” ከምዚ ካብ ኮነ ደኣ ንሂትለር’ውን ጠበቓ ክትኮነሉ ትኽእል ኢኻ ማለት’ዩ?”
” ከመይ ዘይኮነሉ”
“ንቢን ላደን ከ?”
” ንሕምቶ ዶ ሕቶ! ኣነ ብሞያይ ኣይጣበቐልካን’የ ዝብሎ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ንዝኾነ ይኹን ሰብ ደው እብለሉ’የ። ንስኻ ቢን ላደን ትብል ኣለኻ። ንጆርጅ ቡሽ’ውን ጥብቅና ደው ንምባል ድሉው’የ። ንጌጋኡ እንድሕር ዝኣምን ኮይኑ’ዩ ግን!”
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቃለ ምልልስ ዝሃበ ፈረንሳዊ ጠበቓ ጃክዊ ቨርጄዝ’ዩ። ንክላገጽ ኢሉ ከይመስለኩም። ብልቡ’ዩ። ኣብ መበል 20 ክ/ዘመን “ኣቱም ዝተበሃሉ ኣህጉራውያን ገበነኛታት ፥ፈጠርቲ ራዕዲ ፥ተቓለስቲ ሓርነት ፥ግዜ ሕቕኡ ዝሃቦም ውልቀ መለኽቲ ዓማዊሉ’ዮም። ብህልቂት ሚልዮናት ካምቦዳውያን ዝሕተት ፖል ፖት ናይ ነዊሕ እዋን ፍቱው ዓርኩ’ዩ። ምስ ቼ ጉቬራ’ውን ይፋለጡ’ዪም።
ናብ ቻይና ብክብሪ ገይሹ ሻሂኡ እናሰተየ ምስ ኣቦ መንበር ማኦ ብዛዕባ ኮሚንዝምን ቃልሲ ጸረ መግዛእትን ኣዕሊሉ’ዩ። ወረግ ዕላለም ወዲኦም ክሰናበቱ እንከለዉ ፥ ኣህጉራዊ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ካብ ፍርዲ ሞት ንዘድሓናን ሕጂ ምስኡ ናብ ቻይና ንዝመአት ኣልጀርያዊት ተቓላሲት ናጽነት ተጋዳሊት ጀሚላ ቦርሄድ ክምርዓዋ ንዝሃቦ ናይ ኣቦነት ምኽሪ ኣይርሰዖን’ዩ።
ደሓን እንታይ ኣድከመና……ብሓፈሻ …ዓለምና ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ካብ ዝረኣየቶም ኣህጉራውያን ገበነኛታት ፥ፈጠርቲ ራዕድን ተቓለስቲ ሓርነትን ብሞያ ጥብቅንኡ ደው ዘይበለሉ የለን ክበሃል ይከኣል። ኣብ ህልቂት ካምቦድያ ኢድ ኣለዎ ዝበሃል ኣብ 1950 ታት ኣብ ፓሪስ ምስኡ ዝተመሃረ ፥ኣብ ግዜ ኣገዛዝኣ ኬሜሩዥ ፕረዚደንት ዝነበረ ኬይ ሳምፈን ፥ ኣብ 1970 ታትን 1980 ታትን ብኣህጉራዊ ራዕዲ ንዝፍለጥ ቬንዝዋላዊ ፈጣሪ ራዕዲ ኤሊች ራሚሬዝ ሳንቼዝ( ካርሎስ እቲ ወኻርያ) ብምፍንጃር ቦምባ ፥ብቅትለት፥ ብጭውያ ነፍረትን ውልቀሰባትን ንዝተኸሰሱ ፥ንጀርመናዊ ባደርሜንሆፍ ፥ንውድባት ሓርነት ኣልጀርያን ፍልስጤምን ፥ንገበነኛ ናዚ ክላውስ ባርቢ……ወዘተ ወዘተ ነዚኦም ኩሎም ጠበቓ ብምዃን ሽምጡ ገቲሩ ተኸራኺርሎም’ዩ።
ካብ ኣዝዮም ኣገረምቲ ብዝኾኑ ክስተታት ዝተመልአ ሂወት ጃክዊ ቨርጄዝ እቲ ዘይርሳዕ ኣጋጣሚ ግን፥ ቦንባ ፈንጂራ 11 ሰባት ብምቕታላ ንዝተኸሰሰት ኣልጀርያዊት ተጋዳሊት ጀሚላ ቦርሄድ ብጠበቓነት ደው ምባሉን፥ ንዕዑ ስዒቡ ዝተኸሰተ ኣደናቒ ኩነታትን’ዩ።
ጃክዊ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ዝተጠቐመሉ ንከሳሲ ኣብ ምኽሳስ ዘነጻጽር (Rapture defense) ተባሂሉ ዝፍለጥ ተጓናጺ ስልቲ ክትዑ ፥ኣብ መስርሕ ፍርዲ’ዚ’ዩ ተጠጂኡ። እቲ መጋብኣያ ኣብ ልዕሊ ጀሚላ ፍርዲ ሞት በየነ። ንቃልሲ ጀሚላን ብጾታን ብሓፈሻ ድማ ንገድሊ ተቓለስቲ ሓርነት ኣልጀርያ ብልቡ ዝድግፍ ጃክዊ፥ ክሳዳ ብጊሎቲን ተቖሪጹ ንክትመውት ንዝተበየነላ ጀሚላ፥ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ስልቲ፥ ኣህጉራዊ ተቓውሞ ኣጎሃሂሩ ከምትፍታሕ ገበረ። ብዙሕ ከይጸንሐ ኣልጀርያ ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ነጻ ምስ ወጸት ፥ እቲ በዓል ቅያ ጠበቓ ጃክዊ ቨርጄዝ ፥ ምስልምና ተቐቢሉ ስሙ መንሱር ተባሂሉ ኣርማ ናጽነት ኣልጀርያውያን ንዝኾነት ጀሚላ ቦርሄድ ተመርዓዋ።
