊ ሓይልታት ኢድ ምትእቲታውን፡ ካብ ሓደ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ቅልውላው ናብ ዝኸፈአ ቅልውላው ምኻዳ ዘይተርፍ ይኸውን። ምስ ግዜ ኸኣ እዚ ቀጻሊ ቅልውላው እዚ ነታ ሃገር፡ ኣብ ዝተናወሐ ውሽጣዊ ጎንጺ ከብጸሓ ምዃኑ ናይ ግድን ይኸውን። እዚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያን ንሪኦ ዘለና ኩነታት ድማ ናይዚ ኣብነት እዩ። ጉዳይና ምስ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነ ‘ምበር፡ እቲ ሽግር ኣብኣ ጥራይ ዝተሓጸረ ከም ዘይኮነ ምጥቃስ የድሊ። ንኣብነት ኣብ ሱዳንን ሶማልያን ተመሳሳሊ ኣቃውማን ታሪኽን ኣብ ዘለወን ካልኦት ሃገራት እንሪኦ ቅልውላው ካብኡ ብዙሕ ዝፍለ ኣይኮነን።

እዚ ኩነታት’ዚ ምስቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ዝንቡዕ ታሪኽ ክድመር እንከሎ: እቲ ስልጣን ዝሓዘ ስርዓት ዝሕዞን ዝጭብጦን ስለ ዝጠፍኦ: ንቕድሚት ምህዳም እቲ ዝቐለለ ኣማራጺ ኮይኑ ይረኽቦ። ነቲ ብብኩራት ናይ ውሽጣዊ ሓድነት፡ ኣብ ግርጭትን ሓውሲ ግርጭትን ዝነብር ህዝቢ፡ ዘይነበረ ታሪኽ እናተረኽካን እንዳ ኣጋዋሕካን ኣብቲ ከም መህደሚ ዝጥቀመሉ ናይ ምስፍሕፋሕ ኣጀንዳ ይጸምዶ። እዚ ድማ ካብቶም ኣብ ሓለፉ 80 ዓመታት ንኤርትራ ከጋጥሙዋ ካብ ዝጸነሑ ሽግራት ቀንድን ሓደን እዩ።

እምበኣር እቲ ንኤርትራ ኣብ ኣርበዓታትን ሓምሳታትን ማዕረ እተን ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ናጽነታ ንከይትረክብ ዝገበረ ጉዳይ እቲ ኣቑዲምና ክንገልጾ ዝጸናሕና፡ እሞ ኸኣ ውሽጣዊ ሽግራት ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ከም መህደሚ ከገልግል ተባሂሉ ዝቕልቀል: ዝንቡዕ ታሪኽ ዝመሰረቱ ናይ ምስፍሕፋሕ ሕልሚ ብሓደ ወገን: እቲ ብማዕዶ ኮይኑ ንድኹማት ሃገራት ከም ድላዩ እናዘወረ ኣጀንድኡ ምስሳይ ዝለመደ ግዳማዊ ሓይሊ በቲ ሓደ ወገን፦ ብዝፈጥሩዎ ልፍንቲ እዩ።

ምንጪ ሽግራትና ኣየኖት ከም ዝኾኑ ዝፈለጥናዮም ሎሚ  እኳ እንተ ዘይኮነ: እቲ ህላዌና ንምውሓስ እንኽተሎ ስትራተጂ ግን ቀጻሊ ገምጋምን ምኽላስን ምትዕርራይን ከም ዘድልዮ ዘከራኽር ኣይመስለንን። እቶም ከጋጥሙና ዝጸንሑን ዘለዉን ብድሆታት ብዙሓት ጨናፍር ዘለዎምን ዝተሓላለኹን ከም ምዃኖም መጠን: እቲ እንኽተሎ ስትራተጂ’ውን ብኡ መጠን ቀሊል ከም ዘይከውን ርዱእ እዩ። ከም ኤርትራውያን ከንክተሎ ዝግበኣና ስትራተጂ ንምድህሳ ምእንቲ ክጥዕመና: ኣብዞም ዝስዕቡ ንኡሳን ኣርእስትታት ከፊልና እንተርኢናዮ ይጠቅም ይኸውን ዝብል ርድኢት ኣለኒ። ንሶም ድማ፡-

  1. እቲ ቅድሚ ክሉ ዝመጽእ መሳርዕካ ምትዕርራይን ሃገራዊ ዓቕምታትካ ምዕባይን እዩ። እዚ ኣዝዩ ዓብይን ብቐጻሊ ክግምገም ዝግበኦ ጉዳይ እኳ እንተኾነ: እቲ ናይ መጨረሻ ዕላምኡ ግን ንኤርትራ ብልጽግትን ሓያልን ብቅዋም እትመሓደርን ሃገር ከም ትኸውን ምግባር እዩ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ድማ ኤርትራ ውሽጣዊ ሓድነታ ዓቂባን ኣደልዲላን ብሰላማዊ መገዲ ናብ ቅዋማውን ትካላውን ምሕደራ እንተ ተሰጋጊራ እዩ። እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ዝብል ሕቶ ኣብ እዋኑ ኣብ ዝርዝራት ምእታው ኮይኑ: ብሓጺሩ ግን ነቲ ዘቤታውን ወድዓውን ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ: እቲ ዝሓሸን ዝከኣልን ኣገባብ በቲ ሎሚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ዝተኣታቶን ዝምእዘንን ናይ ምስግጋር መስርሕ እዩ፡ ኣብ ዝብል ጉዳይ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ዝሰማምዑ ይመስለኒ። ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ዑቑዳት እንታይ ክግበር ይከኣል ኔሩ ወይ ኣይከኣልን ኔሩ ዝብል ክትዕ ንጎኒ ገዲፍና: ሎሚ ኤርትራ ብብዙሕ መዐቁኒታት ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣትያ ስለዘላ: እቲ ተወንዚፉ ዝጸነሐ ፖለቲካዊ መስርሕ እንደገና ክጅምር ንጽባሕ ዘይበሃል ጉዳይ ኮይኑ ኣብ ቀዳምነት ክስራዕ ይግባእ።
  2. ብድሕር’ዚ ዝመጽእ ነቲ ዝሓለፉ 80 ዓመታት ብሸነኽ ኢትዮጵያ ክመጸና ዝጸነሐን ገናውን ዘሎን: ሎሚ ከኣ ብስም ኣፍደገ ባሕሪ እንደገና ዝቕልቀል ዘሎ ብድሆ ከመይ ኢልካ ትገጥሞ ዝብል ጉዳይ እዩ። ዝሓዘ ሽፋን ሒዙ ይምጻእ፡ እዚ ጉዳይዚ ናይ ኤርትራ ነጻነትን ልዑላውነትን ካብ ዘይምቕባል ዝምንጩ ከም ዝኾነ ክንርዳእ ይግባእ። መቸም ከም ኤርትራውያን ካብ ግዜ እቲ ምእንቲ ነጻነት ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልስን ብድሕሪኡን ክንከዶ ዝጸናሕና ኣካይዳ ናይ መላእ ቁርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ማእከል ዝገበረ ኣካይዳ ከም ዝኾነ ዘይፈልጥ ዳርጋ ከም ዘየለ ዝፍለጥ ሓቂ እዩ። እዚ ድማ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብታሪኽን ብባህልን ብስነ-ልቦናን ኣዝዮም ዝተቐራረቡ ህዝብታት ኣብ ርእሲ ምዃኖም: ሽግራቶም እውን ምስ ነንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ካብ ምርዳእ ዝነቐለ እዩ። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክህልዋ ዝጸነሐን ኣሉታዊ ጽልዋን እንተ ተመሊስና: ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወደነ ውሽጣዊ ፖለቲካ ንክህልው ኣበርክቶ ምግባር ብመትከል ደረጃ ቅኑዕ እኳ እንተኾነ: ብዋጋ ናይቲ ዘቤታዊ ዓቕሚ ንምዕባይ ዝግበር ጻዕርታትን ምስተን ካልኦት ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ክፍጠርን ክምዕብልን ዝግበኦ ሽርክነትን ግን ክኸውን የብሉን። ብሓጺሩ: ኤርትራ ጅሆ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ በብእዋኑ ዝቕልቀል ኣተሓሳስባ ክትከውን የብላን።
