back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ባሕሪ እንታይ እዩ?

መሰል ኣፍደገ ባሕሪ ዝብል ሙጉት ብተሓለቕቲ ዓባይ ኢትዮጵያን ዓባይ ትግራይን ብዙሕ ጽውጽዋይ እንዳቕረቡ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ዘይዓረፈ ዝቕጽል ዘሎ ሕልሚ እዩ። ነዚ ነዊሕ ክኸይድ ዝጸንሐ ናይ ሙሁራት ኢትዮጵያውያን ሙጉት ካብ ውልቃዊ ርእይቶ ሓሊፉ ሕጂ ብመንግስቲ ደረጃ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ንፓርላማ ሃገሩ ኣኪቡ ካብ “ንጣብ ማይ ክሳብ ባሕሪ” ዝብል መርሖ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ደርጊሕዎ ኣሎ።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ሕቶ ኣብ ክልተ መደባት ተኸፊሉ ክርኤ ይክኣል። ቀዳማይ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ድማ ወድብ ዓሰብ። ካልኣይ ድማ መሰል ምጥቃም ባሕርን ነጻነት ምትሕልላፍን ምጉዓዓዝን ንብረት ካብን ናብን እዩ።

እታ ቀዳመይቲ ዋንነት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብቀጥታ ንልዕላውነት ሃገረ ኤርትራ ዝደፍርን ነቲ ሕጋዊ መደምደምታ ነጻነት ኤርትራ ዝተገብረሉ፡ ኤርትራ ኣብ ግንቦት 1991 ብብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1993 ድማ ብኣፍልጦ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝኣመንሉን ልዕላዊት ሃገረ ኤርትራ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት ናይ 1900ን 1902ን 1908 ምድራን ባሕራን ኣየራን ንጹራት ዶባት ዘለዋ ሃገር ምኻና ብዓለምለኻዊ ሕጊ ዝተረጋገጸ እዩ። ብድሕሪኡ እውን እቲ ናይ ኣልጀርስ ውዕል ደጊሙ ኣድሚቕዎ እዩ።

ብ1964 ኣብ ከተማ ካይሮ ንልዕላውነት ሃገራት ኣመልኪቱ ዝጸደቀ ውዕል ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ዝተወርሰ ዶባት ዘይትንከፍ መሰረት ቀጻልነት ሃገራት ኢዩ ኢሉ ኣቀሚጥዎ ይርከብ።

ኣብይ ኣሕመድን ተሓለቕቲ ዓባይ ኢትዮጵያን ትግራይን ዘምጽእዎ ሙጉት ዋንነት ባሕሪ ናይ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ጽውጽዋይን ንህልው ኩነታት ናይቲ ዞባ ዘየንጸባርቕ ብነዊሕ መስርሕ ዝሓለፈ ጆግራፊካውን ዲሞግራፊካውን ለውጢ ዘለዎ ቀጻሊ ምዕባሌ ሕብረተሰብ እዩ። ኣብዚ እዋን ኩሎም ዝሓለፉ ቀዳሞት ስልጣኔታት ናይ ሞሶፖታምያን ሮማውያንን ኦቶማንን ንግስነት ኣኽሱምን ካልኦትን እንዳዘከርካ ዶባት ክትሰርሕ ምፍታን ንዓለም ናብ ዘይውዳእ ሕንፍሽፍሽን ኩናትን ከተምርሕ ዝገብር እዩ።

ብዓይኒ ሓቂ እዛ ሕጂ ኢትዮጵያ እትብሃል እታ ዝነበረት ንግስነት ኣኽሱም ኣይኮነትን። ኢትዮጵያ ምስ ምምቕቃል ኣፍሪቃ ብኤሮጳውያን ምስ ኤርትራ ኣብ ሓደ እዋን ዝተፈጥረት ሃገር እያ። መሬት ኦሮሞ ዓዱ ንኣብይ ኣሕመድ ብሃጸይ ሚንሊክ ኣብ 1900 ኢትዮጵያ ብሓይሊ ዝዘመተቶ መሬት እዩ። ኣብይ ኣሕመድ ከመይ ጌሩ ናይ ኦሮሞ ሕቶ ረሲዑ ብዛዕባ ኣሉላን ኣኽሱምን ዝዛረብ ኣሎ።