ብርግጽ ጃክዊ “ኣይጣበቐልካን’የ ዝብሎ ሰብ የብለይን። ንዝኾነ ይኹን ሰብ ጥብቅና ደው እብለሉ’የ” ክብል ዋላ’ኳ ይሰማዕ ፥ ንበዓል መን ከም ዝተጣበቐ ዝረኣየ ኩሉ ፥ጃክዊ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ዝፍርሑ ፈጠርቲ ራዕዲ ፥ ዝወጻሎም ገበነኛታት እቶም ቀዳሞት ምርጫኡ ከም ዝኾኑ ይርዳእ’ዩ። ብሓቂ ኸ ጃክዊ ብጠበቓነት ደው ክብለሉ ዘይደሊ ኣብጉራዊ ገበነኛ መን ኣሎ?።
” ጠበቓ ኣይድልየንን’ዩ ባዕለይ ክካታዕ’የ ” ስለ ዝበሎ’ምበር ኣብ ሄግ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንዝተኸሰሰ ፕረዚደንት ዩጎዝላቪያ ነበር ስሎቮዳን ሚሊሶቪች ፥ ንክጣበቐሉ ሕቶ ኣቕሪቡ ኔሩ’ዩ። መንግስቲ ሳዳም ሑሴን ምስ ወደቐ’ውን ኣባል ናይቲ ንሰበስልጣን ሳዳም ክጣበቐሎም ዝተመረጸ ጉጅለ’ዩ ኔሩ። “ፍርዲ ሞት ንዘይተርፎ ፥ነዚ ማዕበላዊ ጠበቓ ቆጺርና ንዕድልና ኣብ ሓደጋ ኣይነእቱን ” ኢሎም ስድራ ቤት ሳዳም ሑሴን ኣይፋል ኢሎም እምበር ንሳዳም’ውን ክጣበቐሉ ሓቲቱ ኔሩ’ዩ ጃክዊ በርጄዝ።
ብሓፈሻ ኣብ 2013 ኣብ መበል 88 ዓመቱ ዝሞተ ሚስጥራውን ኣዛራብን ፈረንሳዊ ጠበቓ ጃክዊ በርጄዝ፥ ብሓደገኛ ገበን ንዝተኸሰሱ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብምጥባቕ፥ ፈታኒ ኣብ ዝኾነ መስርሕ ኣቲኻ ምትሕንናቕ ሂወቱ’ዩ ኔሩ።
ኣብ ታሪኽ ሂወቱ ተመርኲሱ ኣብ 2007 ዓ ም ዝተሰርሐ “ጠበቓ ራዕዲ(terror’s advocate) ዝተበሃለ ዶኩሜንታሪ ፊልም ፥ ጃክዊ “ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ምእታው ሓደጋ ‘ኳ እንተሃለዎ ቅያ ዘይብሉ ሂወት- ሂወት ድዩ?” ይብል። ሓመዱ ይቕለሎ’ምበር ሓደ ግዜ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ድማ ከምዚ ኢሉ ኔሩ።
” ርግጸኛ’የ ዶክተር እንተዝኸውን ኔረ እቲ ናይ ፈለማ መጥባሕቲ ልቢ ዝገብር ሓኪም ኣነ ምኾንኩ ኔረ። ከምዚ ኢዩ’ምበር ተኾዲመ 1000 ሕሙማት ሰዓል ዝሕክም ሓኪም ኣይምኾንኩን”።
ካብ ቬትናማዊት ኣደን ፈረንሳዊ ኣቦን ኣብ ታይላንድ ዝተወለደ በርጄዝ ፥ዓሌትነት ኣድልዎን ካልኦት ሕማቕ ኩነታት መግዛእትን እናረኣየ’ዩ ዓብዩ። ብሕጊ ንዝተኸልከለ ብምጥሓስ ፈረንሳዊት ዘይኮነት ናይ ግዝእቲ ሃገር ጓል ኣንስተይቲ ብምምርዓዉ ፥ካብ ስራሕ ዲፕሎማትነት ዝተሰጎገ ኣቦ ቨርጄዝ ፥ ንበዓልቲ ቤቱ ፥ ህጻን በርጄዝን ማንታ ሓዉን ሒዙ ፥ካብታ ናይ ሽዑ ታይላንድ ናብ ደሴት ሪዩንየን ተሰደደ ። ኣደ በርጄዝ እቶም ህጻናት ገና ደቂ 3 ዓመት እንከለዉ ሞተት። ኣቡኦም ብሞያ ሕክምና ንክልቲኦም ደቁ ምዕባይ ተተሓሓዞ።
ኣቦ በርጄዝ ተደናጋጺ ድኻታት ብምንባሩ ንክኸፍሉ ዓቕሚ ንዘይነበሮም ስኡናት ኣብ ገዝኡ ብነጻ ብምሕካም’ውን ፍሉጥ’ዩ ኔሩ። ካብ ዝኽርታት ንእስነቱ ንበርጄዝ እቶም ጉልሕ ኢሎም ዝረኣዩዎ ፥እቶም ነጻ ሕክምና ደልዮም ንቀጽሪ ገዝኦም ዝመልእዎ ዝነበሩ ሕሙማት’ዮም። ብሰንኪ ኣቡኡ ዋላ’ኳ ዜግነት ፈረንሳ እንተለዎ ፥ መልክዑ ካብ ንፈረንሳውያን ንምብራቓውያን ስለ ዝመስል ንነበርቲ’ታ ደሴት ዝሰሃሎም ዓሌትነት ንዕዑ’ውን ኣይነሓፎን።
በርጄዝ ፥ሕርቃን ኣብ ከብደይ ቆጺረ ኣይተወለድኩን ክብል ዋላ’ኳ እንተተሰምዐ ፥ ኣብ ሂወት’ታ ደሴት ብዓሌትነት እናሓረረን እናተቐንዘወን’ዩ ዓብዩ። ኣብ 1942 ዓ ም ወዲ 17 ዓመት እንከሎ ብምትብባዕ ኣቡኡ ተደፋፊኡ ፥ኣንጻር ናዚ ጀርመን ንክዋጋእ መርከብ ተሰቒሉ ናብ ኤውሮጳ ዘመተ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ፈረንሳ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ናዚ ጀርመን ኣትያ ነበረት።
ኣብ ሂወት’ታ ደሴት ንዓሌትነት ፈረንሳ ዋላ’ኳ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብዝኾነ መጠን እንተረኣየ “እታ ኣብ ልበይ ዘላ ዓባይ ፈረንሳ እኮ ናይ በዓል ሞንታኝ ፥ዴዴሮት፥ ሮብስፒርን ናይ ሰውራ ፈረንሳ – ፈረንሳ’ያ…… እዞም ኩሎም በረከታት ፈረንሳ ከም ዋዛ ብጫማ ወተሃደራት ናዚ ጀርመን ተሓምቲሎም ክጠፍኡ ስለ ዘይደሊ ንናዚ ክወግእ ዘመትኩ”ይብል።
” ኣብ ግዜ ኲናት እቲ ቀንዲ ፍርሐይ ዝነበረ ዝተቐበረ ፈንጂ ረጊጸ ገጸይ ከይበላሾ ወይ ድማ ፍረ ነብሰይ ከይስእን’ዩ ኔሩ እናበለ ዝዝክር በርጄዝ፥ ሓንቲ ጥይት ወይ ድማ ስኩጆ ከይተንከፎ ናዚ ተሳዒሩ 2ይ ኲናት ዓለም ኣብቀዐ።
“ኣብቲ ኲናት ገጸይ እንተዝበላሾ ወይ ድማ ኣፍንጫይ እንተዝስእን ኔረ ከም ጅግና ምተቖጸርኩ ኔረ። ንዝዛረቦ ዘበለ ኩሎም ሰባት ዋጋ ሂቦም ምሰምዕዎ። ግን እቲ ጸገም ክንድዚ ዝኣክል መስዋእቲ እንድሕር ከፊለ ኣማራሪ ሰብ’የ ክኸውን……ግን ዝግበር የለን ኩሉ ዕድል’ዩ። ኣብ ግዜ’ቲ ኲናት ሓንቲ መዓልቲ ንምሳሕ ኢለ ብካራ ኦይስተር እናሰጠኹ እንከለኹ ካብ ዝሓረድኩዎ ኣጽብዕተይ ወጻኢ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ከይበጽሓኒ ኲናት ተዛዘመ” ይውስኽ።
ብርግጽ በርጄዝ ዕድለኛ’ዩ። ኣብ ዳሕረዋይ ዘመኑ ንመንግስቲ ፈረንሳ ንዝቃለሱ ውድባት ጥብቅና ምቛሙን ዝተወንዘፎ ዓወትን ዘይተወሓጠሉ፥ናይቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ፥ትካል ጸጥታ ፈረንሳ ስጉምቲ ወሲዱ ክገላግሎም ትእዛዝ ሂቡ ኔሩ። ኣብ ዝርዝር ዝቕተሉ ኣብ ቁጽሪ ሓደ ዝሰፈረ ጠበቓ ክቕተል እንከሎ ኣብ ቁጽሪ ክልተ ዝተጠቐሰ በርጄዝ ካብ ዝተተኮሰሉ ጥይት ንስክላ ተረፈ። ጽንሒ ዝበላ ነብሲ።
ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ኣብቀዐ በርጄዝ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ ሕጊ ከጽንዕ ጀመረ።ኣብዚ ናይ ትምህርቲ ዘመኑ ምስ ኮሚኒዝምን ቃልሲ ኣንጻር መግዛእትን ተፋለጠ። ኣባል ሰልፊ ኮሚኒስት ፈረንሳ’ውን ኮነ።ማንታ ሓዉ ፖል በርጄዝ’ውን መራሒ ሰልፊ ኮሚኒስት ደሴት ሪዩኒየን ንክኸውን በቕዐ። ኣብ 1949 ዓ ም ድማ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ናይ ዘለዋ ሃገራት ሕብረት ተመሃሮ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመረጸ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ምስ ፖል ፖትን ሳን ፉን ተላለየ። ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ድማ ብሕቶ ኮሚኒስታውያን ብጾቱ ናብታ ናይ ቀደም ቼኮዝላቫኪያ ፕራግ ብምቕናዕ ን 4 ዓመታት ኮሚንስታውያን ክውድብ ሓገየን ከረመን።
ካብ ፕራግ ምስ ተመለሰ በርጄዝ ጠበቓ ኮነ። ካብቶም ናይ ፈለማ ዓማዊሉ ንዝኾነ ንሓደ ሰብ ብከምዚ ይገልጾ። “ናይ መጀመርያ ዓሚለይ ቤት ጽሕፈተይ ኣትዩ ኮፍ በለ። ድሕሪኡ ታሪኹን ዝገበሮን ክነግረኒ ጀመረ። በቃ ኩነታት ናይቲ ሰብ ፥ዝገበሮ ነገር ምስ ሰማዕኩ ንገዛእ ርእሰይ ዝረኣኹ መሰለኒ። በቃ እዚ ሰብ’ዚ ኣነ’የ በልኩ። ንዕዑ ዘጋጠሞ ነገር ንዓይ’ውን እንተዘጋጥመኒ ፥ኣነ’ውን እቲ ንሱ ዝገበሮ’የ ዝገብር። ጥብቅና ጻውዒት ሂወተይ’ዩ። ጻዊዒተይ’የ ረኺበ” ኢለ ይብል።
