back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

7 ጸለውቲ ንግስነታት ኣፍሪቃ

ካብ ጥንታዊት ሱዳን ክሳብ ማእከላይ ዘመን ዚምባብወ፡ ኣብ ታሪኽ ኣሰር ዝገበራ ሸውዓተ ንግስነታት ኣፍሪቃ  ዝምልከት ሓቅታት እንታይ ይመስል? እተን ንግስነታት ከ መነ-መን ነይረን?

1. ንግስነት ኩሽ

መብዛሕትኡ ግዜ ብሰሜን ብዝርከቡ ግብጻውያን ጎረባብቲ ይጽሎ እኳ እንተነበረ፡ ንግስነት ኩሽ ግን ንልዕሊ ሽሕ ዓመት ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዞባዊ ሓይሊ ኮይኑ ደው ኢሉ። እዚ ጥንታዊ ሃጸያዊ ግዝኣት ኑብያ ኣብ ካልተ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፣ ኣብቲ ሕጂ ሱዳን ዝበሃል ዘሎ ኣብ ወሰን ሩባ ኒል ሰፊሕ መሬት ይገዝእ ነይሩ። ንግስነት ኩሽ፡ ኣብ ስኒ ሓርማዝ፡ ዕጣን፡ ሓጺንን ብፍላይ ድማ ወርቅን ኣኽሳቢ ዕዳጋ ዘካይድ ዝነበረ ቁጠባዊ ማእከል ምንባሩ ብወገን ምንጭታት ታሪኽ ግብጺ ይግለጹ። እቲ ንግስነት ንግዳዊ መሻርኽትን ወተሃደራዊ መወዳድርቲ ግብጽን እዩ ነይሩ። ንግብጺ ከይተረፈ መበል 25 ስርወ መንግስቲ ጌሩ እዩ ዝገዝኣ ነይሩ። ብዙሕ ልምድታት ጎረቤታት ድማ ተቐቢሉ። ኩሻውያን ንገለ ካብ ኣማልኽቲ ግብጺ የምልኹ፣  ምዉታቶም ይዕቕቡን ናይ ገዛእ ርእሶም ዓይነት ፒራሚዳት ይሰርሑን ድማ ነበሩ። ኣብ ከባቢ እታ ጥንታዊት ርእሰ ከተማ ኩሻ መሩዋ ዝርከብ ከባቢ፡ ኣብዚ ግዜ ልዕሊ 200 ፒራሚዳት ዝሓዘ ዑናታት ኣለዎ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ መላእ ግብጺ ዘለዎ ፕራሚዳት ንላዕሊ እዩ።

2. ምድሪ ፑንት

ከም ፑንት ዝኣመሰለ ምስጢራዊ ስልጣነታት ኣፍሪቃ ውሑዳት እዮም። ታሪኻዊ ጸብጻባት ናይቲ መንግስቲ ካብ ከባቢ 2500 ቅ.ል.ክ.፡ ኣብ መዛግብቲ ግብጺ ከም “ምድሪ ኣማልኽቲ” ብኢቦኒ፡ ወርቂ፡ ከርበን ከም ኣናጹን ነብሪን ዝኣመሰሉ ፍሉያት እንስሳታትን ሃብታም ምንባሩ ይንገር። ግብጻውያን ኣብ ንግዳዊ ተልእኾ ናብ ፑንት ዓበይቲ ቃፍላያት  ዝሰደዱ ምንባሮም ውን ይፍለጥ። ብፍላይ ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ቅ.ል.ክ. ንግስነት ንግስቲ ሃትሸፕሱት። እንተኾነ ግን እቲ ንግስነት ብልክዕ፡ ኣበይ ከም ዝነበረ ክሳብ ሕጂ ኣይፈለጥን። እቲ ጽውጽዋያዊ መንግስቲ ዝርከበሉ ንምሁራት ኣዝዩ ዝካታዕ ኣርእስቲ ኮይኑ፡ ሓውሲ ደሴት ዓረብን ሌቫንት ክልቲአን እቲ ንግስነት ዝነብረለን ቦታት ክኾና ይኽእላ እየን ተባሂለን ክቐርባ እንከለዋ፡ መብዛሕትኦም ግን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ከምዝነበረ ይኣምኑ። ኣብ 2010፡ ሓደ ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ሓደ እዋን ገዛእቱ ንፈርዖናት ግብጺ ህያብ ዝሃብዎ ዝተዓቀበ ሬሳ ጋውና ብምትንታን፡ ፑንት ተዶኲናትሉ ዝነበረት ቦታ ከለልዩ ፈቲኖም። ውጽኢት ናይ’ቲ ምርመራ፡ ኣስካረን ናይ’ቲ ጋውና ኣብ ዘመናዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ዝተረኽቡ እንስሳታት፡ ዝተቀራረበ እኳ እንተኾነ፡ ትኽክለኛ ኣቀማምጣ መሬት ናይ ፑንት ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተረጋገጸን።