ኤርትራ ብጀካ እተን ሳላሳ ዓመታት ብውዲት አሜሪካን ምዕራባውያንን ምስ ኢትዮጵያ  ተጸንቢራ ዝጸንሓተን ዓመታት ብፍላይ ምብራቃውን ምዕራባውን ቦታታት ኤርትራ እንተላይ ቀይሕ ባሕሪ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኦቶማንን ግብጽን ኢጣልያን እንግሊዝን ኮይና ምስ መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ርክብ ዘይነበራ እያ።

ካልኣይ መሰል ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ነጻነት ምስግጋር ንብረትን እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ዓለም ኣርባዓን ኣርባዕተን ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣለዋ፡ ካብዚኤን ድማ ኢትዮጵያ ሓዊስካ ዓሰርተ ሽድሽተ ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ኣለዋ። መሰል ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪን ነጻነት ምስግጋር ንብረትን ሕጋዊ ሕቶ ናይዘን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት እዩ። እዚ ግን እንታይ ምኻኑን ኣጠቃቕምኡን ታሪኻዊ ኣመጻጽኡኡን ምርኣይ ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣብ ኤሮጳ ንኣሽቱ መራኽብ ዘንሳፍፋሉ ፈለግ ራይን ዝብሃል ካብ ሃገረ ስዊስ ተበጊሱ ዶባት ፈረንሳይን ጀርመንን ኣቢሉ ኣብ ሃገር ነዘርላንድስ ከተማ ኣምስተርዳም ዝዓርፍ ልዕሊ 1200 ንውሓት ዘለዎ እዩ። ሃገረ ስዊስ ኣፍደገ ባሕሪ ስለዘይብላ ነቲ ኣብዚ ፈለግ ዝግበር ምንቅስቃስ መራኽብ ዘፍቅድ ስምምዕ መጀመርታ ብውዕል ቨይና ዝፍለጥ ኣብ 1804 ቀጺሉ ድማ ብጉባኤ ቨይና ዝፍለጥ ብ1814 ነጻነት ምንስፋፍ ብዘይ ኣድልዎ ኣብ ዓለምለኻዊ ፈለጋትን ካብኦም ዝምንጭዉ ዋሓይዝን ናይ ምጥቃም ስምምዕ ተጌሩ።

ቀጺሉ ድማ ብ1921 ብውዕል ባርሶሎና ዝፍለጥ ነጻ ናይ ምትሕልላፍን ምንቅስቃስን ንብረት ብመንገዲ ባቡርን መራኽብን ንጸጥታዊ ድሕነት ናይ መተሓላለፊት ሃገር ኣብ ግምት ዘእቱ ስምምዕ ተገሩ።

ኣብ 1965 ብውዕል ኒውዮርክ ዝፍለጥ ኣብ 1967 ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ንኣገዳስነት መሰል ነጻ ምትሕልላፍ ኣብ ባሕሪ ብሓባራዊ ስምምዕ ዝትግበር ኣብ ግብሪ ዊዒሉ።

ኣብ መዋዳእታ ድማ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉያት ክፍልታት ካብ 1970 ክሳብ 1980 ብዝተኻየደ ቀጻሊ ክትዓት ብስም “ሕጊ ባሕሪ” ዝፍለጥ ኣብ 1981 ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣብ 1994 ድማ ተግባራዊ ኮይኑ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ሕጊ ባሕሪ ኣብ ክፍሊ X ናይቲ ስምምዕ ዓንቀጻት 124-132 ንመስል ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት የጥቃልል። ዓንቀጽ 125 ኣብ ሰለስተ ክፍልታት ዝተመቕለ ድማ ብዝያዳን ብኑጹርን ነቲ መሰል ኣፍደገ ባሕሪ ካብን ናብን ኣብ ባሕርን መሬትን ነጻነት ናይ ምትሕልላፍ የነጽር።

ዓንቀጽ 125(1) ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ካብን ናብን ባሕርን ናይ ምጥቃም መሰል ይህልወን። ብተወሳኺ ኣብ ዓለማዊ ማያት ምስኡ ዝተእሳሰርን ክጥቀማ መሰል ይህልወን። በዚ ድማ እዘን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ብግዝኣት ናይተን ዘመሓላልፋ ሃገራት ኩሉ ዓይነት መጋዓዝያ ክጥቀማ ይኽእላ።