በርጄዝ ንሃገሮም ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ነጻ ንምውጻእ ንዝተቓለሱ ተጋደልቲ ናጽነት ኣልጄርያ ንክጣበቕ ናብ ኣልጄርያ ኣቕነዐ። ፈረንሳ “ፈጠርቲ ራዕዲ” ንእትብሎም መንእሰያት ኣልጄርያ ፥በርጄዝ ንሃገሮም ካብ ሕሱም ኣርዑት መግዛእቲ ንምንጋፍ ዝቃለሱ ጀጋኑ’ዩ ዝብሎም። ንበርጄዝ ኣብ መንጎ ንሃገሮም ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ሓራ ንምውጻእ ቦንባ ዝፍንጅሩ መንእሰያት ኣልጀሪያን ፥ ንፈረንሳ ካብ ኢድ ናዚ ጀርመን ነጻ ንምውጻእ ዝተቓለሱ ፈርንሳውያንን ዋላ ሓንቲ ፍልልይ የብሉን። ንበርጄዝ ኩሎም ተቓለስቲ ነጽነት ኢዮም። ብፍላይ ንዕዑ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ብዓሌትካ እናተነዓቕካ ምንባር ንዝረኣየ በርጄዝ ፥ቃልሲ ኣልጄራውያን መንእሰያት ናቱ ቃልሲ’ውን ኢዩ። ስለዚ ድማ ነዞም መንእሰያት ንክጣበቐሎም ድሉው’ዩ።
ኣብ ኣልጄርያ ኣብ ሓደ ካፊቴርያ ቦንባ ብምፍንጃር 11 ሰባት ብምቕታል ዝተኸሰሰት ጀሚላ ቦርሄድን ብጾታን ፥ጉዳየን ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣዘራራቢ ነጥቢ’ዩ ኔሩ። ንበዓል ጀሚላ ብጥብቅና ደው ንምባል ናብ ኣልጄርያ ዘምረሐ በርጄዝ ፥ ንበዓል ጀሚላ ከምዚ’ዩ ኢልወን።
” ንስኻትኩም ንዓይ ገበነኛታት ኣይኮንኩሙን። ንስኻትኩም ንዓይ ጀጋኑ ተቓለስቲ ሓርነት ኢኹም። ብፍጹም ጥፍኣተኛታት ኢና ክትብሉ ኣይደልን’የ”።
ኣብቲ መጋብኣያ በርጄዝ ልሙድ ኣገባብ ኣይተጠቐመን። ንጥፍኣት ዓማዊሉ ኣንኢሱ ካብቲ መጋብኣያ መቕለሊ መቕጻዕቲን ይቕሬታን ኣይደለየን። እኳ ደኣ ነቲ ከሳሲ ኣካል ” ንምዃኑ ንስኻትኩም ከ ኣብ መግዛእትኹም እንታይ ትገብሩ ኔርኩም?” ብምባል ሞጎተ።
“ኣብ ኣልጄርያ ዘሎ መግዛእቲ ፈረንሳ ፥ስርዓት ናዚ ጀርመን ንፈረንሳ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ ግዜ ብምንታይ ይፍለ።……ኣብኡ ናዚ ወሪሩ ኣብዚ ድማ ፈረንሳ ወሪራ! ፈረንሳውያን ንሃገሮም፡ንዝወረረ ወራሪ ሓይሊ ብዝደለይዎ መልክዕ ናይ ምቅዋም መሰል ካብ ነበሮም ፥ ኣልጄሪያውያን’ውን ንሃገሮም ንዝወረረ ሓይሊ ብዝደለይዎ መንገዲ ናይ ምቅዋም መሰሎም ዝተሓለወ’ዩ። ኣብ ምንታይ’ዩ እቲ ሓጥያት። ንምዃኑ ኸ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ኣልጀራውያን ንዘመናት ዝፈጸመቶ ገበንን ግፍዕን ቆጺርካ ዶ ይውዳእ’ዩ። እኳ ደኣ ብመንጽር ፈረንሳ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈጸመቶ በደል ን ግፍዕን ፥እዚ ሕጂ ኣልጄርያውያን ፈጺመሞ ዝበሃል ዘሎ ናብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኮነን” ብምባል ንዝተጎልበበ ሓቂ ቀልዖ።
ንበርጄዝ ከም መጋብኣያ ኣልጀርስ ዝበለ ከሳስን ተኸሳስን ዘለዉሉ፥ውሻጠኡ ሓቅን ኣምነትን ዘይብሉ ኩነታት ክሱስ ብሕጊ ጸወታ ከሳሲ ክምራሕ ኣይግደድን’ዩ ፡፡ስለዚ ድማ በርጄዝ ኣብ መጋብኣያ ኣልጀርያ ገበን ከሳሲኡ ጉሕጉሕ ኣቢሉ ብምውጻእ ነቲ ጉዳይ ካብ ኣዳራሽ መጋብኣያ ብምውጻእ ኣብ ኣደባባይ ሰጥሖ። እዚ በርጄዝ ዝፍለጠሉ ስልቲ Rapture defence ተባሂሉ ይፍለጥ።
በርጄዝ ንክሲ ጀሚላን ብጾታን ንምክልኻል ብስፍሓት ዝተጠቐመሉ እዚ ስልቲ’ዚ ካብኡ ወጻኢ ካልእ ጠበቓ ክጥቀመሉ ብዙሕ ኣይተረኣየን። ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ እዚ መለለዪ በርጄዝ ዝኾነ ስልቲ ምምጓት ምስኡ ሓቢሩ ሞይቱ ተቐቢሩ’ዩ ዝበሃል።
በዚ ቀላዒ ኣበር ስልቲ በርጄዝ ሚስጥር ኣደባባዮም ብገዛእ ዜጋኦም ጋህዲ ዝወጾም ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ብስራሕ በርጄዝ መዓንጥኦም ሓረረ። እቲ መጋብኣያ ድማ ንመከራኸሪ ነጥቢ በርጄዝ ብምንጻግ ኣብ ልዕሊ ጀሚላ ፍርዲ ሞት ወሰነ።ነቲ ብይን ዝሰምዐት ጀሚላ ቦርሄድ ኣብቲ ኣዳራሽ ካዕካዕ ኢላ ሰሓቐት። ነቲ ብይን ዘንበበ ማእከላይ ዳኛ ንጀሚላ ከምዚ በላ።
“ኣይትስሓቒ ወይዘሪት እዚ’ኮ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ነገር’ዩ”
እወ ብርግጽ ነቲ ጉዳይ ከም ላግጺ እኳ እንተረኣየቶ ንጠበቓኣ በርጄዝ ግን እቲ ጉዳይ እቲ ዳኛ ከም ዝበሎ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ’ዩ።
በዚ’ውን በርጄዝ ኣብ ኣዳራሽ’ቲ መጋብኣያ ጓሕጒሑ ኣውጺኡ ስጡሕ ኣደባባይ ዝገበሮ ጉዳይ ጀሚላ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርወ። ኣብ ዙርያ ታሪኽ ጀሚላ ደርፊ ተሰርሐ። ፊልም ውን ሰዓበ። መራሕቲ ሃገራትን ህቡባት ሰባትን ፥ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ጀሚላ ንዝበየነቶ ፍርዲ ሞት ከተልዕል ሓተቱ። እቲ ጉዳይ መዘራረቢ ዓለም ምዃኑ ዘሕፈራ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ጀሚላ ንዝተበየነ ፍርዲ ሞት ኣልዓለቶ። ብዙሕ ከይጸንሐት’ውን ጀሚላ ተፈትሐት። ኣልጄሪያ’ውን ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ነጻ ወጸት። በዓል ቅያ ጠበቓ በርጄዝ’ውን ሞስሊም ኮነ። ዜግነት ኣልጄርያ ወሲዱ ንኣርማ ናጽነት ኣልጄራውያን ጀሚላ ቦርሄድ ተመርዓዋ።
ድሕሪኡ መራሕቲ ነጻ ኣልጀርያ ንከምዚ ዓይነት ስራሕ ካባኻ ዝሓሸ ኣበይ’ሞ ብምባል ፥በርጄዝ ብገበን ራዕዲ ተኸሲሱ ፥ወተሃደራዊ መጋብኣያ እስራኤል ፍርዲ ሞት ንዝበየነሉ ፥ንተቓላሲ ሓርነት ፍልስጤም ማሕሙድ ሒጃዚ ክጣበቐሉ ሓተትዎ። በርጄዝ ዕጥይጥይ ኣይበለን። ነፋሪት ተወጢሑ እስራኤል ተረኣየ። በርጄዝ ንማሕሙድ ሒጃዚ ንክጣበቐሉ፥ ናብ እስራኤል ከም ዝኣተወ ዝፈለጡ ሰበ ስልጣን እስራኤል ግን ፥ ንበርጄዝ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ዝሰራሕካዮ ይኣኽለካ ፥ ንሒጃዚ ክትጣበቐሉ ኣይነፍቅድን ኢና ብምባል ንጽባሒቱ ብካልእ ነፋሪት ናብ ዝመጾ መለስዎ። በርጄዝ ከምዚ ከጋጥም ከም ዝኽእል ገሚቱ ኔሩ’ዩ። ሰብ መዚ እስራኤል ንበርጄዝ ንጽባሒቱ ከፋንውዎ እንከለዉ ፥ዝኾነ ይኹን ሰብ ንከይረኽቦ ኣብ ዘዕረፈሉ ሆቴል፥ ሃብደበት ሓደ ጋዜጠኛ እስራኤል ብመስኮት ንዘቕረበሉ ሕቶ ፥ኣቐዲሙ ኣዳልይዎ ንዝነበረ ማኒፌስቶ ዝመስል ጽሑፍ ደርበየሉ።
ኣብ ዝሰዓበት መዓልቲ በርጄዝ ካብ እስራኤል ክስጎግ እንከሎ ፥ ነቲ ጋዜጠኛ ዝደርበየሉ ጽሑፍ ግን ኣብ ጋዜጣ ወጸ። መንፈስ ናይቲ ጽሑፍ ንሒጃዚ ከም ተቓላሳይ ሓርነት ከም ዝሪኦን ፥ብመንጽር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝፈጸመቶ በደል ፥ሒጃዚ ቦንባ ክፍንጅር ክብል ምትሓዙ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ፥ሒጃዚ ብፍጹም ጥፍኣተኛ ኣይኮነን ዝብል’ዩ።
ከም ርእይቶ ብዙሓት ናይቲ ግዜ’ ትን ከባብን ተዓዘብቲ ኩነታት፥ እዛ ናይ በርጄዝ ጽሕፍቲ ስርሓ ሰሪሓ’ያ። ኣብ ፖሊሲ እስራኤል ንዘመናት ዝዘለቐ ጽልዋ ኣዕሪፋ’ያ። ብሰንኪ በርጄዝ ኣብ ዙርያ ፍርዲ ሞት ሒጃዚ ዝተፈጠረ ኣተኩሮ ዝሰሓበ እንካ ሃባ ፥ ንፍርዲ ሞት ሒጃዚ ክለዓል ገበረ። ኣብ 1971 ዓ ም ኣብ እዋን ምልውዋጥ እሱራት ሒጃዚ ካብ ማእሰርቲ ተፈትሐ። ብዙሓት ከም ዝብልዎ ምብርዓን ፍርዲ ሞት ሒጃዚ፥ እስራኤል ካብቲ ግዜቲ ኣትሒዛ ክሳብ ሕጂ ፥ብከቢድ ራዕዲ ገበን ኣብ ልዕሊ ዝተኸሰሱ ፍልስጤማውያን ፍርዲ ሞት በይና ኣይትፈልጥንያ።
ድሕሪ’ዚ በርጄዝ ምስ ቦርዴል ኣብ ፓሪስ ክነብር ጀመረ። ካብ ጀሚላ ድማ ሚርየምን ሊስን ዝተበሃሉ ክልተ ቆልዑ ወለደ።ኣብ 1970 ዓ ም ሓንቲ መዓልቲ ግን፥ በዓል ቅያ ጠበቓ ጃክዊ በርጄዝ ፥ንበዓልቲ ቤቱ ይኹን ካልኦት ኣዕሩኽቱ ፥ኣብዚ ኣለኹ ወይ ድማ ናብዚ ከይደ ኣለኹ ከይበለ ሃንደበት ስውር በለ። በቃ ጠፊኡ ተሰዊሩ። ኣብዚ ኣትዩ ከይተበሃለ ደሃዩ ሃጠመ በርጄዝ። ብዘይ ዝኾነ ደሃይ 3 ኣዋርሕ ምስ ሓለፈ ፥ጠባይ ሓዊ ለይቶ ከም ዝውንን ኣዳዕዲዓም ዝፈልጡ ጀሚላን ኣዕሩኽቱን ፥ገሊኦም ቀቲሎም’ዮም ዝኾኑ ብምባል ቀበጽዎ። በቃ በርጄዝ ብዝወጾ ተሪፉ ተበሃለ።
በርጄዝ ግን ጠፊኡ ኣይጠፍአን። ድሕሪ ምስዋሩ ኣብ መበል 8ይ ዓመቱ፥ኣብ 1978 ዓ ም ዋላ ሓንቲ ከይሓዘ ሃንደበት ኣብ ፓሪስ ነጠበ። ኩሎም ዝፈልጥዎን መራኸቢ ብዙሃን ዓለምን ጉድ በላ። ኣበይ ኔርካ ንዝብልዎ መልሲ ምሃብ የለን። በርጄዝ ንዝሓለፋ 8 ዓመታት ኣበይ ከም ዝነበረ ካብ ምግማት ወጻኢ ዝፍለጥ ነገር የለን። ገሊኦም ምስ ፈታዊኡ ፖል ፖት ኣብ ካምቦድያ’ዩ ኔሩ ክብሉ እንከለዉ ፥ካልኦት ድማ ንተቓለስቲ ሓርነት ፍልስጤም እናሓገዘ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ’ዩ ኔሩ በሃልቲ ኢዮም። እዚ ኩሉ ግን ግምት’ዩ።
መጽሄት ጀርመን ዴር ስፒግል “ንምዃኑ’ባ ኣብተን ዝጠፋእካለን ዓመታት ኣበይ ኢኻ ኔርካ?” ኢላ ንዘቕረበትሉ ሕቶ፥
” ኣብዛ ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስካ እትስልይ ዓለም ን 8 ዓመታት ዝኣክል ኣበይ ከም ዝነበርኩ ዘይምፍላጡ ዘገረም’ዩ።” ካብ ምባል ሓሊፉ ኣብዚ’የ ኔረ ክብል ኣይደለየን።በርጄዝ ካብ ዝጠፍኦ ተመሊሱ ፥ኣብ ፓሪስ ሞያ ጥብቅና ምስ ጀመረ ፥ከም ቀደሙ ንሓደገኛታት ፈጠርቲ ራዕዲ ፥ሰብ ከቢድ ሚዛን ገበነኛታት ጥብቅና ደው ምባል ተተሓሓዞ።
ንሊባኖሳዊ ጆርጅ ኢብራሂምን ንገበነኛ ኲናት ናዚ ክላውስ ባርቢ ጥብቅና ደው በለሎም።”ሓራዲ ሊዮን” እናተበሃለ ንዝፍለጥን ፈረንሳ ኣብ ትሕቲ ናዚ ጀርመን ኣብ ዝነበረትለን ዓመታት፥ ንብዙሓት ፈረንሳውያንን ኣይሁድን ብምስቓይን ብምቕታልን ዝተኸሰሰ ክላውስ ባርቢ መስርሕ ፍርዱ ትኹረት ዓለም ዝሰሓበ’ዩ ኔሩ።
ን39 ኣባላት ኣኽበርቲ ሕጊ ንበይኑ ዝመከተሉ መስርሕ መጋብኣያ ክላውስ ባርቢ ኣብ ሂወቱ ፍሉይ ቦታ’ዩ ዘለዎ ።ሓደ ፍርዲ መጋብኣያ መዐቀኒኡ ፥እቲ መጋብኣያ ምስ ተዛዘመ ገዲፍዎ ዝኸይድ ኣሰር’ዩ ዝብል በርጄዝ፥ ድሕሪ ዓመታት ነቲ መስርሕ መጋብኣያ ዘኪሩ ከዕልል እንከሎ” 39 ኣኽበርቲ ሕግን ሓደ ዳኛን፥እቲ ዳኛ ድማ ናይቲ ከሳሲ ኣካል ጸግዒ’ዩ ማለት’ዩ ብሓደ ወገን፥ በቲ ሓደ ወገን ድማ ኣነ ንበይነይ…… እዚ እንታይ ማለት’ዩ። ኣነ ንበይነይ ኣንጻር 40 ሰባት ገጢመ ማለት እኮ’ዩ። ብሸነኽ ከሳሲ ዘለዉ ነፍሲ ወከፎም ናተይ 1/40 ኢዮም ማለት እኮ’ዩ። እዚ ንበይኑ ንባርቢ ንክጣበቐሉ ንምኽንያት እኹል’ዩ”።
ኣብ ኣተሓሳስባ በርጄዝ ፍጹም ክፉእ ወይ ድማ ፍጹም ጽቡቕ ዝበሃል ነገር የለን። ስለ ዝኾነ ድማ “መርሖይ በዘይ መርሓ ምንባር’ዩ” ይብል። “ዝወጽኣሉ ገበነኛ’ውን ኣብ ልቡ ጽብቕቲ ዕንባባ ኣይስእንን’ዩ። ዝኾነ ሓላል ዝበሃል ሰብ’ውን ውሑዳት ተናኸስቲ ኣትማን ኣብ ልቡ የቐምጥ’ዩ” ይብል ማዕበላዊ ጠበቓ ጃክዊ በርጄዝ።
በርጄዝ ንባርቢ ከምዚ ኢለዮ ይብል።” ንስኻ ከም ፍጡር ወዲ ሰብ ደው ክትብል’የ ዝደሊ። ኣራዊት ኣይኮንካን። ርግጽ’ዩ ንጹህ ሰብ ድማ ኣይኮንካን። ንስኻ ሓደ መኮንን ወተሃደር ኢኻ። ኣብ ሓደ ወራሪ ዝኾነ ሰራዊት ዘለኻ መኮንን ወተሃደር ኢኻ። ኣኸለ። ኣብ ውሽጢ ኣልጀሪያ ካብ ዘሎ ሓደ ወተሃደር ፈረንሳ ወይ ድማ ኣብ ቬትናም ዘሎ ኣባል ሰራዊት ኣሜሪካ ወይ ድማ ካቡል ዘሎ ወተሃደር ሩስያ ኣይትንእስን ኣይትበልጽን ኢኻ”።
በርጄዝ ምስ ዴር ስፒግል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ “ከም ጠበቓ ናተይ ሽቶ ፥ተኸሰስቲ ነቲ ተግባር ንክፍጽሙ ዘብቀዖም ምኽንያት ኩልዕ ኣቢልካ ምውጻእ’ዩ” ይብል።” ንዝኾነ ኣስካሕካሒ ገበን ዝፈጸመ ሰብ’ውን ፥እዚ ሰብ እዚ ከምዚ’ዩ ኢለ ፥ብይን ሕልና ምትሕልላፍ ናተይ ስራሕ ኣይኮነን” በሃላይ’ዩ በርጄዝ። በርጄዝ ንሓደገኛ ገበነኛታት ጠበቓ ኣይከውንን’የ ዝብል ጠበቓ ማለት”ሓደገኛ ሕማም’ዩ ሒዝካ ዘሎ፥ስለዚ ኣይሕክመካን’የ” ከም ዝብል ሓኪም’ዩ ማለት’ዩ። ከምዚ ዓይነት ሓኪም ድማ ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓኪም’ዩ ትብሎ?” ብምባል ይሓትት።
በርጄዝ ጠበቓ ካብ ዝኾነሎም ኣህጉራውያን ገበነኛታትን ፈጠርቲ ራዕድን ብምንጽጻር ምስ ጠበቓ ዝኾነሎም ኣህጉራውያን ገበነኛታትን ፈጠርቲ ራዕድን ዘለዎ ጥቡቕ ዝምድና ፥ንሱ’ውን ኣካሎም ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ ኢሎም ዝጥርጥሩ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። በርጄዝ ነዚ ጠቐነ’ዚ ፍጹም ኣይቅበሎን’ዩ። ኣዕሩኹቱ ግን ንምቹእ ሂወት ፓሪስ ፥ከይስእኖ ስለ ዝደሊ’ምበር ፥ምስ ሓደ ውዱብ ተቓለስቲ ሓርነት ተጸምቢሩ ፥ካብ ምቅላስን ምርዓድን ኣይምተመለሰን ኔሩ ይብሉ።
ትካል ጸረ ስለያ ፈረንሳ’ውን ንበርጄዝ ንዓመታት ተኸታቲሉ ምስ ዝጣበቐሎም ፈጠርቲ ራዕዲ ፥ጥቡቕ ዝኾነ ዝምድና ከምዘለዎ፥ ሓበሬታ ዋላ’ኳ እንተረኸበ ንክኸሶ ብቑዕ ኮይኑ ስለ ዘይረኸቦ ክሲ ክምስርተሉ ኣይከኣለን። ማሕበር ጠበቓታት ፈረንሳ’ውን ዲሲፕሊናዊ ስጉምቲ ክወስደሉ ሓሲቡ ኣይኮነሉን።
በርጄዝ ዕድለኛ ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ። ጥንቃቐ’ውን ዝሓገዞ ይመስል። ብዙሓት በርጄዝ ንሓደገኛ ገበነኛታት ምጥባቑ ፥ነቶም ገበነኛታት ነጻ ዋላ ኣየውጽኣዮም ፥ንዕዑ ግን ህቡብ ንክኸውን ሓጊዝዎ’ዩ ብምባል ውግእ የብልዎ ኢዮም። በርጄዝ ንተራ ሰረቕቲ ፥ኣመንዝራታትን ድኻታት ህጻናት’ውን ብዘይ ክፍሊት ጠበቓ ኮይንሎም’ዩ።
” ንምዃኑ ክኸፍሉኻ ንዘይክእሉ ንዱያትን ተራ ገበነኛታትን ጠበቓ ምዃን የዋጽኣካ ዶ?” ኢሎም ንዝሓትዎ ” ኣይትሰከፉን ኣይትሕሰቡን። ንሃብታማትን ዓበይቲ ኩባንያታትን’ውን እጣበቐሎም ኣለኹ። ንሳቶም ዝኸፍሉኒ ንወጻኢ ናይዞም ትብልዎም ዘለኹም ይሽፍነለይ’ዩ” ይብል።
ኣብ 1994 ዓ ም ንኣህጉራዊ ፈጣሪ ራዕዲ “ካርሎስ’ቲ ወኻርያ” ፥ኣብ ሱዳን ተታሒዙ ንፍርዲ ኣብ ፈረንሳ ክቐርብ እንከሎ ፥ ኩሉ ከም ዝግምቶ ጠበቓ ኮይኑ ደው ዝበለሉ ጃክዊ በርጄዝ’ዩ ኔሩ። በርጄዝን ካርሎስን ቀደም’ዮም ዝፋለጡ። ኣብ 1982 ዓ ም ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ፈንጂ ሒዛ ብምርካባ ንዝተኸሰሰት ኣፍቃሪት ካርሎስ ኣባል ጉጅለ ራዕዲ ጀርመን ባደርሜንሆፍ ንዝነበረት ማግደሊን ኮፕ ብጥብቅና ደው ክብለላ እንከሎ።
ኣፍቃሪቱ ዝተተሓዘቶ ካርሎስ ንፈረንሳ ብቦንባ ከናውጻ እንከሎ፥ ኣብ መንጎ ሰበ ስልጣን ፈረንሳን ካርሎስን ኣራኻብን መንጎኛን ብምዃን ማግደሊን ኮፕ ንክትፍታሕ ፥ ካርሎስ ድማ ብነታጒ ሃገር ምሕማስ ከቋርጽ ዘሰማምዖም በርጄዝ’ዩ። ኣይኮነሉን’ምበር በርጄዝ ኣብቲ ግዜ’ቲ ንዓርኪ ካርሎስ ማግደሊን ኮፕ ካብ ካርሎስ ብምንጻል ናቱ ክገብራ ፈቲኑ ኔሩ’ዩ። በርጄዝ ኣብቲ ግዜ’ትን ኣብ ካልእ ግዜን ምስ ካርሎስ’ቲ ወኻርያ ብዙሕ ግዜ ተራኺቡ’ዩ። ብሓፈሻ በርጄዝ ኣታውን ወጻእን ገዛ ካርሎስ’ቲ ወኻርያ’ዩ ኔሩ ክበሃል ይከኣል’ዩ። ስለዚ’ዩ ካርሎስ ብዛዕባ በርጄዝ ምስ ተሓተተ ጓለይ’ውን እኮ ሓወቦይ’ያ ትብሎ ኔራ ዝብል።
ኣብ 1994 ዓ ም ምቛም ጥብቅና በርጄዝ ንካርሎስ ብዙሕ ከይጸንሐ ጠጠው በለ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ካርሎስ ንሰበ ስልጣን ፈረንሳ ” በርጄዝ ካባይ ዝገደደ ፈጣሪ ራዕዲ ዶ ኣይኮነን” ኢሉ ብምዝራቡ’ዩ።
ኣብ 1999 ዓ ም ድማ በርጄዝ ቅድሚ ሃገራዊ ምርጫ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ’ዩ ተባሂሉ ፥ብኣህጉራዊ ውድብ ተማጓቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል ሪፖርት ንዝወጽኣሉ መንግስቶ ቶጎ፥ ብምውካል ንኣመነስቲ ኢንተርናሽናል ከሰሰ።
ኣብ 2001 ዓ ም ድማ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ኣብ መወዳእታ ንክሱ ዋላ’ኳ ውዱቕ እንተገበረሉ፥ ንፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደብዕን ፕረዚደንት ጋቦን ዑመር ቦንጎን፥ ከምኡ’ውን ንርእሰ ብሄር ሪፓብሊክ ኮንጎ ደኒስ ሳሶ ኑጌሶን ብምውካል ፥ስም እዞም መራሕቲ ጸለሎ ዝቐብእ መጽሓፍ ብምጽሓፍ ኣሕቲሙ ንዝበሎ ደራሲ ክሲ መስሪትሉ ኔሩ።
ኣብ 2007 ዓ ም ብሃየስቲ ፊልም ተደናቕነት ዝረኸበትን ኣብ ታሪኽ ሂወት በርጄዝ ዘተኮረትን “ጠበቓ ራዕዲ” (Terror’s advocate) ዝተበሃለት ዶኩሜንታሪ ፊልም ንተዓዘብቲ ቀረበት። ኣብ ዝሰዓበት ዓመት ድማ “መስርሕ ነፍሲ ወከፍ መጋብኣያ ጥበብ’ዩ። ልክዕ ከም ተዋስኦ ሼክስፒር” ዝብል በርጄዝ ፥ ንናይ ገዛእ ርእሱ ዛንታ ብሓደ ሰብ ብዝስራሕ ተዋስኦ ( one man play) መልክዕ ኣዳልዩ፥ኣብ ፓሪስ ማድሊን ቲያትር ባዕሉ ክዋስእ ጀመረ።
ኣብ 2011 ዓ ም በርጄዝ ግዳይ ደብዳብ ነፈርቲ ኔቶ ዝኾኑ ሊብያውያን ፥ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነበር ኒኮላስ ሳርኮዚ ፥ ዝመስረትዎ ክሲ ንምድጋፍ ናብ ትሪፖሊ ሊብያ ተጓዓዘ። ኣብኡ ኮይኑ ” ኣብ ልዕሊ ሉኡላዊት ሃገር ዝተፈነወ ” ንዝበሎ ደብዳብ ብምኹናን ሙዓመር ቓዛፊ ፥ ናብ ፍርዲ ዝቐርብ እንተደኣ ኮይኑ ሽምጡ ገቲሩ ክካትዓሉ ከም ዝደሊ ኣፍለጠ። ጎኒ ጎኒ ብኣገራምን ኣዛራብን ክስተታት ዝተመልአ ሂወት ጥብቅናኡ፥ በርጄዝ ብውልቁን ምስ ካልኦት ብምዃንን ልዕሊ 30 መጻሕፍቲ ኣሕቲሙ’ዩ።
“ካብ ናተይ ኑዛዜ- ተዘክሮታትን ሕልሚ ቀትርን” ትብል ናይ መወዳእታ መጽሓፉ ምስ ኣሕተመ ኣብ መንፈቓ፥ 15 ነሓሰ 2013 ብኣደነቕቲ ፍጻመታት ዝተመልአ ሂወት በዓል ቅያ ጠበቓ በርጄዝ ኣብቀዐት። ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ከምኡ ዓይነት ማዕበላዊ ዝነበረ ፥ናይ መበል 18 ክፍለ ዘመን ፈረንሳዊ ጸሓፍን ፈላስፋን ቮልቴር ነዛ ዓለም ተሰናበታ።
ንሕልፈት በርጄዝ ኣመልኪቱ ፕረዚደንት ሃገራዊ ማሕበር ካውንስል ጠበቓታት ፈረንሳ ክርስትያን ቻርየር ቦርናዜል፥ ንበርጄዝ ኣዝዩ ደፋርን ብገዛእ ርእሱ ዝቖመን ዓቢ ጠበቓ በሎ’ሞ፥ ካብ በርጄዝ ክንመሃሮ ዝግበኣና ” ንተውህቦኡ፥ወነኡ፥ ቆራጽነቱ ከምኡ’ውን ንመቀናቕንቱ ኣብ ምኽባር ዝተወሃሃደ ፥ብኣንጻርነት ዝተመልአ ስምዒቱን’ዩ” ይብል። ጠበቓ ፥ ዕሱብ ወተሃደር( mercenery) ዘይኮነ ኣርማ ሓቂ ዝሓዘ ዝሓዘ ተዃሻሒ (Knight)ዩ ……በርጄዝ ብርግጽ ኣርማ ሓቂ ዝዓትዓተ ክቡር ተዋጋኢ’ዩ ኔሩ” ይብል።
ሓደ ተጠቃሚ ቲዊተር ድማ ሕልፈት በርጄዝ ምስ ተሰምዐ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ።
” በርጄዝ ሕጂ’ውን ንካልኣይ ግዜ ተሰዊሩ ኣሎ። ሕጂ’ውን ናበይ ከም ዝኸደ ኣይነገረናን”።
ዝኸበርኩም ስድራ ሞዛይክ ባህሊ ታሪኽ በዓል ቅያ ጠበቓ ጃክዊ በርጄዝ ከመይ ረኺብኩሞ። ዝበሃል ኣይትስእኑን ኢኹም እሞ ርእይቶኹም ከምቲ ልሙድ ኣብ ቦታ ርእይቶ ክንጽበ ኢና። ኣብ ቀጻሊ ብካልእ ትሕዝቶ ክሳብ ንራኸብ ኣብ ዘዘለናዮ ሰላምን ጥዕናን።
ኣንገሶም ተስፋሚካኤል