3. ካርቴጅ

ኣብ ውግኣት ፑኒክ መወዳድርቲ ጥንታዊት ሮማ ተባሂላ እትፍለጥ ካርቴጅ፡ ንልዕሊ 500 ዓመታት ዝዓመረ ንግዳዊ ማእከል ሰሜን ኣፍሪቃ እያ ነይራ። እታ ከተማ-መንግስቲ  ዝጀመረት ኣብ 8ይ ወይ 9ይ ክፍለ ዘመን ቅ.ል.ክ. ከም ሰፈራ ፎኒሻውያን ኣብዛ ሕጂ ቱኒዝያ እትበሃል ሃገር ኮይና፡ ድሒራ ግን  ንግዲ ናይ ዓለባ፡ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን ዝዓብለላ ሰፊሕ ግዝኣት ባሕረኛታት ኮይና ዓብያ።  ኣብ ዝለዓለ ጥርዛ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን፡  ርእሰ ከተማኣ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ነበርቲ ዝነበርዋ ኮይና፡ ን220 መራኽብ ዝዓርፋሉ ወሽመጥ ዝተዓጠቐ ዕቑር ወደብ ዘጠቓለለት እያ ነይራ። ጽልዋ ካርቴጅ  ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክሳብ ስጳኛን ገለ ክፋል ማእከላይ ባሕርን ተዘርጊሑ እኳ እንተነበረ፡ ጽምኢ ምስፍሕፋሕ ግን ምስታ ትዓቢ ዝነበረት ሮማዊት ሪፓብሊክ ዝያዳ ምትፍናን ኣስዓበ። ካብ 264 ቅ.ል.ክ ጀሚሩ ጥንታውያን ልዕለ ሓያላን ሃገራት ኣብቲ ሰለስተ ደማዊ ውግኣት ፑኒክ ተጋጭየን፣ እቲ ናይ መወዳእታ ውግኣት ድማ ብ146 ቅ.ል.ክ. ምስ ዳርጋ ፍጹም ዕንወት ካርቴጅ ተኻዪዱ። ሎሚ ዳርጋ ካብታ ኣብ ሓደ እዋን ሓያል ዝነበረት ግዝኣት ዝተረፈ ኣብ ከተማ ቱኒዝ ዝርከብ ተኸታታሊ ዑናታት ጥራይ እዩ።