ዓንቀጽ 125(2) ኣገባብን ኣጠቃቅማን ነጻነት ናይ ምትሕልላፍ ብስምምዕ እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላን መተሓላላፊት ሃገርን ብክልታኣዊ ወይ ሓውሲ ዞባዊ ወይ ድማ ብዞባዊ ስምምዕ ክኸውን ኣለዎ።

ዓንቀጽ 125(3) መተሓላለፍቲ ሃገራት ኣብ መረተን ሙሉእ መሰል ናይ ልዕላአነተን ሃልይወን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ዝወሃበን ኣገልግሎት ንሕጋዊ ረብሓ መተሓላለፊት ሃገር ዘይጻረር ክኸውን ኣለዎ።

ስለዚ እቲ ናይ ባሕሪ ሕጊ ብሓደ ሸነኽ መሰል ነተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ኣፍደገ ባሕሪ ንክጥቀማ ዘፍቅድ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ልዕላውነት ናይ ኣኣንጋዲት ሃገር ፈጺሙ ዘይጣሓስን ዝተኸብረን ምኻኑ ዘረጋግጽ እዩ። ስለዚ ካብዘን ሰለስተ ዓንቀጻት ሓንቲ ወሲድካ ካልእ ዝግደፍ ኣይኮነን። ሰለስቲኤ ዓንቀጻት ተዋሃሂደን ንርግኣትን ምትሕግጋዝን ሃገራት ዘረጋግጻ እየን።

ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ምስ እንዕዘብ ኣብ ሓምለ 2, 1929  ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢጣልያን (ከም ገዛኢን ኣማሓዳርን ኤርትራ) ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከም ተጠቃሚት ኣፍደገ ባሕሪ ዝተገብረ ስምምዕ ኣብ ወደብ ዓሰብ ነጻ ዞባ ተፈቂዱላ መኻዚኖታት ኣስሪሓ ወደብ ዓሰብ ምስ ከተማ ደሴ ዘራኽብ ጽርግያ ድማ ተሃኒጹ።

ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ካልኦት ዓለም ዝርከባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ክልተኣውን ዞባውን ስምምዓት ብምግባር ኣፍደገ ባሕሪ ይጥቀማሉ ኣለዋ። ኢትዮጵያውን ድሕሪ ነጻነት ክሳብ ባዕሎም መስተይ ማይ ኣግማል ግበርዎ ኢሎም ዝሓድግዎ ብክልታኣዊ ስምምዓት ወድብ ዓሰብን ምጽዋዕን ይጥቀምሉ ነይሮም። ሕጂ እውን ምስ ጁቡትን ሶማልን ከንያን ሱዳንን ብዙሕ ኣማራጺታት ሒዛ ትሰርሕ ኣላ። ናይ ኤርትራ ወደባት ብስምምዕ  ክትጥቀመሎም ኩሉ ግዜ ኩፉት ምኻኑ መንግስቲ ኤርትራ ይሕብር እዩ።

ሃገረ ቮሊቭያ ካብ 1904 ጀሚራ ከም ኣፍደገባሕሪ ዘይብላ ሃገር ብናይ ሃገረ ችለ ወደባት ብስምምዕ ትጥቀም ነይራ፡ እንተኾነ ከምዚ ናይ ኣብይ ናይ ስስዐን ቅንእን ዘምጽኦ ቮሊቭያ ኣብ 2013 ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ይግባኣኒ ክሲ ኣብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ( ICI) ኣቕሪባ እንተኾነ ዘቕረበቶ ክሲ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ሙጉት እቲ ክሲ ውዱቕ ኮይኑ ብሓባራዊ ስምምዕ ከምቀደምን ክኸዳ ተበይኑ።

ኣብ መደምደምታ ብኣብይ ዝቀርብ ዘሎ ናይ ህዝቢ ብዝሒ፡ ቅርበት መሬት ንባሕሪ፡ ናይ ዓሌታት ምትእትታው ኣብዚ ናይ ሕጊ ባሕሪ ፍጹም ዝጥቀስ ኣይኮነ። እዚ ሕቶ ተመሊሱ ብመጀመርታ ንኢትዮጵያ ዝሃሲ ከም ናይ ኦጋደንን ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ካልእን ሕቶታት ዘላዓዕል እዩ። ብሓፈሻኡ ድማ ነቲ ናይ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ናይ 1964 ስምምዕ ዘፍርስን ንመላእ ኣፍሪቃ ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥርን እዩ።

Credit to Dr. Ghebrehiwet Tesfagiorgis

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles