ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ስዊዘርላንድ ኤርትራውያን ከይስጎጉን ወረቐት ክወሃቦምን ዝጽውዕ ጥርዓን ናብ መንግስቲ’ታ ሃገር ተረኪቡ።

ኣብ 2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕል ሰላም ድሕሪ ምኽታመን ፈደረላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ዝወሰዶ ቀዳማይ ስጉምቲ እንተ ኔሩ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ብምዝርራብ ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝርከቡ ገለ ኤርትራው ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላስ እዩ ኔሩ::

መንግስቲ ስዊዘርላንድ ነዚ ንምትግባር፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ተቐዳዲሙ ናብ ኤርትራ ልኡኻት ብምስዳድ ምስ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ክዘራረብ እንከሎ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ድማ መጽናዕቲ ኣካይዱ:: ድሕር’ቲ ርክብ ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክተመሓይሽ ክትሰማማዕ እንከላ ድሒራ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ሞያዊ ስልጠና ክትህብ ናይ 6 ሚልዮን ፍራንክ ፕሮጀክት ሓንጺጻ::

ስዊዘርላንድ ብተወሳኺ “ኣብ ኤርትራ ሰላም ኣሎ፥ ኩነታት ተቐይሩ እዩ፡” ብዝብል ምኽኒት ኣብ ስዊዘርላንድ ዝቕመጡ መምበሪ ወረቐት ዘይረኸቡ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ንኽትመልስ ወሲና:: በዚ ድማ 9 ሽሕን 200 ክምለሱ ኣለዎም ዝበለቶም ከተለሊ እንከላ፡ 200 ብህጹጽ ክምለሱ ዝተረፉ ድማ ቀስ ብቐስ ክምለሱ ከምዝኾኑ ኣፍሊጣ::

ኣብዚ 200 ኤርትራውያን ጠቕሊልኩም ውጹ ዝብል ደብዳቤ ተቐቢሎም ኔሮም። እንተኾነ ዝተፈላለያ ስዊዛውያን ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሓተቲ ዕቊባን ብዝገበረኦ ጻዕሪ፡ እቲ ናይ ምስጓግ መስርሕ ደው ኢሉ:: ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ጀሚራቶ ዘላ ርክብን ናይ ምስጓግ መስርሕን ደው ከተብል ድማ ብሓያሎ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጸቕጢ ይግበረላ ኣሎ::

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓተቲ ዕቁባን ኣብ ልዕሊ ፈደረላዊ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ጸቕጢ ንምግባር 11’221 ናይ ጥርዓን(ፐትሽን) ፌርማ ብምእካብ ብ13 ነሓሰ ኣብ ከተማ በርን ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፈደራል ኣረኪቦም:: እተን ‘ሪጂ ኣዚል’ Riggi-asyl: ‘ጊቭ ኤ ሃንድ ‘Give a hand’ ሶሊዳሪታትስነት Solidaritätsnetz: ሳሊዳሪተ ሳን ፍሮምቴኽ Solidarité sans Frontièresን ካልኦትን ልዕሊ 20 ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓተቲ ዕቊባን ኣብቲ ዘቕረበኦ ጥርዓን፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘለዉ ኤርትራውያን ወረቐት ክወሃቦም: ናይ ኤርትራ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኩነታት ከይተቕየረ ዝኾነ ኤርትራዊ ከይስጎግ: ስዊዘርላንድ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዘይሕሉ መንግስቲ ኤርትራ ዝጀመረቶ ዝርርብ ደው ከተብሎን ካልእን ዝጽውዕ እዩ::

እተን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕል ሰላም ይከተም ደኣ እንበር ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ከምዘይተቕየረ ገሊጸን::

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣባለት ሰልፊ ቀጠልያን ኤትራውያንን ተቓለስትን ተረኺቦም ኔሮም::

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