    3. እቲ ሳልሳይ ነቲ ብናይ ግዳም ሓያላን ሃገራት ክመጸና ዝጸነሐን ዘሎን ተጻብኦታት ከመይ ጌርና ክንገጥሞ ይግባእ ዝብል እዩ። እዚ ድማ ብቐንዱ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ልዑል ስትራጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ተኣፋፊ ናይ ዓለም ከባቢ ምስ ምህላዋ ዝተኣሳሰረ ጉዳይ ስለዝኾነ: እዚ ኣስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ድማ እንዳ ወሰኸ ይኸይድ ደኣምበር ስለዘይንኪ፡ ንኤርትራ ክህልዋ ዝኽእል ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ነዚ ጂኦፖለቲካዊ ሓቅታት’ዚ ኣብ ግምት ዘእተወን: ንናይ ኤርትራ ሃገራዊ ጸጥታን ቁጠባዊ ረብሓታትን ማእከል ዝገበረ ክኸውን ይግባእ። እቲ ንዓናን ንብዙሓት ሃገራትን ግዳይ ጌሩ ዝጸነሐ ብኣመሪካ ዝምራሕ እንኮ ቁጥባዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘውረዶ መህሰይቲ ቀሊል ከም ዘይኮነ ንፈልጥ እኳ እንተኾና: እቲ ክንክተሎ ዝግባኣና ናይ ወጺኢ ፖሊሲ: ብሓደ ወገን ነቲ ብሕጂውን ክወርደና ዝኽእል መህሰይቲ ምንካይ ዝዓለመ: ነዚ ድማ ሓያል ዲፕሎማስን ሜድያን ብምጥቃም፡ ኣድላዪ ናይ ምሕደራ ምምሕያሽ ብምትእትታው፡ ብካልእ ወገን ድማ ነቲ ይቀያየር ዘሎ ናይ ዓለምናን ናይ ከባቢናን ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ብግቡእን ብደቂቕን ብምጽናዕን ብምክትታልን ነቲ ዝቐላቐለ ዘሎ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ንኤርትራ ሒዙላ ክመጽእ ዝኽእል ዕድላት ብምግምጋም: ሃገራዊ ረብሓታትና ከውሕስ ዝኽእል ሽርክነት ኣብ ምፍጣር ዝዓለመ ፖሊሲ ምሕንጻጽ የድሊ። እዚ ድማ ውሽጣዊ ምሕደራና ብምምሕያሽን ዝሓሸ ትካላዊ ኣሰራራሓ ብምትእትታውን ጥራይ ከም ዝኸውን ክስመረሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ክስረሓሉ ኣለዎ።

ኣብ መደምደምታ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ዓውድታት ኣብ ነንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ከይዘንጋዕና፡ ኣብኣቶም ዘቶከረ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ፡ ኣድማዕን ዕዉትን ምእንቲ ክኸውን: ኣብ ነፍሲ ወከፈን ደቂቕ መጽናዕቲ ክካየድ ይግባእ። ማዕረ ማዕረ ናይዚ ድማ ናይ መጽናዕቲ ትካላትን ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ብቕዓት ዘለዎም ናይ መንግስትን ናይ ሜድያ ትካላት የድልዪ እዮም። እዚ ማለት ከኣ ኤርትራ እንድስ ማዕበለ ዝኸይድ ትካላዊ ኣሰራርሓ እንተደኣ ኣተኣታትያ፡ ንዝገጥሙዋ ብድሆታት ክትምክት ብቕዓት ዘለዋ ሓያል ሃገር ትኸውን ትኽእል እያ ማለት እዩ። በዚ ከኣ ኤርትራ ነቲ እትርከበሉ ስትራተጂዊ ከባቢ ምንጪ ስግኣታታ ክንዲ ዝኸውን ኣብ ብልጫን ኣብ ምንጪ ረብሓታታን ክትቕይሮ  የኽእላ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles