ኣብ ስነ–ሞራል ደቂ–ሰባት ካብቶም ወሰንቲ ዝኾኑ ክልተ እዞም ዝስዕቡ እዮም። እቲ ቀዳማይ ንደቂ–ሰባት ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾነ ህይወት ከመይ ዝበለ እዩ? ክኸዉን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ነዚ ዓይነት ህይወት ከቑሙ ዝኽሉ ማሕበራዊ ትካላት ከመይ ዝበሉ ክኾኑ ኣለዎም ? ዝብል እዩ።[Graying,2002]፡፡ ደቂ–ሰባት ክልተ ተጻረርቲ ነገራት ይፍጽሙ፡፡ በቲ ሓደ ወገን ንገዛእ ርሶም ወይ ንኻልኦት ዝጠቅም ዕዮ ፡፡በቲ ካልእ መዳይ ድማ ንገዛእ ርእሶም ወይ ንኻልኦት ዝጎድእ ተግባር ይፍጽሙ፡፡ ብርግጽ ሰናይን እከይን ተግባራት ኣብ ዉሽጢ ደቂ–ሰባት እንበር ኣብ ካልእ ዝርከቡ ኣይኮኑን፡፡ስለዚ ሰነ–ሞራል[ሞራል] ርኽበት ወይ ዉጽኢት ኣተሓሳስባ ደቂ–ሰባት እዩ፡፡ሰብ ብኣተሓሳስብኡን ብተግባሩን ዝፈጠሮ እንበር ተፈጥሮ ዝዓደለቶ ኣይኮነን፡፡ተልእኹኡ ድማ ደቂ–ሰባት ንሓድሕዶም ጉድኣት ከየብጽሑ እንተተጓዲኦም ድማ ተሓተትቲ ንክኾኑ ምቹእነት ዘለዎን ሰላማዊ ሂወት ንኽህልዎም ምግባር እዩ፡፡ ስለዚ ስነ–ሞራል እከይ እጥፊኡ ሰናይ ነገራት ንምጉልባት ዝተፈጠረ ትካል ሰባት እዩ፡፡
ሕጂ ብእምነቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል ኣብታ ‘’ምህናጽ ሞራላዊ ሰረት ኤርትራ’’ እትብል መጽሓፉ ብዛዕባ ሞራል ክዛረብ እንከሎ ከምዚ ይብል ‘’ብዛዕባ ዳግመ ህንጻ ብኹናት ዝዓነወት ሃገርና ብዙሕ ተዛሪቡ ኣሎ፡ተዘሪቡ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ተገይሩ፡ ይግበር ከኣ ኣሎ ፡፡ዳርጋ ኩሉ እቲ ጻዕሪ ግን፡ናብ ዝፈረሰ ቢንቶታትን ጽርግያታትን ካልእ ህንጻዊ ስርሓት ዝዓለመ እዩ፡፡ኣብዚ ግና ክልዓል ዘለዎ ነጥቢ ኣሎ፡፡ንሱ ኸኣ እቲ ህዝቢ’ኸ እቲ ሰብ’ከ ? ምዕራይን ምሕዳስን’ከ ኣየድልዮን ድዩ? ነስተዉዕል ኣብዚ ምዕራይ ክንብል ከሎና፡ ‘ቲ ሞራላዊን መንፈሳዉን ህይወት ህዝብናን ሰብናን ማለትና እዩ፡፡መን’ከ እዩ ከዔርዮ ክሰርሖ ክሃንጾ ? ንሙዃኑ’ኸ ብስሩ ሞራላዊ ሰረት ነይሩና ድዩ? ሕጂ’ኸ ኣብዛ ሓዳስ ኤርትራ ተኣኻኺቡ ዘሎ ህዝብና ካበናይ ድሕረ ባይታን እንታይ ዓይነት ሞራላዊ ህይወትን እዩ ሒዙ መጺኡን ዘሎ ይብል፡፡ ጸሓፊ ቅድሚ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ብዛዕባ ሞራል ክዛረብ ዝኸኣለ ነቶም ኣብቲ ሃገር ዘስፋሕፍሑ ዝነበሩ ዘይሞራላዉያን ተግባራት ብምግንዛብ በቲ ሓደ መዳይ ድማ እቶም ነቲ ቃልሲ መሪሖም ዝኣተዉ ደቂ ሃገር ጽልዋ ናይ ኮምኒዝም ብፍላይ ድማ ናይቲ ብሚሊዮናት ሰባት ከም ዝቐተለ ዝንገረሉ መራሒ ቻይና ማኦ ዝነበሮም ኮይኖም ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንነቱን ክብርታቱን ባህሉን ሕጊ እንዳባ ዝተመርኮሰ ሕግን ስርዓትን ከንግሰሉ ይትረፍ ንኽብርታትን ባህልን ሕብረተሰብ ፋዕራ ዘይብሎም ብምንባሮም እዩ፡፡
ንግዚኡ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገርና ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ኣወንዚፍና፡ እዚ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝቕመጥ ዘሎ ህዝብና ሞራላዊ ህይወቱ ከመይ ኣሎ ኢልና ክንድህስስ ምስ እንፍትን[ገዛእ ርእስና ኣእቲና] ኣዝዩ ዘሰንብድ ነገር ክትረክብ ዘጸግም ኣይኮነን፡፡ስነ–ሞራላዊ ህይወቱ ዝተሓዋወሰን መስመር ኣልቦን እዩ፡፡እዚ ድማ ምስ ተሰደደ ዝጠበቖ ዘይኮነስ ገና ኣብ ሃገሩ እንከሎ ዝጭብጭብ ዝነበረ ዉድቀተ ሞራል እዩ፡፡ ንኣብነት ሓደ ንቤተሰቡ ጽቡቕ ዝኾነ ሂወት ተምንዩ ስድርኡ ጠርኒፉ ኣመሪካ ዝኣተወ ብዛዕባ እታ ሃዲሙላ ዝወጸ ኤርትራ ጽቡቕነታን ምዕባሌኣን ብዘይሕፍረት ክዛረብ እንከሎ፡እቲ ካልእ ድማ መንግስቲ እምነት ኣሕዲርሉ ንዝለዓለ ትምህርቲ ንምዕራብ ዓለም ዝተላእከሞ ዝሓከለ ተመሊሱ ብዛዕባ እቲ ዝጠለሞ መንግስቲ ቅንዕናን ግስጋሰን ክዛረብ እንተሰማዕክሞስ እንታይ ምበልኩሞ? ካብቲ ብዙሕ ገለ ክዉስኸኩም ንባዕሉ ኣብ ጎረቤት ሃገራትን ምዕራብን እናተቐመጠ መርበባት ስግረ ዶብ ዘርጊሑ ካብቲ ዝምከሓሉ መንግስቲ መንሰያት እናስገረ ዶላራት እናኣከበ ህግደፍ ወይ ሞት ክብል ዝዉዕል ኣዲኡ ትቑጸሮ፡፡
ተመሳሳሊ ኣብ ደንበ ፍትሒ[ተቓዋሚ] ዘሎ ስነ–ሞራል ካብቶም ኣብ ደንበ ህግደፍ ዘለዉ ዝማቐልዎ ብዙሕ ኮይኑ፡፡ተወሳኺ ግና ኣብ ክንዲ ንሰናይ ህዝብታት ኤርትራ ብምሕሳብ ሓቓፊ፡ጠርናፊ፡ገስጋሲ፡ሓብሓቢ፡ሓሳቢ፡ተሓላቒ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ኮማዊ ትካላት ብምህናጽ ነቲ ስነ–ምግባር ኣልቦን ኢ ሞራላዉን ዝኾነ ኣካይዳ ህግደፍ ክቃለሰ ቆራጽነትን ንሒን ጎዲልዎ ይርከብ፡፡እዚ ዘርእየካ ነገር እንተልዩ ድማ ብሓፈሻ ኩላትና ኣብ ተመሳሳሊ ሞራልዊ ኩነት ከም ዘለና እዩ፡፡ እስኪ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ከም ህዝቢ ዘጋጠመናን ዝሃብናዮ ግብረ መልስን ንቕሩብ ካልኢት ንነብስና ንሕተታ፦
–ጋዜጠኛታት ብሕቲ ክእሰሩ እንከለዉ፡፡
–ብ ጂ 15 ዝፍለጡ ሓለፍቲ መንግስቲ ክእሰሩ እንከልዉ፡፡
–መራሕቲ ቤተ–እምነታት ብእምነቶም ክእሰሩ እንከለዉ፡፡
–ደቂ ሱሳ ሰብዓ ዓመት ወለዲ ደቅኹም ኣምጽኡ ተባሂሎም ክእሰሩ ሓሙሳ ሽሕ ክፈሉ ክበሃሉ እንከለዉ፡፡
–መንእስያት ዶብ ክሰግሩ ክቕተሉ እንከለዉ፡፡
–ኣብ ላምፖዱሳ ኣማኢት ኣሕዋትና ክጥሕሉ እንከልዉ፡፡
–መንሰያትና ብኻራ ክሳዶም ክቑረጹ እንከለዉ፡፡
እቲ ዝርዝር ጽሒፍካ ዝዉዳእ ኣይኮነን የግዳስ ቅሩብ ከዘክረኩም ስለ ዝደለኹ እየ፡፡ነዞም ኣልዒለ ዝጠቕስክዎም እንህቦም ምላሽ ናትና ሞራልዊ ሕቶ ዝምልሱን ሰብኣዉነትና ዝፍትሹን ክኾኑ ይግባእ፡፡ሞራል ኮነ ሰብኣዉነት መንግስቲ ዝዕድለካ ወይ ሃይማኖታዊ ስለ ዝኾንካ ወይ ድማ ኣባል ሓደ ፖለቲካዊ ዉድብ ስለ ዝኾንካ ዝቕይደካ ኣይኮነን፡፡ተፈጥሮኣዊ ርኽበትካን ዉጽኢት ኣተሓሳስባኻን እዩ።
ማንም ሰብ ከም ሰብኣዊ ፍጡሩነቱ እከይ ንገራት ክበጽሕዎ ኣይደልን፡፡እንተኾነ በጺሕዎን ይበጽሖዉን ኣሎ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ክኾኖ ዝግብኦ ኣይኮነን፡፡ክመዉት ዘይግብኦ ክመዉት ጸኒሑ ኣሎ፡፡ክሽገር ዘይግባኦ ይሽገር ኣሎ፡፡መብዝሕትኡ ዝፈቐዶ ዘይኮነ ዘይፈቕዶ ክኸዉንን ክነብርን ተገዲዱ፡፡እዚ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ምርጭኡ ኣይነበረን፡፡ምርጭኡ ክኸዉን ከኣ ኣይክእልን፡፡ክነብሮ ዝግብኦ ህይወት ክነብር እንተኾይኑ፡እቲ ዘይፈቐዶ ዝነብሮ ዘሎ ከብቅዕ ኣለዎ፡፡እቲ መፍትሒ ድማ ኣብ ኢዱን ኣእምርኡን እዩ ዘሎ፡፡
ሰናይ ቅነ