4. ንግስነት ኣኽሱም

ንግስነት ሮም ዝወድቀሉን ዝትሰኣሉን ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን፡ እቲ ጸላዊ ንግስነት ኣኽሱም ኣብ  ገለ ክፋል ናይቲ ሕጂ ኤርትራን ሰሜን ኢትዮጵያን ዝረከብ ከባብታት ተዶኲኑ። ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ኣኽሱም ዝፍለጥ ውሑድ እኳ እንተኾነ፡ ግን ኣብ 2ይን 3ይን ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ፡ ወርቅን ስኒ ሓርማዝን ኣብ መንጎ ጥንታዊት ኤውሮጳን ርሑቕ ምብራቕን ኣዝዩ ኣገዳሲ መተሓላለፊ ዝገብሮ ንግዳዊ መላግቦ እዩ ነይሩ። እቲ ንግስነት ብግእዝ ዝፍለጥ ጽሑፋዊ ስክሪፕት ነይርዎ። ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኣብ ኣፍሪቃ ዝተቐልቀሉ – ፍሉይ ቅዲ ስነ ህንጻ ​​ድማ ኣማዕቢሉ። እዚ ድማ ምህናጽ ዓበይቲ ሓወልቲ እምኒ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ገሊኦም ልዕሊ 30 ሚትሮ ቁመት ዘለዎም እዮም። ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣኽሱም ኣብ ዓለም ካብተን ቀዳሞት ሃጸያዊ ግዝኣታት ክርስትና ዝተቐበለ ብምምባሩ፡  ምስ ንግስነት ቢዛንታይን፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምሕዝነት ክፈጥር ከምዝኸኣልይ ይፍለጥ። እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ድሒሩ ኣብ ገለ እዋን ከባቢ 7ይ ወይ 8ይ ክፍለ ዘመን ፈሪሱ። ሃይማኖታዊ ውርሻኡ ግን ክሳብ ሕጂ ብመልክዕ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ።

5. ንግስነት ማሊ

ምምስራት ሃጸያዊ ግዝኣት ማሊ ካብ 1200ታት ዝጅምር ኮይኑ፡  ሓደ ሓደ ግዜ “ንጉስ ኣንበሳ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሱንዲያታ ኬይታ ዝተባህለ ገዛኢ- ኣንጻር ሓደ ንጉስ ሶሶ ናዕቢ መሪሑ ሕድሽ ግዝኣት ፈጢሩ። ኣብ ትሕቲ ኬይታን ሰዓብቱን፡ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣብ ልዕሊ ሰፊሕ ክፋል ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነበሮ ምቁጽጻር ኣጽኒዑ፡ ብንግዲ ሃብታም ክኸውን ውን በቒዑ። ኣገደስቲ ከተማታታ ድጀንን ቲምቡክቱን ኮይነን ክልቲአን ብውሕሉል መሳጊድን ኣብያተ ትምህርቲ እስላምን ፍሉጣት እየን ነይረን። ሓደ ኻብዚ ትካላት እዚ፡ ኣብ ቲምቡክቱ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ሳንኮረ፡ ብገምጋም 700,000 ዝዀነ ኢደ-ጽሑፋት ዘለዎ ቤተ-መጻሕፍቲ ዘጠቓለለ እዩ። ሃጸያዊ ግዝኣት ማሊ ኣብ መወዳእታ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ተበታቲኑ፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ግን ሓደ ካብ ዕንቊታት ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ፡ ብሃብቱ ኣብ መላእ ዓለም ይፍለጥ ነበረ። ሓደ ብዛዕባ ሃብቲ እታ ንግስነት ዝገልጽ ኣፈ ታሪኽ፡ ነቲ ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ናብ መካ እንዳ ነገደ እንከሎ፡ ኣብ ግብጺ ኣብ ዘዕረፈሉ፡ ንጉስ ማንሳ ሙሳ  ኣዝዩ ብዙሕ ወርቂ ብምዕዳል፡ ንሓያሎ ዓመታት ዋጋኡ ኣብ ዕዳጋታት ግብጺ ኣዝዩ ክወርድ ከምዝገብረ ይዝንቶ።

6. ንግስነት ግዝኣት ሶንግሃይ

ንዓቐን ጥራይ፡ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ምስ ግዝኣት ሶንግሃይ ክወዳደሩ ዝኽእሉ ግዝኣታት ውሑዳት እዮም። እዚ ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ካብ ገለ ካብቲ ናይ ቀደም ዞባታት ግዝኣት ማሊ ዝተመስረተ ንግስነት ምዕራብ ኣፍሪቃ ካብ ምዕራብ ኤውሮጳ ዝዓበየ ኮይኑ ንገለ ክፋል ናይ ብርኪት ዝበላ ዘመናውያን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ  ነይሩ። እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሳላ ሓያል ፖሊሲታት ንግድን እቲ ሰፊሕ ቢሮክራስያዊ ስርዓትን ኣብ ዝተፈላለያ ኣውራጃታት ዝፈላልየን ነፍሲ ወከፈን ብናይ ገዛእ ርእሰን ኣመሓዳሪ ዝመሓደራን ዝተራቐቐ ቢሮክራስያዊ ስርዓትን ናይ ብልጽግና እዋን ዘስተማቐረን ውን ኢዩ። ኣብ መጀመርታ መበል 16 ክፍለ ዘመን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ውፉይ ንጉስ መሓመድ ቀዳማይ ኣስክያ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ። ሓደስቲ መሬታት ገቢቱ፣ ምስ መራሒ ግብጺ ምሕዝነት ፈጢሩን ኣብ ቲምቡክቱ ኣማኢት ኣብያተ ትምህርቲ እስላም መስሪቱን። ሃጸያዊ ግዝኣት ሶንግሃይ ኣብ ሓደ እዋን ካብተን ዝሓየላ ሃገራት ዓለም ክኸውን ከሎ፡ ድሒሩ ግን ኣብ መወዳእታ 1500ታት ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድን ውሽጣዊ ባእስን፡ ንወራር ሱልጣን ሞሮኮ ተቃሊዑ ፈሪሱ።

7. ዓባይ ዚምባብወ

ሓደ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣዝዮም ዝድነቑ ቅርሲታት ዓባይ ዚምባብወ ኮይኑ፡ ካብ ዝተቖርጹ ብሎኮታት ምሩጽ እምኒ ዝተርሰርሑ፡ ዝተኣከቡ ዝተደራረቡ ኣእማን፡ ግምብታት እምንን መከላኸሊ መናድቕን ዝሓዘ መስተንክር  እዩ። እቲ ናይ ከውሒ ዕርዲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣርእስቲ ጽውጽዋያትን ኣፈ-ታሪኻትን ኮይኑ ጸኒሑ። ኣብ ሓደ እዋን መንበሪ መጽሓፍ ቅዱሳዊት ንግስቲ ሳባ እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ ነይሩ። እዚ ንግስነት እዚ ን ዝሰፈሐ ክፋል ናይ ዘመናዊት ቦትስዋና፡ ዚምባብዌን ሞዛምቢክን ይገዝእ ምንባሩ ይሕበር። ብፍላይ ብከብትን ክቡር ሓጻውንን ሃብታም ስለ ዝነበረ፡ ንግራውቲ ወርቂ ናይቲ ዞባ ምስ ወደባት ገማግም  ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘራኽብ መስመር ንግዲ ቆይሙ ነይሩ። ብዛዕባ ታሪኹ ብዙሕ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ ከም ቻይናዊ ሸኽላታት፡ ብርጭቆ ዓረብን ዓለባ ኤውሮጳን ዝኣመሰሉ ዕድግታት ዘካይድ፡  ጽቡቕ ምትእስሳር ዝነበሮ ማእከል ንግዲ ምንባሩ ይሕብሩ። እታ ናይ ዕርዲ ከተማ ናይ ዓባይ ዚምባብወ፡ እታ ንግስነት ናብ ውድቀት ኣብ ዘምረሐትሉ ኣብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ኣብ ገለ እዋን ነበርታ ሓዲጎማ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ እዋን ዕብየታ ግን ኣስታት 20,000 ዝግመቱ ነበርቲ ከምዝነበራ ይዝንቶ።

ምንጪ፡ መጻሕፍቲ ታሪኽ፡

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles